جبهـة الإنقاذ الوطني الإرتريـة - إقليم أوروبـا
اللجنة التحضيرية لمهرجان إرتريا الرابع والعشرون
             كاسل        2010
Eritrean national salvation front - Europe Zone
Preparatory Committee of the 25th Eritrean Festival
Kassel 2010

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዞባ አውሮጳ

እቲ ወትሩ ዓመት ኣብ መጨረሽታ ወርሒ ሓምለን ኣብ መጀመርያ ወርሒ ነሓሰን ዝሰላሰል ፈስቲቫል ካስል ሎሚ ዘመን ኣብ መበል 25 ዓምቱ ብዘደንቕ ታሪኻዊ ኣገባብ ተፈጺሙ። ናይ ሎሚ ዘመን ፈስቲቫል ካስል ዝያዳ ፍሉይነቱ  ምስ እቲ ታሪኻዊ ሰነድ ማኒፈስቶ ፈስቲቫል ካስል ዝወለዶ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሓደ ሰሙን ምስልሳሉ ኢዩ።

ኣብ ርእሲ እዚ ናይ ሎሚ ዘመን መበል 25 ኢዮበልዩ ዓመት ፈስቲቫል ካስል ካልኣይ ፍሉይነቱ ድማ ናይ ቀደም ተጋደልቲ ናይ ሎሚ ኣደታት ዝኾና ሓርበኛታት ደቂ ኣንስትዮ ሓላፍነት ናይ እቲ ፈስቲቫል ብምውሳድ ብኩሉ መዳያዊ ጻዕርታት ብምክያድ ብዘደንቕ ኣገባብን ምስትእንጋድን ብምድምዳሙ ኢዩ።

ሓርበኛታት ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ሰፊሕ ኣዳራሽ መሳሃለ በታ ታሪኻዊት ባንደራ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኣለመ ባህላዊ ክዳን ተኸዲነን ከም ኣደታተን ሕምባሻን መሶብን ኣጻሕልን ሒዘን  ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል ካስል ፍሱህ ገጽ እናርእያ ኩዳ ምስ ጀመራ እቲ ሰፊሕ ኣዳራሽ መሳሃለ ብድምጺ ዕልልታን ጠቓዒትን ተናዊጹ ኢዩ። ተሳታፊ ፈስቲቫል ካስል ድማ  ስለቲ ብዝኾነ ተኣምር ዘይዕጸፍ ሓርበኛዊ ኒሔንን  ክብረንን ካብ መቐመጢኡ ተሲኡ ሓጎሱ ብጠቓዒትን ብዕልልታን ገሊጹለን ኢዩ።

በዚ ኣገባብ እዚ ኢዩ ድማ ፈስቲቫል ካስል ምዕማር ዝጀመረ። ድሕሪ’ዚ ተሳታፊ ፈስቲቫል ካስል ነታ ሰውራዊት መዝሙር ኤርትራ ናይ ጽባሕ ብሓባር ዘሚሩ ቅደም ተኸተል ኣብቶም ዝተዳለዉ መደብ ፈስቲቫል ኢዩ ኣትዩ። ብመጀመርያ ድማ ነቲ ክብሪ ፈስቲቫል ካስል ዝገልጽ መበል 25 ዓመት ኢዮበልዩ ፈስቲቫል ካስል ዝብል ዝተጻህፎን መልክዕ እታ ታሪኻዊት ባንደራ ዝሓዘን ቶርታ በቶም ቅድሚ 25 ፈስቲቫል ካስል  ዝመስረቱ ገለ ኣባላትን  ናብ’ ፈስቲቫል ካስል ዓመት ዓመት ዝመጽኡ ኣጋይሽን ተቖሪሱ። እታ 25 ዓመት ዝተጻሕፋ ባህላዊት ሕብስቲ ድማ ብክቡር ፕሮፈሶር ዶክቶር ተስፋጽየን መድሃኔ ተቖሪሳ። ህዝቢ ድማ ብዕልልታን ጠቓዒትን ኣሰኒይዎ።

ድሕሪ እዚ ካብቲ ዝተቖርሰ ቶርታን ሕብስትን በተን  ባህላዊ ክዳን ዘንጸባረቓ ሓርበኛታት ደቂ ኣንስትዮ ንነብሲ ወከፍ ተሳታፊ ፈስቲቫል ተዓዲሉ። ድሕሪ እዚ ኢዩ እምበኣር ቃል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ካስል 2010 ቃል ውድብን መልእኽታትን ቃል ኣጋይሽ ፈስቲቫልን ምስማዕ ዝተጀመረ። ካብቲ ዝቐረበ ቃል ዕዱማት ኣጋይሽ ብወኪል እምባሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ሕውነታዊ ቃል ልቢ ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ካስል ዝመሰጠ ነይሩ።

