ዓርቢ ግንቦት 25-2012  ልዕሊ 250  ዝኾኑ ኤሪትራውያን ዝተኻፈልዎ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ስርዓት ኢሰያስ ተኻይዱ::  ተኻፈልቲ  ሰላማዊ ሰልፊ ዝተፈላለየ ጭርሖታት እንዳስምዑ  ብዓበይቲ ጎደናታት ኦስሎ ብምሕላፍ  አብ አፍደገ ፓርላማ  ኖርዋይ ንልዕሊ ሰለስተ ሰዓት ከምዝጸንሑ  እውን ተሓቢሩ::

አብቲ  ኣፍደገ ፓርላማ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን  ብትግርኛ ብዓረብ  ብትግረ ብኢንግሊዝኛን ብኖሽኽን ዝተፈላለዩ  ጭርሖታት ግጥምታትን  ምርኢታት ከምዝቀረቡን  ኩነታት ኤሪትራን ከመይ ከምዝመስል ዘቃልዑ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት  ንህዝቢ ምብታኖም ተገሊጹ::

ብዙሓት ገዳይም ተቀማጦ ከተማ ኖርዋይ  ብትሕዝቶ, ብዝሒ ተኻፈልቲ  ኤሪትራውያን, ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮን ብዝሒ ሕጻናትን ብምዕዛብ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብተደጋጋሚ ፍጹም  ታሪኻዊ  ሰላማዊ ሰልፊ  እንዳበሉ ሓጎሶም የስምዑ ምንባሮምን እዚ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ አብ ልዕሊ ኤሪትራውያን ዓቢ ጽልዋ ከምዝህልዎ ጥርጥር የብልናን ይብሉ::

ተኻፈልቲ  ሰላማዊ ሰልፊ ደብዳቤ ናብ ፓርላማ ኖርዋይ ብምቕራብ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብዓወት ተዛዚሙ::

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...