ኮምሽን ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ናይ መጀመሪያ መሰረታዊ ንጥፈታት ስርሑ ኣሰላሲሉ፡፡

  • ፈጻሚት ሽማግለ መሪጹ ናይ ስራሕ ኮሚተታትን መዚዙ።
  • ማከላይ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ጌሩ ጨናፍራቱ ኣብ ሓሙሽተ ክፍላተ ዓለማት ክኸፍት እዩ።

ብመሰረት እቲ ብዓወት ዝተዛዘመ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ዘሕለፎ ዉሳነ፣ እቲ ድሮ ተመስሪቱ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ወይ ከኣ (National Congress) ንምድላዉን፣ ደሞክራሲያዊ ቃልስና ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ንምድያቡ ዘኽእሉን ብፍላይ፣ ኣብቲ ካብ ዕለት 31 ሓምለ ክሳብ 9 ነሓሰ 2010፣ ዝተኻየደ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ዝተመዝገበ ዓወታት ብምዕቃብ፣ ነቲ ብፖለቲካዊ ዉድባት ኤርትራ ጥራይ ተባሒቱ ንዝጸንሐ ፖለቲካዉን ደሞክራሲያዉን ቃልሲ ኤርትራ፣ ብዝያዳ ህዝቢ ብዝሳተፎን ዝሰፍሕ መንገዲ ኤርትራዊ በርጌሳዉን ህዝባዉን ዉሳነታት ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ንምዕዛዝን፣ ምስ ሓይልታት ፖለቲካ ኤርትራ ብሽርክነት ተሓባቢሩ ዝሰርሕ ነጻ ኮምሽን ጽባሕ ምዝዛም ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ስራሓዉቱ ከካይድ ጸኒሑ።

እዚ ካብ ኩሉ ሕብርታትን ኣቃዉማ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብምዉካል ብደሞክራሲያዊ መንገዲ ኣብ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ  ዝተመርጸ 53 ዝኣባላቱ ኮምሽን ክሳብ ሎሚ ንኣገባብን ኣሰራርሕኡ ብዝምልከት መማሓደሪን ዉሽጣዊን ሕግታት ብምሕንጻጽ ብምጽዳቕን ብዓቕምን ፍልጠትን ዝመምዘንታቱ ኣገባብ፣ ሓንቲ ንስራሕ ኮምሽን እትመርሕ ኣካያዲ ኣካል መሪጹ ኣሎ።

በዚ መሰረት ኮምሽን ክሳብ ሕጂ ኣሰላሲልዎም ካብ ዘሎ ዛዕባታት፡-

  • ኮምሽን ነጻን ዘይሻራዉን ኮይኑ ተጸዋዕነቱ ብቐጥታ ነቲ ዝመረጾ ዋዕላ ምዃኑ ተሰማሚዑ፣ ኮምሽን ምስ ፖለቲካዉያን ሓይልታትን ዉድባትን ኤርትራ ብሽርክነት ክሰርሕ ወሲኑ።
  • እዚ ኣብ ኣቃዉምኡ እዉን ካብ ህዝብን ሰቪካዊ ማሕበራትን 60 % ቦታ ዝወነነ ኮምሽን ህዝቢ፣ ኣብ መጻኢ ኩነታት ሃገሩ ዕቱብ ተሳትፎ ዘርእየሉ ኩነታት ከመቻችእ ምዃኑ ተሰማሚዑ።
  • ከም መርኣያ ናይዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ሓቅታት ከኣ እንሆ ኣብዚ ነዚ ኮምሽን ክመርሕ ዝተመዘዘ ፈጻሚ ሽማግለ ወሳኒ ቦታታት ካብ ብርጌሳዊን ህዝባዉን ምንቅስቓሳት ተወኪሎም ናይ ዝመጹን ካብ ፖለቲካዊ ዉዳቤ ነጻ ዝኾኑ ባእታታት ምምራጹ፣ እኹል ምስክርነትን መጻኢ ዉሕስነት ንተሳትፎ ህዝብን እዩ።
  • ኩሎም ኣብ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ዝተሳተፉ ኣብ ኪዳን ዝተጠርነፉ ይኹኑ፣ ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘሎዉ ፖለቲካዊ ዉድባትን ሰልፍታትን ኤርትራዉያን፣  ምርጫን ዉሳነን ስቪካዉያንን ህዝብን ብምኽባር፣ ኣብ መስርሕ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ዘርኣይዎ ዉርዙይ ተማእዛዝነትን ፖለቲካዊ ትሕትናን  ኣብ ታሪኽ ከዘክሮም ክነብር እዩ።

