Wounded man lies in street (Photo: Paz Bobrov)ኣብ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብዝወረደ መጥቃዕቲ ሓንቲ ጓል-ኣንስተይቲ እትርከቦም 12 ሰባት ካብ ፎኪስ ክሳብ ዝኸበደ ናይ ርእሲ ማህረምቲ ወሪድዎም ።

ብዕለት 21/12/2013 ብኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ዝተወደበ ዕላምኡ ዘይንጹር ካብ ከተማታት እስራኤል ንዝተኣኻኸቡ 550 ዝኾኑ፣ ውሑዳት ሰብ ረብሓ ደገፍትን ዝበዝሑ ብዘይጭበጥ ተስፋ ዘተሃራረፍዎም ህዝብን፣ ብዑደት ዝተመኽነየ ብስርዓት ህግደፍ ዝተጠርነፈ ናይ ኣማኢት ኪሎ-ሜተራት ጉዕዞ ናብ ከተማ ገሊላ ኣቕኒዑ። ኣብ’ቲ ቦታ ኣብ ዘዳለውዎ መአከቢ ኣዳራሽ ምስ በጽሑ 59 ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ድማ ከም ኩሉ ኤርትራዊ፣ ኤርትራዊ ዛዕባ ስለዝምልከቶም፣ ነቲ ኣኼባ ክሳተፍዎ ሕቶታቶም ከቕርቡን፣ ብሓንቲ ኣውቶብስ ተጻዒኖም ኣብ’ቲ ቦታ በጺሖም፣ ነቲ ኣኼባ ክሳተፍዎ ሓቲቶም፣ ንኸይኣትዉ ክገትእዎም ንዝፈተኑ ገለ ደገፍቲ ፈንጢሶም ምስ ኣተዉ ዕግርግር ተፈጢሩ ኩሎም’ቶም ተሳተፍቲ ናይ’ቲ ኣኼባ ነቲ

Wounded men (Photo: Maor Buchnik)ኣዳራሽ ገዲፎም ንግዳም ወጺኦም። ኣብ ግዳም ኮይኖም ነቶም ደለይቲ ፍትሒ ብዳርባ እምኒ ኣጥቂዖሞም።

ኣምበሳደር ስርዓት ህግደፍ ተስፋማርያም ተኸስተ፣ ህዝቢ ብብዝሒ ተኣኪቡ ንስእሊን ቪድዮን ኣቀናቢሩ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘሎ ህዝቢ ዘደናግረሉ ሜላን ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ መሬት ዘየለ ኩንነት ዝገልጽ ሕሱር ቃላቱ ዘፍስሰሉ ባይታ ስለዝሰኣነ፣ ብዑደት ኣመኻንዩ ህዝቢ ክጥርንፍ ፈቲኑ። እንተኾነ ግን ደለይቲ ፍትሒ’ውን ኣካል ናይ’ቲ ህዝቢ ስለዝኾኑ ነቲ ምስጢር ተባሂሉ ዝተሓስበ ሕሱር ሓሳብ በጺሐሞ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽበ ወርቓቕቲ ምርኩስ ብምግባር ቀንዲ ኣጀንዳ ናይ’ቲ ኣኼባ እቲ ስርዓት ገንዘብ ዝእክበሉ ሜላ ንምፍሓር’ዩ። ገለ ካብ’ቲ ወረቓቕቲ ገንዘብ ክልእክሉ ዝተደልየ ባንክ ሕሳብ ናይ’ቲ ስርዓት ኣብ ጀርመን፣ ኣብ ከተማ ኣስመራ ከባቢ ሰምበር ክሽየጥ ዝተባህለ ኣባይትን ወግኡን፣ ኣባልነት ማሕበረኮምን ንምዃን ዝምላእ ፎርም ካልእን እዩ ኔሩ ። ነቲ ጉዳይ ናይ ምህዳእን ሕጋዊ ምጽራይን ናይ ምግባርን ሓላፍነት ዘለዎ ፖሊስ እስራኤል ነቲ ጉዳይ ኣብ ምሓዝ ኣይግድን። ምኽንያቱ ነቶም ኣካላዊ ማህሰይቲ ዘውረዱ ሸለል ብምባል ነቶም ኣካላዊ ማህሰይቲ ዝወረዶም ኣብ ቀይዲ ምእታው። መንግስቲ እስራኤል ንኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ክፍለጡ ምስ ዝገብሮ ጻዕሪ ስለዘይቃዶ ህለወ ተቃወምቲ ክፍለጥ ኣይደልን’ዩ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...