ሊብያ 400 ኤርትራውያን ኣብቲ ሃገር ክጸንሑ ፈቒዳ።

አኤፍፒ ዝተባህለ ናይ ዜና መርበብ ሎሚ ንግሆ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ: ሊብያ ብሓሙስ ንኣስታት 400 ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ሃገራ ንኽጸንሑ ፍቓድ ከምዝሃበት ገሊጹ። እዚ ውሳነ እዚ ዝተበጽሐ፡ ብዙሓት ሰብኣዊ መሰል ዝጣበቓ ጉጅለታት፡ እዚኦም ኤርትራውያን ንሃገሮም እንተድኣ ተመሊሶም፡ ስቅያት ከምዝወርዶም መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃበን ኢዩ ተበጺሑ። ንዝያዳ ትንትና ናይቲ ዜና ኣብዚ ረእዩ።

እቲ ዜና ከምዝገለጾ ብዝሓለፈ ሰሉስ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ሊብያ ንኤርትራውያን ንዓዶም ንኸይትመልስ ሓቲቱ ኔሩ። እዚ ንሓተቲ ዑቕባ ይኹን ተራ ስደተኛታት ብዝምለከት - እንተድኣ ተመሊሶም፡ ኣብ ኤርትራ ስቅያትን ኣዝዩ ግፍዓዊ ኣተሓሕዛ ከምዝጽበዮም ኣብ ዘለዎም ፍርሒ ብምትኳር እዩ ኣምነስቲ ነቲ ጉዳይ ዝገለጾ። ኤርትራ፡ ንዝምለሱ ከም “ከዳዓትን” ካብ ወተሃድራዊ ኣገልግሎት ምህዳምን፡ ስለእትቆጽሮ መቕጻዕቲ ከም እተወርድ ሕሉፍ ዓመታዊ ናይ ሰብኣዊ መሰል ምግሃስ ጸብጻባትን ካብቲ ሃገር ዝመጽእ ዜና ይነግር ኢዩ። 

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፡ ኣብ መንጎ ሊብያን ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛታት ኮሚሽን ብዝጸንሐ ምፍሕፋሕ ኣስዒቡ፡ ንኤርትራውያን ስድተኛታትን ዑቕባ ሓተትን ዝተንከፈ ጉዳይ ኢዩ። ሊብያ እዚ ቤት ጽሕፈት ንኽዕጾ እኳ ኣዚዛ እንተነበረት ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛታት ኮሚሽን ግን ኣብዚ እዋን እዚ ብምጥን ዝበለ ኣገባብ ንኽሰርሕ ተፈቒዱሉ ምዃኑ ኣብዚ ናይ አኤፍፒ ዜና ገለጹ ኣሎ።

ምስዚ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝተተሓሓዘ ዜና፡ ኢአንፒኣይ ዝተባህለ ናይ ዜና መርበብ ብዛዕባ ኣብ ባርክ (ድተንሽን ቦታ) ሊብያ ዝርከቡ 250 ኤርትራያን፡ ጉዳይ መዕለቢ ተገሩሉ ክብል ሓቢሩ። እዚ ኣብ መንጎ ኢጣልያን ሊብያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ባይቶ ኢጣልያ በጺሑ ኣሎ ይብል። እዞም ካብ ኢጣልያ ብዘይ ኣገባብ መሊሶምና ዝብሉ ስደተኛታት፡ እቲ ስምምዕ እንተድኣ ኣብ ግብሪ ዊዒሉ፡ ኣብ ሊብያ ኮይኖም ስራሕ ንኽረኽቡ ዕድል ክወሃቦም እዩ ይበሃል ኣሎ። ናይዚ ዜና ምንጪ ዝርዝር ኣብዚ ተመልከቱ።

~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~

ንኤርትራውያን ብዘይ ምምላሳን ሰሪሖም ንኽነብሩ እትገብሮ ዘላ ጻዕርን ንመንግስቲ ሊብያ የቐንየልና ይብል መርበብ ኣዝማሪኖ።

Asmarino website thanks the Libyan Government for not returning Eritreans and for its efforts to provide them with work. 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...