ዓለምለኸ ኮምሺን ንስደተኛታት ኤርትራ (ICER) ንስደተኛታት ኤርትራውያን ብዝምልከት ንኹሎም ተቓወምቲ ጉጅለታት ብፍላይ ድማ እቶም ኢትዮጵያ መደበሮም ጌሮም ዝቃለሱ ባእታታት ናይ ሓባር መኸተ ክግበር ይጽውዕ። ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጉዳይ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እንዳገደድ ይኽይድ ኣሎ። መንእሰያት ብዘይ ፍቃዶም ክጥለፉ እንከለዉ ገሊኦም ድማ ‘ ክበልዕ ዝደለየ ኣፉ ገደል’ ከም ዝብሃል፡ ሓንትስ ካብ ምድሪ ኤርትራ ዘውፅእ ሜላ ይፈጠረላይ እምበር፡ ብድሕሪኡስ ዝበልዔ ይብለዓኒ ብዝብል ሓላፍነት ዝጎደሉ ስምዒት ተደሪኾም ኣደዳ ሸፋቱ ኤርታራውያንን ዓረብን ኮይኖም ይርከብ ኣሎዉ። ነዚ ጉዳይ ጠንቂ ዝኾኑ ድማ እቶም ፈቐዶ መዓስከር ስድተኛታት ተሰግሲጎም ወይ ብውዲት ወይ ከአ ብግዲ ኣብ ሰብ ንግዲ ተዋፊሮም ዘለዉ ኤርታራውያን ምዃኖም ካብ እንርድኦ ሓያሎ እዋናት ኮይኑ ኢዩ።

ብሕልፊ እቶም ካብ ኢትዮጵያ ብምንሃር ዝናጠፉ ጉጅለታት ከምኡ’ውን እቶም መሓውሮም ኣብ ሱዳን ተዘርጊሑ ዝርከብ ሓደሓደ ማሕበራት ነዚ ማእለያ ዘይብሉ ብሃውሪ ዝንቀሳቕስ ናይ መንእሰያት ስደተኛታት ፍልሰት ቑጽጽር ክገብርሉ ትጽቢትና ኔሩ። ክሳብ ለይቲ ሎሚ፡ ሃገር መንእሰይ ኣልቦ ንምዃን ክልኢት ኣብ ተሪፍዋ ዘሎ ኩነታት፡ ይትረፍ’ዶ ስጉምቲ ክውሰድ ትልሚ ምህላዉ’ውን ዘጠራጥር ኢዩ። ከም ግቡእ ኣብ ክንዲ መንእስያት ስደተኛታት ተሓሊቑ ነዚ ኣስካሕካሒ መነባብሮኦም ዝመሓየሸሉ መንገዲ ሃሰው መሰው ክብል ኢዩ ነይርዎ። ዝኾነ ኮይኑ ግን ናይ ስደተኛታት ጸበባ እንዳቐጸል ይኸይድ ኣሎ። ሑሉፍ ሓሊፉ ደቂ ኣንስትዮ ይዕመጻ፣ ወዲ ተካሊት ድማ ናውቲ ሰውንቱ ይምእረር፣ ምህላዉ ባዕሉ ሚስተር ጉተረዝ ናይ ሑቡራት መንግስታት ናይ ስደተትኛታት ኮምሽነር ከምኡ’ውን ናይ ኣውሮጳ ሕብረት ፓርላማ ምምስካሮም ይዝከር። ኣስዒብ’ውን ነዚ ብዝምልከት ንመንግስታት ሱዳንን ግብጽን’ውን ሻቕለቶም ምግላጾም ኣብ ዜና ማዕከናት ምቅልሑ እንስሕቶ አይኮነን።

