“ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ኣብ ሕጊ ክሳብ ዝቐርቡ ጻዕርና ቀጻሊ’ዩ”

ሓደ ኣብ ዋሽንግተን ዝመደበሩ፡ ንፍትሒ ዲሞክራሲን ምዕባለን ዝሰርሕ ናይ ኤርትራውያን ማሕበር፡ ነቲ ብደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ቴድሮስ መንግስቱ ዝተፈጸመ ገበን ኣመልኪቱ፡ ናብ ናይ ህይስተን ከተማ፡ ከንቲባ ኣኒስ ዲ ፓርከር ደብዳቤ ከምዝጸሓፈ ዝዝከር እዩ። ኣብቲ ብሰነ 12 2010 ዓ.ም. ዝጸሓፎ ቅሉዕ ደብዳበ፡ ነቲ ገበን ብትሪ ብምኹናን፡ እቶም ዝፈጸሙ ኣብ ሕጊ ንኽቐርቡ ጻዊዒት ኣቕሪቡ ነይሩ። እቲ ማሕበር ከም መቐጸልታ ናይቲ ዘካይዶ ዘሎ ፍትሓዊ ጻዕሪ፡ ኣብ ህይስተን (ኣብ ሲቲ ሃል) ን16 ሰነ 2010 ዓ.ም. ሰለማዊ ሰልፊ ክካየድ ንህዝቢ ጸዊዑ ኣሎ። ንሎሚ ብዛዕባ እቲ ተወጢኑ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ብዝምልከት: ምስ ጋዜጣ ሰላም ዘካየዶ ሓጺር ቃለ መጠይቕ ኣቕሪብናልኩም ኣሎና። ኣቶ ረዘነ ፡ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ሰለማዊ ሰልፊ ብምግላጽ ዘረብኡ ይጅምር።

ረዘነ፡ ብቐዳምነት፡ እቶም ገበነኛታት ኣብ ፍትሒ ንኽቀርቡ ድፍኢት ንምግባር እዩ። ነቲ ጉዳይ ኣብ ምቅልጣፍ ኣወንታዊ ተራ ክጻወት ከምዝኽእል ብጭብጢ ንፈልጥ ኢና። ከም ካልኣይ፡ ዝዀነ ይኹን ኤርትራዊ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ፡ በቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓትን ደገፍቱን፡ ክትንከፍ ከምዘይግብኦን እቲ ስርዓት ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብን ጉቡእ መቕጻዕቲ ክረክብ ከምዝኽእልን መልእኽቲ ንምትሕልላፍ እዩ። ብሳልሳይ ደረጃ፡ ህግደፍ ኣብ ዝጸውዖ ናይ ኤርትራውያን ኣኼባ፡ (ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣባላት ጥራይ'ዩ ክሳብ ዘይበለ) ዝዀነ ይኹን ኤርትራዊ ኣብ ኣኼባ ክሳተፍ፡ ክብሩን መሰሉን ክሕለወሉ ከምዝግባእ ንምርግጋጽ እዩ። ብተወሳኺ፡ ሓው ቴድሮስ መንግስቱ፡ በቲ ዝወረዶ ሓደጋ፡ ተስፋ ከይቈረጸ ሞራሉ ከይወደቐ፡ ነቲ ንሱ ምእንቲ ዝተወጽዑ ህዝብና ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታትን፡ ዝህቦ ዘሎ ህዝባዊ ኣገልግሎትን፡ ብሓይሊን ተወፋይነትን ንኽቕጽሎ ንምትብባዕ እዩ።

ሕቶ፡  ሰለማዊ ሰልፊ ንምክያድ ዝብል ሓሳብ ብኸመይ ኣንቂልክሞ?

ረዘነ፡  ምእንቲ፡ ብውልቂ ይኹን ብእኩብ፡ ናይ ዜጋታትካ ፍትሒን ሓርነትን ደው ናይ ምባል ባህሊ፡ ከምቲ ዝግባእ ብዘይምጽንሑ፡ ናትና ናይ ኤርትራውያን ድኽመት እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ብዝተፈላለየ ኣገባብ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ገበን ፈጺሙን ይፍጽምን ኣሎ። ብፍላይ ኣብዚ ፍትሒ መሰልን ዝኽበረሉ ሃገር፡ ዓይንና ኣፍጢጥና ክንዕዘብ ጸኒሕና ኣሎና። ሕጂ ግና ንትሳኣሉ እዋን እዩ። ከምዚ ዓይነት ገበን እንዳተፈጸመ ሱቕ ክንብል ኣይግባእን እዩ። ካብዚ ብምብጋስ፡ እዚ ማሕበር ሓላፍነት ወሲዱ ብሓይሊ ይሰርሓሉ ኣሎ። ካልእ፡ ካብዚ ንነበርሉ ዘሎና ሃገር ብዙሕ ክንመሃረሉ ዝግብኣና ተምኩሮታት ኣሎና። ንኣብነት በዓል ጀሲ ሉዊስ ጃክሰን፡ ኣብ ሱሳታት ዘካይድዎ ዝነበሩ ሲቪላዊ ቃልስታት ካብ ዘዐውቶም ዝንበረ ሜላ ሓደ፡ ኣብ ሓደ ከተማ ገበን ወይ ወጽዓ እንተ ተፈጺሙ፡ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ተኣኪቦም፡ ኣብቲ ቦታ ብምኻድ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ፡ ንዝምልከቶም ሓለፍቲ ይረኽቡ፡ የዘራርቡ፡ ጉዳዮም ኣድህቦ ከምረክብን ከምዝፍታሕን ይገብሩ ነይሮም። ንሕናውን ከምኡ፡ ኣብ ህይስተን ኣብ ልዕሊ ሓደ ወዲ ዓድና ዝተፈጸመ ገበን ፍትሒ ክሳብ ዝወጽእ፡ ካብ ሰለማዊ ሰልፊ ክሳብ ናይ ጥምየት ምሕሳም ተቓውሞ ክንገብር ተዳሊና ኣሎና።

