ኣንታ፡ እዛ ኤርትራ ዝብልዋ

እንታወይቲ'ያ

እምበርዶ እኖ'ለዋ?

ኣይ ሰብ፡ ምስ ስድራ

ኣይ ምስ ቤተ ሰባ   

ምስ መጎተ ብሄራ

ተጉዕር፡ ብዓንቀራ

ሃገረይ፡ እናበለት ብገርሃ

ዓዳ ረጊጻ ፡ ኣብ ትሕቲ እግራ

ንብሕታ ተውሪ፡ ከምዛ ዋዛ

ኣንቲ ሓዝዮ፡ ኣንታ ሓዛ

ጸወታ ቆልዓ፡ ገዛ ገዛ

ክሳብ ግዝኣት ወሪዱ፡ ክሳዳ ዝሕዛ

ኣንታ ሰብ ተበልካ፡ መን'ሞ ክብለካ

ጓል ብሄርየ ተበለት፡ ጓል መን ደኣ

'ታ ብሄር፡ ምስ ኮነት ክፍለ ሃገራ

ባህርያታ ኣራጊፋ

መዓስከር ትሃንጽ፡ ንሓርነታ

ኣበይሞ በጽሐ፡ ሃረርታ ቃልሳ

ብር ትብል፡ ብኣውያት ገዛእ ብረታ

በሰላ ስምባደ፡ ግዲ ሒዙዋ

ልባ'ያ መስለኒ ስሒታ

ወግሐ ጸብሐ፡ ኣብ እዋን ምሸታ

ክፍሊ ዓለማ፡ ጠፊኡዋ

ይትረፍ ናጽነተይ፡ ትብላ ነታ ነብሳ

ሸለው እናበለት፡ ናብታ እንተር እኔታ

ግዲ ብረት፡ ግዲ ኮይኑ ልማዳ

ሕማም ኢትዮጵያ፡ ልቢ ልባ ክልብዳ


Latest

ብንያም ስምኦን ተሸላሚ Servant leader for justice Award – 2025 ኰይኑ!

    መስራቲ፡  ዳይሬክተር፡  ጋዜጠኛን በዓል ሞያ ተክኒክን ኰይኑ ንዓመታት ራድዮ ኤረና ዝመርሐን ዘካየደን ብንያም ስምኦን፡  ናይቲ፡  ንኽብሪን ዝኽሪን ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡  ድሕሪ  ዕረፍቱ ብስድራቤቱን ኣድነቕቱን ፈተውቱን ዝተጀመረ ንካልኣይ ዓመቱ...