ኣንታ፡ እዛ ኤርትራ ዝብልዋ

እንታወይቲ'ያ

እምበርዶ እኖ'ለዋ?

ኣይ ሰብ፡ ምስ ስድራ

ኣይ ምስ ቤተ ሰባ   

ምስ መጎተ ብሄራ

ተጉዕር፡ ብዓንቀራ

ሃገረይ፡ እናበለት ብገርሃ

ዓዳ ረጊጻ ፡ ኣብ ትሕቲ እግራ

ንብሕታ ተውሪ፡ ከምዛ ዋዛ

ኣንቲ ሓዝዮ፡ ኣንታ ሓዛ

ጸወታ ቆልዓ፡ ገዛ ገዛ

ክሳብ ግዝኣት ወሪዱ፡ ክሳዳ ዝሕዛ

ኣንታ ሰብ ተበልካ፡ መን'ሞ ክብለካ

ጓል ብሄርየ ተበለት፡ ጓል መን ደኣ

'ታ ብሄር፡ ምስ ኮነት ክፍለ ሃገራ

ባህርያታ ኣራጊፋ

መዓስከር ትሃንጽ፡ ንሓርነታ

ኣበይሞ በጽሐ፡ ሃረርታ ቃልሳ

ብር ትብል፡ ብኣውያት ገዛእ ብረታ

በሰላ ስምባደ፡ ግዲ ሒዙዋ

ልባ'ያ መስለኒ ስሒታ

ወግሐ ጸብሐ፡ ኣብ እዋን ምሸታ

ክፍሊ ዓለማ፡ ጠፊኡዋ

ይትረፍ ናጽነተይ፡ ትብላ ነታ ነብሳ

ሸለው እናበለት፡ ናብታ እንተር እኔታ

ግዲ ብረት፡ ግዲ ኮይኑ ልማዳ

ሕማም ኢትዮጵያ፡ ልቢ ልባ ክልብዳ