ፈስቲቫል ካስል 2010 ብዙሓት ነባራት ሓርበኛታትን፡ መንእሰያትን፡ ደቂ ኣንስትዮን፡ ነባራት ስነ ጥበባውያንን ዝተረኸብሉ ዓይነታዊ ፈስቲቫል ኢዩ ዝነበረ።ኣብዚ ፈስቲቫል እዚ እቲ ተዘክሮኡ ካብ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ተፈልዩ ዘይፈልጥ ዓቢ ኤርትራዊ ኣርቲስት ተወልደ ረዳ ሎሚ እውን ከም ኩሉ ዓመት ኣብ ፈስቲቫል ካስል ተረኺቡ ነቲ ሰሚዕካዮ ዘይጽገብ ዕላሉን ኣባታዊ ምኽሩን ክልግስ ቀኒዩ ኢዩ።

ብብጻይ ገዛኢ ኪዳነ ዝተሰነየ መድረኽ: ብዕለት 29 ሓምለ ዝጀመረ ኢዮበልዩ ፈቲቫል ካስል 2010 መደባቱ ብስሩዕ ኣገባብ ከሰላስል ድሕሪ ምቕናዩ፡ ቀዳም ቃል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ካስል ብብጻይ ስዒድ ኣደም ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ፡ ቃል ውድብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብብጻይ ዑቑባዝጊ ድቡስ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ቃል ዕዱማት ኣጋይሽን መልእኽታትን፡ ብብጻይ ሃይለ ወልደሚካኤል ዋና ጸሓፊ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል 2010: ግጥምታት ብብጸይቲ ፍረወይኒ ባይረን፡ ብጸይቲ ኣበባ ዮውሃንስን፡ ብጸይቲ ኣልማዝ ጳውሎስን ድሕሪ ምስማዕ እዋን ድራር ኮይኑ፡ ተሳተፊ ፈስቲቫል ካስል በተን ወሓላሉ ሓርበኛታት ደቂ ኣንስትዮ ዝተድለወ ምኡዝ መግብታት ተመጊቡ፡ ኣብቲ ብሳሚን ሰሎሙንን ዝተባህሉ ወናማት ኤርትራውያን መንእሰያትን ብውሩይ ወናም ኣርቲስት ፉኣድ ዑስማንን ዝተዳለወ ባህላዊ ጸወታን ኢዩ ኣድሂቡ።

ጓይላን ኩዳን ከም እግርኻ ኢዩ ዝነበረ። ይበል ድምጺ ክራር ይበል ኦርጋን ንሓዋሩ ተስፋ ዘሎዎም መንእሰያት ወጋሕ ትበል ለይቲ ንተሳታፊ ፈስቲቫል ተሓምበለ ከብልዎ ሓዲሮም። ንጽባሒቱ መዓልቲ ሰንበት መዓልቲ ዕላል ኢዩ ዝነበረ። ጥዑም ዕላል ምስ እተን ወሓላሉ ብጾት ዝተጸምቆ ሜስን ካሊእ ዘመናዊ መስተን፡ ብኤርትራዊ ባህላዊ ኣገባብ ዝፈልሔ ቡን ምስ ቁርሱ ሕምባሻን ቆሎን፡ በዚ ድማ መዓልቲ ሰንበት ኢዮበልዩ ፈስቲቫል ካስል 2010 ዛዚማ ንባዕላ ክትብል ዓረበት።

ንጉሆ ሰኑይ ዝተረፈ ዕላል እናመላእካ ኣብ ምጽራይ ኣዳራሽ ኢዩ ተኣትዩ። ድሕሪ ጽርየት ኣዳራሽ ምውዳኡ ተሳታፊ ፈስቲቫል ሎሚ እውን ከም ቀደሙ ንዓመታ ፈስቲቫል ብሰላም ክራኸብ እናተመነየን እናተመባጽዐን ተፋኒዩ።

                        ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!
                    ኣሳናዳኢት ሽማግለ መበል 25 ዓመት ኢዮበልዩ
                           ፈስቲቫል ካስል 2010 ዓ..ም.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...