ወታሃደራዊ ታዕሊም ሳዋ፡ ምዕጥር፡ ዊዓ፡ ኪሎማ፡ ሓሽፈራይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ንሓዱሽ ስትራትጅካዊ ውጥን ዘንቀደ ዘርዚርካ ኣብ ዘይውዳእ ቦታ ዝካየድ ዘሎ ታዕሊማት ተኽለ ማንጁስ፡ ኮታ ብወታደራዊ ታዕሊምን ቤት ማእሰርታትን ዘዕለቕለቐት ኤርትራ ብምባል ጥራይ ምሕጻሩ ይሓይሽ፡፡

ዝበዝሑ ሜጀርን ብርጋዴርን ጀነራላት ቅድምን ድሕርን ፎርቶ ሕጉሳት ከምዘይኮኑ ጋህዲ እዩ፡፡ ካብ መንቀሊ ፍልልያቶም ገለ’ቶም ቀንዲ ጠንቅታት፡- ተኽለ ማንጁስ ናብ ኣስመራ ደይቡ፡ ምስ ኢሳያስ ቀጥታ ምስተራኸበ፡ ልኡኽ ሓሊቦ ኢሳያስ ኮይኑ ማእለያ ንዘይብሉ ህዝቢ ኣገዲዱ ምዕጣቕ ምስ ጀመረ፡ ልዕሊ እቲ ምዱብ ሰራዊት ካልእ ናይ ኢሳያስ እሙን “ህዝባዊ ሰራዊት” ምፍጣር ዝብል ሓዱሽ ስትራተጅካዊ ውጥን ኢሳያስ ከተግብር ምስ ፈለመ፡ ብዘይካ ኢሳያስን ደገፍቱን ካልእ እቲ ዝበዝሕ ሓላፊ መንግስቲ ባህ ኣይበሎን፡፡

ተኽለ ማንጁስ ብመሰረት ልእኹ ኣብ መላእ ሃገር ሓዱሽ “ህዝባዊ ሰራዊት” ንምህናጽ ድቃስ ለይቲ ስኢኑ ሃለኽለኹ ቀጺሉ፡፡ ዛጊት ክሳብ 68 ዝዕድሚኦም ዜጋታት “ቆልዓ ኣብ ከብዳን ኣብ ዝባናን ዘይብላ” ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ከይተረፈት ንኹላ ኣዕጢቑ፡ ዓሊሙ፡ ወዲቡን ንማእቶት ኣብ ምውፋርን ይርከብ ኣሎ፡፡ ከምቲ ቅድሚ ምራኽ መስከብ ዝበሃል ንኹሉ ቅድሚ ታዕሊም ጠበንጃ ምስ 30 ጠያይቲ ምስ ዓደለ፡ ንኹሉ ኣኣብ ከባቢኡ ን28 መዓልታት ወታሃደራዊ ታዕሊም ክወስድ ገበረ፡፡ ድሕሪ ምዝዛም ታዕሊም ኹሉ ህዝቢ ብመንግስቲ ብዝተሰለዓሉ መጠን ሰልዲ ተተገዲዱ ከዋጽእ ብምግባር ብሕሩድን ንሕድሕድ ተዓላማይ ብዝተመደበሉ ክልተ ቢራን ግብጃ ተኻይዱ “ኩቡር ጋሻ” ተኽለ ማንጁስ እንዳኸደ መረቐ፡፡ ድሕሪ ምረቓ ስዒቡ ዝመጸ ካልእ ስራሕ ካብ መስርዕ ክሳብ ብደረጃ ክ/ሰራዊት በቢዓዱ ክውደብ ተገብረ፡፡ ካብ እዚ ቦጦሎኒ ክሳብ እዚ ክፍላተ ሰራዊት ደስኪሎም ተጣይሶምን ነናይ ገዛእ ነብሶም ሂወት ኣብ ምምራሕ ብዝጸንሑን ካብተን ቅድም ኢለን ተወዲበን ዝነበራ “ዕቑር ሰራዊት” ተባሂለን ዝጽውዓ 7 ክፍላተ ሰራዊት (ኣሃዱታት) ብዝተዋጽኡ ተጋደልቲ ነበር መራሕቲ ተመደብሉ፡፡

