21/12/2011

እገዳ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዓቅሎም ዘጽበበሎም መራሕቲ ምልክነት ኢሳይያስ ብእሙናት ዕሱባቶም ገንዘብ ኣብ ደገ ከቐምጡ ጀሚሮም።

ኣብ ውሽጢ ዘለው ምንጭታት ወጋሕታ ኣብ ዝሰደዱልና ጥሉል ሓበሬታ- ኣብ ቀረባ ግዜ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝተመሓላለፈ ብሽም ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ኣብ ባንክታት ወጻኢ ናይ ዝተቐመጠ ገንዘብ መጠን ወሲኹ ክድስክል ዝእዝዝ ውሳነ ዝያዳ ሻቅሎት ስለዝፈጠረ መራሕቲ’ቲ ስርዓት እሙናት ምስዝኾኑ ሃብታማት ደገፍቲ ኢሳይያስ ዝተዓራረኩሉ ሜላ ክሕንጽጹ ተቀሲቦም ከምዘለው ኣረጋጊጾሙልና’ለው።

እቲ ብሽም ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ኣብ ባንክታት ወጻኢ ዝተቐመጠ ገንዘብ ዝያዳ መጠኑ ወሲኹ ክድስክልን ናይ ምንቅስቃስ እገዳ ዝተገበረሎም ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ቁጽሮም ከዛይድን ዝእዝዝ ሓዱሽ ውሳነ ባይቶ ጸጥታ ኣብ መራሕቲ ህግደፍ ተወሳኺ ራዕድን ምጥርጣርን ብምፍጣሩ ኣብ ደገ ምስ ዘለው እሙናት ዝብሃሉ ሃብቲ ዘለዎም ደገፍቲ ህግደፍ  ርክብ ብምግባር ብሽሞም ገንዘብ ምህዳም ናይ ሕጂ ብሉጽ ምርጫ ኾይኑ ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ።

ምሕረትኣብ ዝተበሃለ ኣብ ኡጋንዳን ዓዲ ኢንግሊዝን ዝቕመጥ ትውልዲ ዓዱ ዓዲቀይሕ ዝኾነ ዕሱብ ሓደ ካብቶም ሃብቲ ህግደፍ ብሽሙ ኣብ ደገ ከቐምጥ ዝተሓረየ ኣብነት ናይቲ ሓዱሽ ሜላ ምልክነት ኢሳይያስ’ዩ ዝበለ ሓበሬታ ምንጭታት ወጋሕታ- እዚ ውልቀሰብ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣማኢት ሰራሕተኛታት ንዘንቀሳቅስ ሃብቲ ህግደፍ በዓል ዋና ኾይኑ ካብ እገዳ ተዋሒሱ ክመርሕ ሓላፍነት ከምዝተውሃቦ’ውን ኣነጺሩ’ዩ።

ብሽም ሓጎስ ክሻ ኣብ ባንክታት ወጻኢ ዝነበረ ሃብቲ መራሕቲ ህግደፍ ካብ ምድስካል ከምዘየምልጥ ብምግንዛቦም’ዮም መራሕቲ’ቲ ጠላም ስርዓት ምርጭኦም ኣብ ዝኣምንዎም ሃብታማት ዕሱባት ጌሮም ገንዘብ ከቀምጡ ዝጓየዩ ዘለው ክብል ከኣ ኣረዲኡ’ሎ ጥሉል ሓበሬታ ምንጭታት ወጋሕታ።

እዚ ምሕረተኣብ ዝተብሃለ እሙን ዓርኪ መራሕቲ ህግደፍ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣስመራ ከባቢ ትራቮሎ ብ12 ሚልዮን ናቕፋ መንበሪ ገዛ ዝዓደገ ኾይኑ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ብ10 ሚልዮን ናቕፋ፡ ኣብ ከተማ ዓዲቀይሕ ከኣ ብ7 ሚልዮን ናቕፋ ዝዓደጎም መንበሪ ኣባይቲ’ውን ናይቲ ሓዱሽ ሜላ ህግደፋውያን ኣብነታት ከምዝኾኑ ተረጋጊጹ’ሎ።

