ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ብሰንኪ እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ስርሑ ብምቁራጽ፡ ብፍላይ ከኣ ቐንዲ መእተዊ ማዕጾ እቲ ኤምባሲ ብፖሊስ ተዓጊቱ ዊዒሉ።

ብምኽንያት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ሽወደን ዝምቕማጦም ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ሎሚ 25 ግንቦት 2012 ኣብ ቅድሚ ኤምባሲ ኤርትራ ስቶክሆልም ዉኦዉዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ሰለማዊ ሰልፊ ብምትሕብባር ኩሎም ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝቃለሱ ኣብ ሽወደን ብዝመደበሮም ካብ ኩሉ ኩርናዓት ሽወደን ብዝመጹ ኣባላት በርገሳዉያን ማሕበራት ተቓወምቲ ሓይልታትን  ዉልቀሰባትን ብብዝሒ ዝተረኸብዎ ኮይኖም፡ እቲ ናይ መሬት እምበር ናይ ህዝቢ ሓርነት ከየጎናጸፈ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዘሕልፎ ዝጸንሐን ዘሎን ናይ ጸላም ዕስራን ሓደን ዓመታት ንምንጽብራቕ ተሳተፍቲ ሰልፊ ጸሊም ጨርቂ ኣብ ርእሶምን ቅልጽሞምን ብምእሳር ኣንጸባሪቖሞ።

እዚ ብተሳትፎ መንእሰያትን ኣደታትን ገዳይም ተቓለስትን ሕጻናትን ከምኡ እዉን ኣዕሩኽትን ፈተዉትን ኤርትራዉያን ዝኾኑ ሽወደናዉያንን ማዕሪጉ ንኣስታት ሰለስተ ሰዓት ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ብኣጋጣሚ ኣብ ሽወደን ብስራሕ ዑደት ክገብር ዝቐነየ ኣቦ ወንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ዶ/ር ዮሱፍ ብርሃኑ ከምኡ እዉን ኣብቲ ኣጋጣሚ ገለ ካብ መራሕቲ ተቓወምቲ ሓይልታትን ዶክተር ተስፋይ ስብሃቱን ኣቶ ኣሕመድ ናስር ካልኦት ገዳይም ተቓለስትን ገለ ተሳተፍቲ ካብ መንጎ ሰልፈኛታት ኮይኖም ኔሮም።

እዚ ናይ ሎሚ ሰለማዊ ሰልፊ መንእሰያትን ዓበይትን ኤርትራዉያን ብሓባር ኮይኖም ዘዳለዉዎን ዘዋሃሃድዎን ኮይኖም ከም ወትሩ ጭዉነት ስነ-ስርዓትን ዝተራእየሉን ብምንባሩ ብኩሉ መምዘንታት ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ” ስመር ” ብዝብል ቴማን መንፈስን ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ተላዒሉ ዘሎ ማዕበል ብግቡእ ዘንጸባረቐ ሓያል መልእኽቲ ዘማሓላለፈ ኔሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ካብ ወደብቲ ሰልፊ ኣትሒዙ ክሳብ ድሌት ዘሎዎም ተሳተፍቲ መደረታትን ግጥሚን ጭርሖን ኣስሚዖም።

 

ተሳታፍነት ማዕከናት ዜና፥

ኣብ ናይ ሎሚ ሰለማዊ ሰልፊ ብዘይካ ኣተን ኣብ ሽወደን ዝመደበረን ኤርትራዉያን ማዕከናት ዜና ኣገልግሎታት ፈነወ ቲቭ ዘተ ቲቪ ኣዳል ቲቪ ድምጺ ሕዝቢ ወዘተ. ካብ ኣገልግሎታት ሃገራዊ ዜናታት ሽወደን ተተ፥ ጋዜጣ ኤክስፕረሰን፥ ሃገራዊ ሬድዮ ሽወደን፥ ከምኡ እዉን ብደረቕ ስእሊ ዝስንዱ ጋዜጠኛታትን ተረኺቦም ነቲ ሰለማዊ ሰልፊ ተኸታቲሎምን ሰኒዶምን ብፍላይ ረዲዮ ሽወደንን ፈነወ ቲቪ ዘተን ብመገዲ መርበብ ብቐጥታ ኣማሓላሊፎም።

ህግደፍን ናይ ሎሚ ሰለማዊ ሰልፊን

እቲ ብቐደሙ እዉን ኣብ ዘይፍትሓዊ መንገዲ እንዳሃለለ ኣንጻር ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ደዉ ብምባል ክጓዓዝ ዝጸንሐ ደንበ ህግደፍ ኣብ ሽወደን ከም ኣመሎም፡ ኤምባሲኦም ዓጺዮም ንደገፍቶም እዉን ናብቲ ቦታ ሰልፊ ተወስ ከይብሉ ብምትሕስሳብ እዮም፡ ነቲ ነጎድጓዳዊ ድምጺ ዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዘቃልሐ ሰለማዊ ሰልፊ ተሓቢኦም የሕሊፎሞ፡፡ ብመሰረቱ እዉን ህግደፍ ኣብዚ ሰሙን እዚ እቲ ኤምባሲ መጥቃዕቲ ክወርዶ ይኽእል እዩ፡ ብምባል ንፍትሓዉያን ኤርትራዉያን ከም ህዉከተኛታት ንምጥቃኖም ዝዓለመ ጎስጓስ ከካይዱ ቀንዮም እዮም፡፡

በዚ መሰረት ከኣ እዩ ሎሚ፡ ተወሳኺ ሓይሊ ፖሊስ ሽወደን ንመእተዊ ኣፍደገ እቲ ኤምባሲ ብማሓዝ፡ ዝኾነ ሰብ ከይኣቱ ዓጊቶሞ ዝዋዓሉ፡ እዚ ጥራይ ዘይኮነ ናብቲ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ እዉን ብጉዳይ ዝኣቱ ይኹን ክወጽእ ዝተራእየ ተገልጋሊ ይኹን ሰራሕተኛ ዘይነበረ፡፡

ብሓፈሽኡ እንቋዕ እዚ ኣርኣየና!! ዘብል እዩ ኔሩ።

ኣብ መወዳእታ እዚ ናይ ሎሚ ሰላማዊ ሰልፊ ዝመሓላለፎ መልእኽቲ እንተዳኣ ኔሩ ፍርሕን ስግኣትን ከይብሉንን ኣወጊድና ኣንተደኣ ሰሚርና፡ ነቶም ንሃገርና ናብ ዘይንቡርነት ኣእትዮማ ዘሎዉ ሹማምንቲ ህግደፍን ደገፍቶምን፡ ግቡኣ ታሪኻዊ ትምሕርቲ ሂብና ክንስዕሮም ከምንኽእል ዘመስከረ እዩ ኔሩ።

 

መሓሪ ኣብራሃም

ካብ ፈነወ ኣገልግሎት ተሌቪዥን ዘተ

ስቶክሆልም

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...