ሕቶ፡  ክሳዕ ክንደይ ህዝቢ ክመጽእ ትጽበዩ?

ረዘነ፡  ክልተ ሰባት ነዚ ማሕበር ወኪልና ኣብቲ ቦታ ክንርከብ ኢና። ኩሉ ፍትሒ ዝደሊን ንገበነኛታት ኣብ ፍርዲ ከቕርብ ዝደሊን ኤርትራዊ፡ ካብ ብቓል ብተግባር ክሰርሕ ኣሎኒ ዝብል ኤርትራዊ፡ ኣብቲ ቦታ ክሳተፍ ይግብኦ እዩ። ከምእነቶምን ከምቃሎምን ዝነበሩ፡ ሓላፍነቶም ተሰኪሞም፡ ኣብ ህዝቦም ለውጢ ከምጽኡ ዝደልዩ ኤርትራውያን ኣብቲ ቦታ ከምዝርከቡ ኣይጠራጠርን እየ።

ሕቶ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ናብ ናይ ህይስተን ከንቲባ፡ ኣኒስ ዲ ፓርከር፡ ዝተፈጸመ ገበን ትኹንን፡ ቅልዕቲ ደብዳቤ ጺሒፍካ ነይርካ፡ ብዘይክኡ’ውን ብማሕበር ደረጃ፡ ካልእ ጻዕርታት ከተካይዱ ጸኒሕኩም ኣሎኹም። ካብ ከንቲባ ኰነ ካብ ህዝቢ ዛጊት ዝረኸብክሞ መልሲ ከመይ ይመስል?

ረዘነ፡ ካብ ከንቲባ ኣወንታዊ መልሲ ረኺብና። ንሳ ኣብ እተመሓድሮ ከተማ ህይስተን ከምኡ ዓይነት ገበን ተፈጺሙ ሱቕ ኢልካ ክስገር ከምዘይክእል ኣረጋጊጻትልና እያ። ከምኡውን ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ክትርእዮን፡ ሓላፍነታ ተሰኪማ ኣብ ሕጋዊ ሸነኻቱ ዝከኣላ ክትገበር ምኻና ሓቢራትና ኣላ። እቲ ደብዳቤ ናብ ክልቲኦም ናይ ቴክሳስ ሰኔተራትውን ተላኢኹ እዩ። ብዙሓት ኤርትራውያንውን ኣብ ጐንና ደዉ ኢሎም ክተሓባበሩ ምዃኖም ገሊጸሙልና ኣለዉ። ብሓቂ ዘተባብዕ ድጋፍ ረኺብና ኣሎና።

(ረዘነ ሃብተ ብ2/22/10 ንናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ጸረ እገዳ ተሰለፍቲ ክስእል ከሎ)

ሕቶ፡ ንህዝቢ ህይስተን ከምኡውን ንኻለኦት ኤርትራውያን ተመሓላልፎ መልእኽቲ እንተሎ?

ረዘነ፡ ብወገና፡ እቶም ገበን ዝፈጸሙ ሰባት፡ ኣብ ሕጊ ክሳብ ዘይቀረቡ፡ ጻዕሪና ቀጻሊ ምኻኑ ክንገልጽ ንፈቱ። ወይ ብወገን እቲ መስርሕ ድኽመት እንተ ሪኢናሉ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ካልእ ክስታት ከነልዕል ኢና። ሓደ ሰብ ብዘይኣገባብ መሰሉ ክግፈፍ ከሎ፡ ሱቕ ኢልና ክንርእይ እንኰሎና፡ ከም ኤርትራውያን ንውረትናን ድኻምናን ዘምሰክር ምዃኑ ከዘኻኽር ይፈቱ። ፍትሒ የገድሰና እዩ ዝብሉ፡ ኣብ ህይሰን ኮነ ካብ ህይስተን ወጻኢ ዝንበሩ የሕዋት ኣብቲ ዕለትን ቦታን ክሳተፉ ንዕድም።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...