ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ክግበረሉ ዝጸንሐ ሰፊሕ ምድላዋት ብምጽፋፉ ካብ መላእ ዓለም፡ ወከልቲ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ጋዜጠኛታት ፡ ጸሓፍትን፡ ስነ-ጥበኛታትን ወከልቲ ማዓስከር ስደተኛታት፡ ማሕበር መንእሰያትን ደቀኣንስትዮን፡ ዉልቀሰባትን ወከልቲ ማዕከናት ዜናን፡ ከምኡ እዉን ኣብ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ዝርከባ ዉድባትን፡ ካብ ኣባልነት ኪዳን 10 ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘለዋ ድማ 18 ፖሊቲካዉያን ዉዱባትን ብወከልተን ኣቢለን ኣብቲ ዋዕላ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዕለት 27 ሓምለ ጀሚረን ብተኸታታሊ ይዉሕዙ ኣሎዉ።

እዚ ዋዕላ ቀዳም 31 ሓምለ ጀሚሩ ንሸሞንተ መዓልታት መመላእታ ጽዑቕ ክትዓት ኣብ እተፈላለዩ ሃገራዊ ጉዳያት ከካይድ ትጽቢት ይግበረሉ። ዛጊት ነዚ ዋዕላዚ ዜናዊ ሽፋን ንምግባር  ወከልቲ እተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ውን ድሮ ኣትዮም ይርከቡ።  ገለ ካብ ተሳተፍቲ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢከምኡ’ውን ብዘይካ እቶም ብወለንቶኦም ንስራሓት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ንምስላጥ ኣቐዲሞም ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ ብርክት ዝበሉ ምያዉያን፡ ዛጊት ጥራይ ልዕሊ ሰለስተ ሲሶ ካብ ጠቕላላ ተሳተፍቲ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ኣሎዉ።

ሓሙስ ምሸት ካብ ኣመሪካን ካናዳን ዝመጹ ሓያለ ደቀንስትዮ ዝርከበኦም ልዕሊ 40 ተሳተፍቲ’ዉን ኣትዮም ኣለዉ።ዝተረፉ ተሳተፍቲ ዋዕላ ድማ ኣብ ዝተመደበሎም ቦታ ክርከቡ ትጽቢት ከም ዝግበረሎም ካብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ፡፡   በዚ ዘሎ ሃዋህው ዕዉት ዝኾነ ዋዕላ ኪካየድ ዘሎ ተኽእሎታት ልዑል ይመስል።

እዚ ዋዕላ እዚ ንኩሉ ቀጸላታት ሕብርተሰብ ኤርትራ ዘሳተፈ ብምኻኑ ድማ ብዓይነቱ ፍሉይ ይገብሮ።  ብገለ ማዕከናት ዜና ዝተዘረበ ንዘይምዑርይ ተሳትፎ እዚ ዋዕላ ዝምልከት ነቀፌታ ድማ ” ምንጪ እቲ ሓበሬታ ካባይ ምኻኑ ኣይፈልጥን፡ እቲ ሓቂ ግን ምዑሩይ ቁጽሪ ካብ ክልቲኡ ቐጸላታት ኢዮም ዝሳተፍዎ ዘለዉ።” ኪብል ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮ ምክትል ኣቦ ወንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ገሊጹ።     

ገለ ካብ ወከልቲ ማዕከናት ዜና ኣብ ድሮ ሃ.ዋ.ደ.ለ.  

መሓሪ ኣብራሃም
ካብ ጉጅለ ሜዲያ ሲቪክ ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ
29-30 ሓምለ 2010
ኣዲስ ኣበባ  


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...