ኣብ መወዳእታ ኮምሽን፣ ኣብ ናይ ትማሊ ናይ ስራሕ ዉዕልኡ ልዒሎም ንዝተጠቕሱ ሓቅታት ድሕሪ ምርግጋጽ፣ ነዞም ዝስዕቡ ኣባላት ኣብ ፈጻሚ ሽማግለ እቲ ኮምሽን ኮይኖም ክሰርሑ መሪጽዎም ከምዘሎ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተረኺቡ ዘሎ ዜና ሓቢሩ።

  1. ኣቶ ኣምሃጽዮን ዶሚኒኮ፤ ኣቦ ወንበር
  2. ኣቶ ዓብደራሕማን ጣሃኑር፤  ምክትል ኣቦ ወንበር
  3. ዓብደልቃድር ሓምድ ፤ ጸሓፊ 

ኽኮኑ እንከለዉ፣ ኣብ ትሕቲ እዚ ሽማግለ ድማ፣ እዘን ዝስዕባ ኣርባዕተ ናይ ስራሕ ኮሚተታት ተመዚዘን ቆይመን ኣሎዋ።

  1. ዓሊ ማሓመድ ሰይድ፤ ኮሚተ ጉዳያት ፖለቲካ
  2. ዳንኤል ተወልደ፤ ኮሚተ ዜናን ሓበሬታን
  3. መሓመድ ሳልሕ ኣቡበከር፤ ኮሚተ ህዝባዊ ጉዳያት
  4. ያሲን መሓመድ ዓብደላ፤ ኮሚተ ፋይናንስ

ብዘይካ እዚ ሓዉ ክብሮም ብርሃነ ደብሩ ተቖጻጻሪ ኮይኑ ክሰርሕ ምኻኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ፡፡

እዚ ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ ከምዘመልከቶ ዝተረፉ ኣባላት ኣቲ ኮምሽን ኣብዘን ቆይመን ዘሎዋ ናይ ስራሕ ኮሚቴታት ብብኽእለቶም ተመዲቦም ከምዘሎዉ ተሕቢሩ ኣሎ፡፡ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ንኩለን ኣቑምወን ዘሎ ናይ ስራሕ ሽማግለታትን ኮሚተታትን ዕማምን ናይ ስራሕ ሓላፍነትን ዘነጽር ሰነድ ኣብ ርእሲ ምንጻሩ፣ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ መሰረታዊ ዕላምኡ ተግባራዉነት ዉሳነታት ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ንምርግጋጽ ምስራሕን ብኡ መጠን ከኣ መጻኢ ዉክልና ሕዝብን ሃገርን ዝዉስንን መጻኢ ስልጣን ህዝቢ ዘረጋግጽ ሃገራዊ ጉባኤ ምድላዉን ምኻኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ ኮምሽን ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ስራሓዉቱ ኣብ ሓሙሽተ ክፍላተ ዓለማት ማለት፡- ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኤዉሮጳ፡ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን፡ ኣዉስትራሊያን ኒውዝላንድን፡ ከፋፊሉ ጨናፍራቱ ብምዝርጋሕ ክሰርሕ ብምዉሳን፡ ማእከላይ ቤትጽሕፈት እቲ ኮምሽን ከኣ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምዃኑ፡  እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ፡፡       

መሓሪ ኣብራሃም
ሜዲያ መርበብ ሲቪካዊ ማሕበራት ኤዉሮጳ
ካብ ኦስሎ ነርወይ
15 ነሓሰ 2010


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...