ወጻእተኛታት ብፍላይ ድማ ፈረንጂ በቲ ጉዳይ ተመሲጦም ካልእ’ኳ እንተዘይገበሩ ከቃልሑ ይርከቡ? ናይ ፖሊቲካ ማሕበራት ብሕልፊ ድማ እቶም ካብ መሬት ኢትዮጵያ ዝዋፈሩ ከምዚ ንኸይገብሩ ዘሸግሮም እንታይ ኢዩ? ምናልባት’ዶ ተልእኾም ካብዚ ዝዓዘዘ ኮይኑስ ነዚ ብዘይ ውክልና ዘማሓድር (ድጉሽተተይ) ዝገዝእ ሳሕላዊ ስልጣን ሻዕብያ ንምግላል ወይ ንምጉሓፍ ኩለንትና ኣትኩሮኦም ሂቦሙሉ ይኾኑ ዝብል ግምት የሕድረልና? እዚ ብዘየገድስ ኣብ ስልጣን ተወጢሑ ዝርከብ መንግስቲ ኣስመራ ውዒሉ ሓዲሩ ካብ ምእላይ ዕጫ ዘናግፎ ማንም ሓይሊ የሎን። ከልግስ ኢዩ። ንኸልግስ ግን ብግዳማዊ ሓይሊ ዘይኮንስ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብዘሎ ሕዝባዊ ማዕበልን፡ በቲ ዘይቁሱንን፣ዝነደረን፣ ዝተቐየመን ዑቑር ወተሃደራዊ ሓይሊ ተሰንዩ ከምዝኸውን ከይደቕስካ ዝተሓልመ እዉን ነገር ኢዩ። ነዚ ክለሳዊ ሓሳብ ከነንፃባርቕ ዝደረኸና ቀንዲ ምኽንያት ድማ ህሉው ኩነታት ሃገራውያን ተቓወምቲ ኣብ ግምት ብምእታው ኢዩ። ወሽለ ትንቢትና ሉሙሽ ይግበሮ።  ከምዚ ክነሱ ድአ እዘን ማሕበራት ዓቅመን ብዝፈቕዶ፡ ምሕብሓብን ምስሳይን ስደትኛታት ክኸውን’ዶ ኣይነበሮን? ንሕና ብእንርድኦ አንጻር ጠለፍትን፣ዓመጽትን፣ኣርዓድትን፡ ራሻይዳን፣ በደው ዓረብን፣ኤርትራውያንን ንምቅላስ ኣትክሮ ምግባር የድሊ። ናይ ፖለትካ ወድባት ብፍላይ እቶም ኢትዮጵያ መደበር ጌሮም ዝቃለሱ ባእታት ቃልሶም ኣብዚ ከይተወሰነ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጁቡቲን፣ የመንን፣ ሱዳንን ከምኡ’ውን ግብጽን ዝሳቐዩ ዘለዉ መንእስያት ክጣበቕሎም ክከላኸልሎም ቀንዲ ተግባራቶም ክኸውን ይግባእ። ውድባት ታሪኽ ብዘውደቐሎም ሓላፍነት መሰረት ናይቲ ውፁዕ ህዝቢ ወከልቲ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ግፍዕታት ድማ ኣቓልሕቲ ምዃኖም ክግንዘቡ ይግባእ። ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ክግንዝብዎ ዝግበኦ ጉዳይ እንተሃለወ፡ ተሓንጊጦሞ ዘለዉ ሓላፍነት ተማዓድዊ ናይቲ ክአልይዎ ዝህቅኑ ዘለዉ መንግስቲ ኢዩ። ስለ ዝኾነ እምበአር፡ ንነብሶም ከም ‘መንግስቲ ኣብ ግዳም’  ቆጺሮም ክንቀሳቐሱ ዝወቕሶም ሓደ’ኳ የለን። ስለዚ ምስ ዞባዊ መንግስታት፡ ምስ ሰበ ስልጣን ኣውሮጳ ሕብረት ምስ ሓለፍቲ ወጻኢ ጉዳይ ኣመሪካ ብዛዕባ ስደትኛታት ሃገሮም ንኽዝትዩ የምሕረሎም’ምበር ኣየኽፈአሎምን ኢዩ።

እምበአርከስ ብዉሑዱ ፡ ብሕልፊ ኣዴታትን ኣቦታትን ካብ ውድበታት ዝጽበይዎ ነገር እንተሃለወ፡ ነቶም ኣብ ፈቐዶ ስደተኛታት ካምፕ ብፍላይ ድማ ኣብ ሸግራብ፣ማይ ዓይኒ፣ሽመልባ፣ ዓዲ ሓሩሽ ተሸጉጦም ነዚ ካብ ሕጊ ዝወጸ ኣፀያፊ ተግባር ዘካይዱ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ቅጽጽር ምእታው ቀዳማዊ ተልእኾኦም ክኸውን ኔርዎ። ነዞም ንኤርትራ ኣቲኻ ንምውጽእ ዘየሸግሮም ጎሓላሉ ካብ 2000 ዶላር ብዘይውሕድ ገንዘብ ካብ ሑቕፊ ኣዴታቶም ብዘይጭበጥ መብጸዓታት ኣውጺኦም ግዳይ ረሻይዳን በደውን ክግብርዎም እንከለዉ ከቖጥዖም ይግብእ። ሳዕቤን ናይዚ ኩሉ ድማ ኣብቶም መንእሰያት ስደተኛታት ጥራይ ዘይኮነ ዘንጸባረቐ፡ ኣብ ምዝንባል መነባብሮ ወለድን፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝነብሩ ቤተስቦምን እውን ዓቢ ተራ ኣለዎ።  ካልእ ይትረፍ ውድባት መንእሰይ ንኽስደድ ንውሱናት ሰባት ናይ መንቀሳቐሲ ወረቐት ካብ ምሃብ ክቑጠቡ ይግባእ።