ዕጡቕ “ህዝባዊ ሰራዊት” ተባሂሉ ዝተሰመየ ኩሉ ድሕሪ ምዝዛም ታዕሊምን ውዳበታትን ን90 መዓልታት ዝኣክል በቢውዳብኡ ኣፍራዛን ባዴላን ተዓዲልዎ ናብ ማእቶት ክዋፈር ተኣዚዙ ናብ ስራሕ ተዋፈረ፡፡ ንኣብነት ኣብ ኣስመራ ብ11 ብርጌዳት ዝተወደበ ዕጡቕ በቢብርጌዳቱ ንጉሆ ወጋሕታ ከካብ ገዝኡ ወጽኡ ኣብ መተኣኸኸቢ ናቑጣ ተኣኪቡ፡ ንኣገልግሎት ህዝቢ ከተማ ኣስመራ ብዝውዕላ ናይ ከተማ ባሳት ተተሰቂሉ ነናብ ዝተመደበሉ ናይ ማእቶት ቦታ ይጓዓዝ፡፡ ሕድሕዱ ከኣ መዓልታዊ ንውሓቱ 8 ሜትሮ ጥልቀቱ ኣስታት 35 ሳ.ሜትር ዝኣክል ቦታታት ተተለኪዑ ድሕሪ ምዕዳል ዛላታት ክኹዕት ይግበር ኣሎ፡፡

ንውሓት እታ ዓቐን ክ/ሰ 22 ኣብ ከባቢ ሸላሎ ምስ ወረደት ድፋዕ ክትሰርሕ ብዝተኣዘዘቶ መሰረት ሕድሕድ ወታሃደር መዓልታዊ ክዓማ ኣለዎ ተባሂላ ካብ ዝተዓደለቶ ዝተወስደት ተሞኩሮ’ያ፡፡

ስለዚ ተኸለ ማንጁስ ልዕሊ ዓቕሙ ማእለያ ዘይብሉ ስልጣናት ተሓንጊጡ፡ ንመላእ ኤርትራ የሰራጥያ ኣሎ፡፡ “ኣብ ዓዲ ዕውራት ሓደ ዓይኑ ይነግስ” ዝብል ብሓደ ጸሓፋይ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ሓደ መርበብ ሓበሬታ ኣንቢበ ነይረ፡፡ ብርግጽ ተኽለ ማንጁስ ሓንቲ ዓይኑ ኣብ ቃልሲ ዶ ይኸውን ስኢንዋ ኣብ ካልእ ኣይፍልጥን፡ ግን ብዛዕባ ኣካላዊ ስንክልኡ ዘይኮነ ኣእምራዊ ስንክልንኡ’ዩ እቲ መዛረቢ ዛዕባ ክኸውን ዘለዎ በሃሊ’የ፡፡ ሓረስታይ፡ ዘላን፡ ሸቃጣይ፡ ክሳብ ዳሪክተር ጀነራል ጽፍሒ ዘለዎ ሰራሕተኛ መንግስቲ፡ ሓኪም ይኹን መምህር በዓል ሞያ፡ ኣሳሰይቲ ባራትን ቤት ብልዕን፡ ናይ ጽዕነትን ታክሲን መራሕቲ መካይን…ኮታ ኩሉ ዜጋ ውልቃዊ ስርሑ፡ ህዝባዊ ኣግልግሎቱ ጠጠው ኣቢሉ ኣብ ታዕሊም፡ ኣብ ምስጥጣም ውዳበ፡ ኣብ ማእቶት ተዋፊሩ ኣሎ፡፡ ህዝብና ሰሪሑ ደቁ ዝዕንግለላ ግዜ ኣስኢንዎ ኣሎ፡፡ ኩላትና ከምንፈልጦ ቀዳምን ካልእ ናይ ስራሕ መዓልትን ኣብ መደበር ንዕለታዊ ጥቕሙ ክብል ቀዳም ይኹን ካልእ መዓልቲ ዝሰርሕ ደፋእፋእ ዝብል ዜጋ ኣብ ታዕሊምን ማእቶትን ክውዕል ምግባር ማለት ኣብ ውላዱን ነታ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዕለታዊ ናብርኡን ዝፈጥሮ ሃሰያ ክሳብ ክንደይ ከምዝኾነ ንምግማቱ ኣጸጋሚ ኣይኮነን፡፡

እቲ ማእቶታዊ ንጥፈታት (ምኹዓት ዛላታት) ንሃገር ዶ ይጠቅም ይኸውን? ኣብ ድሌትን ሃምን ህዝቢ ሰረት ዘይብሉ ማእቶት ከ ክሳብ ክንደይ እዩ ንሃገር ዝረብሕ? ግን መንግስቲ ነዚ ማእቶት እዚ እንከንቅሎ ከሎ ቅድም ቀዳድም ንልምዓት ሓሲቡ ዘይኮነ፡ ቀንዲ ዕላምኡ ሓዱሽ ዕጡቕ ኣሃዳዊ ስምዒት ክፈጥር፡ ውዳብኡ ከሰጣጥም፡ ኣካል እቲ ወታሃደራዊ ታዕሊም ንዝኾነ ኣካላዊ ጥንካረ ኣብ ተዓለምቲ ንምፍጣርን ደይ መደይ ተባሂሉ ተሓሲብሉ ዝፍጸም ዘሎ እዩ፡፡ ካልኣይ እቲ ዝኳዓት ዘሎ ዛላታት ቅድሚ ሕጂ እውን ብነጻ ኣገልግሎት ተምሃሮ ዝወፍርዎን ኣግራባት ተተኺልዎ ክጸድቕ ዘይከኣለን ማይ ዝበሃል ዘየዋህለለን ከባቢታት እዩ፡፡