እዚ ሰብ’ዚ እሙን ዓርኪ ኢሳይያስን ካልኦት መራሕቲ ህግደፍን ክኸውን እቲ ብሽሙ ኣብ ደገ ዝተቀመጠ ሃብቲ’ቲ ስርዓት ዓዲሉዎ’ሎ ዝበሉና ምንጭታትና ኢሳይያስ ባዕሉን ካልኦት ኣውራ ሰባት ስርዓት ህግደፍን ኣብ ትራቮሎ ኣብ ዝዓደጎ ገዛ ምስኡ ዝሓድሩሉ ኣጋጣሚ ሒደት ከምዘይኮነ’ውን ኣነጺሮሙልና’ዮም።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ምስ ነጋዶ ዜጋታት ዘለዎ ርክብ ከመሓይሽ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ጀሚሩዎ ዘሎ ርሱን ምንቅስቃስ’ውን ከም ሓደ ጨንፈር ናይቲ ሓዱሽ ሜላ ጌርካ ክጥቀስ ዝኽእል ከምዝኾነን ከኣ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ብተወሳኺ ይገልጽ።

----------------------------------////////////////----------------------------------

21/12/2011

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ይፍጸም ምስዘሎ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ብዝተዛመደ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘልዕሎም ሕቶታት ዝያዳ ይጎሃሃሩ’ለው።

ምንጭታት ወጋሕታ ካብ ውሽጢ ዝሰደድዎ ሓበሬታ ከምዘረጋገጾ- ህዝቢ ኤርትራ ናብ እስራኤል ክሰግሩ ኣብ ልዕሊ ዝፈተኑ መንእሰያት ደቁ ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ብበዳዊን ይፍጸም ምስዘሎ ውሽጣዊ ክፍሊ ኣካላቶም ጠቢሕካ ብምውሳድ ኣቢሉ ዝሰላሰል ዘስካሕክሕ ግፍዒ ብዝተዛመደ ሕቶታት የልዕልን ጥርጣረታቱ ይገልጽን ኣሎ።

ካብ ህዝቢ ዝኽወል ነገር ክህሉ ይኽእል’ዩ ኢልካ ምሕሳብ ዕሽነት’ዩ ዝበሉ ምንጭታት ወጋሕታ- ኣብቲ ናይ ምድረበዳ ሲናይ ዶላራት ንምሕፋስ ብሂግካ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ህግደፍ ብቀጥታ ይሳተፍ’ዩ ዝብል እምነት ኣብ ህዝቢ ሚዛን ይደፍእ ምህላው ከኣ ብኣብነት ኣሰንዮም የረጋግጹ’ለው።

ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ንኤርትራውያን መንእሰያት ከም ትሕጃ ሒዝካ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዶላር ክፍሊት ብምሕታት ነዚ ምስዘይከፍሉ ኩላሊቶምን ካሊእ ክፍልታት ኣካሎምን ጠቢሕካ ብምሻጥ ገንዘብ ምርካብ ዝብል ሂወት ብዙሓት ዜጋታት ዝምንዝዕ ዘሎ ዘጉሂ ፍጻመ ኣውራ ኣጀንዳ ህዝቢ ኤርትራ ኾይኑ ከምዘሎ ዝጠቀሰ ሓበሬታ ምንጭታት ወጋሕታ- ብደም ደቁ ካብ ዝጉሃየ ህዝቢ ክኽወል ዝኽእል ሓቂ ስለዘለየ ከኣ ምስቲ ናይ ሲናይ ገበን ብዝተዛመደ ጥርጣረታት ክቀላቀሉ ጀሚሮም ከምዘለው ሓቢሩ’ሎ።

ኣብ እምባደርሆ፡ ዓዲቀይሕን ሰንዓፈን ዓይኒ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ናይ ሲናይ ግፍዒ ብደም ንጽሃት ዜጋታት ዝጠልቀዩ’ዮም ኢሉ ብጥርጣረ ዝጠመቶም ኤርትራውያን ከምዘለውን ይኹን’ምበር እዚ ካብ ሰማይ ዘይነጠበ ህዝቢ ዝዛረበሉ ዘሎ ጥርጣረ ክጻረን እቶም ሰባት ክተሓዙን ከምዘይኽኣሉ እቲ ሓበሬታ ገሊጹ’ዩ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብቲ ብበዳዊን ዝፍጸም ዘሎ መንእሰያት ዜጋታት ዝሃልቅሉ ዘለው ግፍዒ ኢድ ኣለዎም ተባሂሎም ብህዝቢ ንዝተጠርጠሩ ዕሱባት ክሓትት ድፍረት ምስኣኑ ኣብቲ ግፍዒ ኢድ ስለዘለዎ’ዩ ዝብል ጥርጣረ ኣብ ህዝብና ዝያዳ ክስዕርር ጌሩ ከምዘሎ ከኣ ሓበሬታ ምንጭታትና ብተወሳኺ ኣረጋጊጹ’ሎ።

---------------------------------------////////--------------------------------------

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...