ዜና ቦምብታትን ሳዕቤናቱን ኣብ ዩጋንዳ

 

ናይ ኣሜሪካ ፕረሲደንት ኦባማ ብዛዕባ ግዳያት ቦምባታት ካምፓላ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት መሰረት ኣል ቃዒዳን ኣልሸባብን ናይ ዕንወትን ሞትን ራእይ ኣለዎም ኢሉ ክብል መርበብ ቢቢሲ ብሓምለ 14 ዝወጽኦ ዜና ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ሰለስተ ኪኢላታት ናይ መንግስቲ ኣሜሪካ ፈደራል ምርምር ቤት ጽሕፈት (FBI) ዘለዎ ጉጅለ ሎሚ ኣብ ካምፓላ ኣትዮም ከምዘለዉን፡ ከምኡ'ውን ዝያዳ መርመርቲ ክላኣኹ እዮም ክብል ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ኣብ ዩጋንዳ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝገበሮ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ብዕለት ሓምለ 12ን 13ን፡ ካብ ምንጭታት ጸጥታ ዩጋንዳ ረኺብናዮ ብምባል ጂማ ታይምስን ኢስት ኣፍሪቃ ፎርም ዝተባህላ ክልተ መርበባት ብሰንኪ እዚ ኣብ ዩጋንዳ ዝተተኲሰ ቦምብታት፡ ካብቶም 74 ምውታት 13 ዝኾኑ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክኾኑ እንተከለዉ፡ ካብ 60 ንላዕሊ ቁሱላትን ምዃኖም ሓቢሮም ኔሮም። ኣብዚ ዝተግብረ መጥቃዕቲ ኩሎም እቶም ግዳያት ሰላማውያን ሰባት እዮም። ብፍላይ ጂማ ታይምስ፡ ኤርትራዊ ዜጋ ሳምሶን ተስፋይን ኢትዮጵያዊ ዜጋ ሚኪ ኣበበ ዝተባህሉ ክልተ ግዳያት ቦምባ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ሆስፒታል ካምፓላ እናተሓከሙ እንከለዉ ዘርኢ ስእሊ ኣውጺኡ።

እዚኦም ክለተ፡ ኣብ መንጎ ሆላንድን ስጳኛን፡ ናይ ዓለም ዋንጫ ንምውሳድ ዝተገብረ ናይ መወዳእታ ውድድር ንኽርእዩ ኣብ ዝተኣከቡሉ ቦታታት ብዝተተኲሰ ቦምባ ግዳያት ዝኾኑ ኢዮም። እዚ ብዕለት 7/12/2010 ሰዓት ኣቢሉ ኣብ “ዓዲ ኢትዮጵያ” እትብሃል ቤት መግቢን ካልእ ናይ ስፖርት ባርን እዩ ተተኲሱ።  

ናይ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ውድብ ኢጋድ፡ ነዚ ብሰንኪ እዚ ኣብ ክልተ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝተተኽለ ቦምብ ዝወረደ ቅትለትን መቑሰልትን ብወግዒ ኮኒነኦ ኣለዋ። ስድራ ቤት ናይቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ግዳያት ካምፓላ፡ በብሓደ ይርድኡ ኣለዉ ዝብል ካብ ዩጋንዳ ዝመጸ ሓበሬታ ኣሎ። ዩጋንዳን፡ ቡሩንዲን ከም ኣባላት ሓደነት ኣፍሪቃ መጠን፡ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ናብ ሶማል ሊኢኸን ይርክባ። ሕሉፋውያን ሶማላውያን ነዚ ንግዜያዊ መንግስቲ ሶማል “ዝድግፍ” ሰራዊት፡ ካብ ሶማል ንኽውጽእን እንተዘይወጺኦም ድማ ሓደጋ ክወርድ ከምዝኽእል፡ ብዙሕ ግዜ ንዩጋንዳ ኣጠንቂቐን ኔረን ክብል እዚ ናይ ፒይፕል ደይሊ መርበብ ሓቢሩ። ኣባልነት ኤርትራ ኣብ ኢጋድ ዛሕቲሉ ኢዩ ዘሎ (suspended)። 

ሕሉፍ እስላማዊ ጉጀለ ኣል ሸባብ ነዚ ናይ ቦምብታት ሓልፍነት ምቕባሉን ምኽንያቱ ድማ፡ ዩጋንዳ ንመንግስቲ ሶማል ስለትድግፍ ምዃኑ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ።

ካለ ካኢሁራ ዝተባህለ፡ ናይ ፖሊስ ኢንስፐክተር ኣብ ካምፓላ፡ ኣብ ፍረስኖብቢ ዝተባህለ መርበብ ቁጽሪ ምውታት ናብ 76 ከምዝደየበን ጥርጡራት ዝኾኑ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉን ገሊጹ።

እዚ ተግባር እዚ ንወጻእተኛታት ንምፍርራሕን፡ ከም ንሃገረ ስጳኛ ወተሃደራታ ኣብ ኢራቕ ከምእተውጽእ ዝተገብረ ጸቕጢ ይመሳሰል ክብሉ ገለ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ብ1998፡ ኣብ ናይሮቢ ከንያ ዝርከብ ናይ ኣሜሪካን አምባሲ ብዝውረደ መጥቓዕቲ ቦምብ፡ ኣስታት 200 ዝኾኑ ከንያውያን ከምዝሞቱ ይዝከር።

ብዛዕባ’ዚ መርበባት ዜና ኢንተርነት ኣብ ሰሰዓቱን መዓልትን ዘዘሓደሰ ዜና ሒዘን ይቐርባ ኣለዋ።

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...