ካልአይቲ ኣብነት ከቕርብ፡ ንነዊሕ ዓመታት ደስኪሉ ብዝነበረ ኮ/ል ተኽለዝጊ ጸጉ ትምራሕ መበል 11 ብርጌድ ቀሓውታ፡ ጎዳይፍን ገጀረትን ኣባል ዝኾነ መራሕ መኪና ናይ ጽዕነት መኪንኡ ሓዲጉ ቦጦሎኒ ክመርሕ ብዝተኣዘዘ መራሕ ቦጦሎኒ ወዲ ጸሃየ ተኣልያ ዓርቢ፡ ቀዳም፡ ሰምበት ናብ ጾሎት ንማእቶት ትወፍር፡፡ ጾሎት ቅድሚ ሕጂ ብነጻ ናይ ተምሃሮ ኣገልግሎት ብተደጋጋሚ ተሰሪሑ እኳ ተነበረ ዝመጸ ለውጢ ግን ዋላ ሓደ የለን፡፡ ሕጂ’ውን ብሓደሽቲ ዕጡቓት ክልወጥ እዩ ኢሉ መንግስቲ ከምዘይኣምን ርዱእ እዩ እቲ ዕላማ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝጸራሕኹዎ እዩ፡፡ ብሓፈሻ ኣብ መላእ ሃገር ተኽለ ማንጁስ ብዝመርሖ “ህዝባዊ ሰራዊት” ዝፍጸም ዘሎ ማእቶት ብግምት ደኣ’ምበር ብሞያዊ መጽናዕቲ ከምዘይተደገፈ ርጉጽ እዩ፡፡ ገርሰት ዝኣክል ዲጋ ብሞያ ዘይተመርሐ ዶ ነዚ ግዳ ተሓሲብሉ? እዚ ከይኣክል ኣብ ልዕሊ’ዚ እቲ ኣብ ማእቶት ዝወዓለ ሓዱሽ ዕጡቕ ብጋንታት ተተሰሪዑ ካብ ሰዓት 7፡00 ክሳብ ወጋሕታ ሰዓት 05፡00 ብሪጋ ሙሉእ ለይቲ ኣብ ሓለዋ ዋርድያ ይሓድር ኣሎ፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕላምኡ ንዘይተገልጸ ጉዳይ ንኹሉ ዕጡቕ (ብደረጃ ሃገር) ካብ 18- 40፡ ካብ 41 ክሳብ 50፡ ካብ 51- 68 ዝዕድሚኡ ኩሉ ይጸናዕ ብሕቡእ ኦርኒክ መሊእኹም ቀልጢፍኩም ኣመሓላልፉ ዝብል ትእዛዝ ክሳብ ደረጃ እዚ ቦጦሎኒ ህጹጽ መምርሒ ኮይኑ ወሪዱ ኣሎ፡፡ ብመሰረት’ዚ ኩሉ ይምላእ ኣሎ፡፡ ንምንታይ ከምተደልየ ዋላ ብዕሊ ኣይገለጽ፡ እቲ መንእሰይ ዕድመ ዘለዎ ዝበሃል ሓይሊ ናብ ምዱብ ሰራዊት ዶ ዋላስ ንበይኑ ተወዲቡ ናብ ቅድመ ግንባር ክለኣኽ ይኸውን ዝብል ሰፊሕ ጥርጣረታት ኣሎ፡፡ ናይ ግድን ንሓዲኡ ከምዝኸውን ግን ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡ ምኽንያቱ ከናፍስዎ ዝጸንሑ ዘረባታት ዓበይቲ ኣኣብ ከባቢኹም ትሕልው ካልኦትኩም ግን ካልእ ስራሕ ኣለኩም ይበሃል ነይሩ እዩ፡፡