እቲ ኣዝዩ ዘስደምም እቶም ኣብዚ ኣጸያፊ ስርሕ ተዋፊሮም መሓውራቶም ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሳብ ሱዳንን ግብፅን እስራኤልን ተዘርጊሑ ዝርከብ ውልቀሰባት ካብ ኤርትራ ዝቦቖሉ ኢዮም። ‘ዘበን ግርንቢጥ ማይ ንዓቐብ’ ከምዝብሃል፡ መብዛሕቶኦም ተጋደልቲ ነበርን መንእሰያት ዋርሳይን ምዃኖም ኢዩ። እዞም ሓለንጊ ህግደፍ መሪርዎም ናብ ስደት ዘምርሑ መንእሰያት በቶም ብመንግስቲ ተበዲልና በሃልቲ ተጋደልቲን ዋርሳይ ነበርን ክሽይጡን ክልወጡን ንሰምዒ ዘደንጹ ኢዩ። እዞም መአዝኖም ሲሒቶም ኣብዚ እከይ ተግባር’ዚ ተዋፊሮም ዝርከቡ ውልቀሰባት ለይቲ ከይበሉ ቀትሪ ኣዳዕዲዕም ምስ መሻርኽቶም ረሻይዳን፣ ዓረብን፣ ሱዳናውያንን ብሂወት ኣሕዋቶምን አሕቶምን ዝጣልዑ መዓልቶም ኣላቶም። ይውሓድ ይብዛሕ፣ ይርሓቕ ይቕረብ ዝኸፍልዎ ሕሳብ ከምዘሎ ICER ከረጋግጽ ይደሊ።

ዸጊሙ ደጋጊሙ ዘሕዝን ድማ ቁጽሮም ዉሱን ድአ ይኹን’ምበር፡ እቲ ንስርዓት ህግደፍ ብሓይሊ ብረት ክምክቶ ተዓጢቑ ዘሎ ብመንእሰያት ዝቖመ ግንባር’ውን ኣንተኾነ ካብ’ዚ ሓጥያት’ዚ ፈጺሙ ነጻ ዝወጸ ኣይኮነን። ቅድሚ ሓዲሽ ስርርዕ ምግባሩ ኣብቲ ግንባር ስዉር ተሰግሲጎም ምንባሮም ICER ጭብጢ ኣለዎ። ብውዑይ ሓይሊ መንእሰይ ዝቖመ ማሕበር፡ መንእሰይ ኣብ አከባቢኡ ዓሲሉ  ንህግደፍ ከምክት ፡ ቀጺሉ ድማ ንቡር ናብራ ኣብ ኤርትራ ንኽሰፍን ባይታ ከጣጥሕ ትፅቢት ዝግበረሉ ስለ ዝኾነ ንቑሕ ከም ቆቛሕ፣ ተባዕ ከም ኣንበሳ ክኸውን ይግባእ። ካብቲ ክገብሮ ዝግባእ መጀመርያ ተግባራት ንምጥቃስ፡ ኣባላቱ ብንጹር ክመሚ፣ ኣብቲ ስደተኛታት ካምፕ ተሸጉጦም ናይ ሰብ መሸጣ ዘካይዱ ውልቀሰባት ድማ ሕጋዊ ስጉምቲ  ክወስድ ይግብኦ። ዓወት ናይቲ ግንባር፡ ዓወት ህዝቢ ምዃኑ ዝረጋገጽ ‘ንጸላኢ’ ሰቡን ንብረቱን ካብ ጥቅሚ ምውጻእ ዘይኮነስ፡ ነዚ ኣጸያፊ ተግባር መዕልቦ ምሃብ ኢዩ። ካብዚ ዝተላዕለ መንእሰይ ዓንዲ ሕቌ እቲ ግንባር ጥራይ ዘይኮነስ ሃገር ሃናጺ ብምዃኑ ትኩር ኣቕልቦ ክግበረሉ ይግባእ።     ንስደት ኣምሪሑ ኣደዳ መከራ ካብ ዝከውን፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብስራሕ ኣልቦነትን ናይ መንፈስ ጭንቀትን ካብ ዝሳቐ፡ ወይ ሃገራዊ ግደታኡ ክፍጽም ወይ ከአ ዓሪፉ ኣብ ስድተኛ ካምፕ ክጸንሕ ምግባር ናይቲ ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራ ዝንቀሳቐስ ግንባር ሓላፍነት ኢዩ።

ዕለት፡ ግንቦት 10, 2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...