ብዝኾነ ሜጀርን ብርጋደርን ጀነራላት ካብ ዘይማእመኦም ሓደ ነገር ምምጻእ ተኽለ ማንጁስ ናብ ቅድሚትን ድሮ ብዙሕ ስራሕቲ ክዓምም ምኽኣልን ሓደ ረቑሓ ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይን ኣገዳስን ረቑሓ ከኣ ምድያብ ተኽለ ማንጁስ ንኣስመራ መወዳድርቲ ሜጀር ጀነራላት ጥራይ ዘይኮነ ልዕሊኦም ተኣማኒ ፕረዚዳንት ኮይኑ ምርካቡ እዩ፡፡ እዚ ድማ ኢሳያስ እምነቱ ኣብ ልዕሌና ኣጉዲሉ ኣሎ ዝብል ስሚዒት ፈጢርሎም እዩ፡፡ ህዝቢ ናይ ምዕጣቕ ዕላማ ድማ ንምዱብ ሰራዊት መተካእታን ንሓይሎም መዳኸሚ ኮነ ተባሂሉ ዝተወጠነ ገይሮም ወሲዶምዎ ኣለው፡፡ እዚ ሕጂ ካብ ኮኾባት ኢሳያስ ሓደ ኮይኑ ድላዩ ዝገብር ዘሎ በዓል እዋን ተኽለ ማንጁስ ማዕሪኦም ዘይኮነ ትሕቲኦም ገይሮም ስለዝሪእዎ ካብ ቀደሙ ዘይቅበልዎ ሰብ ምንባሩ እዮም ዘዕልሉ፡፡

ናይ ተኽለ ተጸዋዕነት ንፕረዚዳንት ነቲ ዝጸንሐ Chain of command ጎስይዎ ይሓልፍ ኣሎ፡፡

ስለዚ በዓል እዋን ተኽለ ማንጁስ ኣዛዚ “ህዝባዊ ሰራዊት”፡ ኣወሃሃዲ ቤ/ጽ ተቓወምቲ ጉጅለታት ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ብኢሳያስ ናይ ዝተመዘት ኣጻረይት ኮሚቲ ኣባል፡ ኣብ ንጥፈታት ጸጥታ እቲ ሃገር ዝዋሳእ ሰብን እቲ ንኹሉ ግሉጽ ዘይኮነ ድማ ኣብ መሸጣ ንግዲ ዜጋታት ንራሻይዳን ምዃኑ ይፍለጥ፡፡

“ማእቶት” ትብል ቃል “ህግደፍ” ኣብ ሕሉፍ ታሪኽና ጸሊም ነጥቢ ዘለዋ ቃል እያ፡፡ ካብ 1ይ -4ይ ዙርያ ታዓሊሞም ኣገልግሎቶም ወዲኦም ነናብ ዓዶም ተፋንዮም ዝነበሩ መንእሰያትና ኣብ ወርሒ 1ን 2ን 1998 ንማእቶት ተኣከቡ ብዝብል ጻውዒት ከምዝተኣከቡ ይዝከር፡፡ ኣብቲ እዋን ኣባላት 5ይን 6ይን ዙርያ ኣብ መስርሕ ኣገልግሎት ኔሮም፡፡ ተዓለምቲ 7ይ ዙርያ 1997 ታዕሊሞም ወዲኦም ተመሪቖም ኣብ ኣሃዱታት ተወዚዖም፡፡ እቲ ሃገራዊ ግቡኡ ወዲኡ ኣብ ውልቃዊ ዋኒናቱ ዝጸንሐ እሞ ከም ብሓዱሽ ንማእቶት ዝተዓደመ መንእሰይ ሓቂ መስሊዎ ናብ “ልምዓት” ከቲቱ ዋላ ሓንቲ ተድምዕ ልምዓት ከይዓመመ ከኣ ናብ ዘይሓሰቦ ኩናት ምጥጣቑ ናይ ትማል ታሪኽ እዩ፡፡ ሎሚ’ውን ልክዕ ነታ ናይ ትማል ታሪኽ ንምድጋም ዝተሓስበ ይመስል፡፡ ኩሉ ሓዱሽ ዕጡቕ ምዕላም፡ ብኣሃዱታት ምውዳብን ምስጥጣምን፡ ጣቋ ንዘይብሉ “ልምዓታዊ ማእቶት” ምውፋርን ተኣዊጁ ኣሎ፡፡ ጎኒ ንጊኒ ብሕቡእ ብደረጃ ዕድመ ብኦርኒክ መቓቒልካ ምድላውን ዝብል ጥብቆ ይስማዕ ኣሎ እንታይ ኣድለየ? ክለዓል ዘለዎን ብኣግኡ ክነስተባህለሉ ዝግባእ ሕቶን እዩ፡፡ ሓደ ሻዕ ተገሪህና ንካልኣይን ሳልሳይን ግዜ ኣይንግራህን፡፡ ሕሉፍ ተሞኩሮኡ ዘይመሃር ብጀካ ግኡዝ ነገር ሂወት ዘለዎ ፍጡር የለን እሞ ሃየ፡፡

ሰናይ ቅነ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...