ሎሚ ቀዳም፣ 31 ሓምለ 2010፣ ኣብ ሰዓት 5፡00 ናይ ድሕሪ ቀትሪ፣ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ብኽብ ዝበለ ስነ ስርዓት ተኸፊቱ። 

ሰዓት 4፡00 ድሕሪ ቀትሪ ተሳተፍቲ ዋዕላ ምዝገባ ፈጺሞም ናብ ኣዳራሽ ኣኼባ ምእታውን ኣብ ዝተመደበሎም ቦታ በጺሖም ልክዕ ሰዓት 5 ድሕሪ ቀትሪ ብዝክሪ ስውኣት መዝሙር ተጀሚሩ። ንተሳተፍቲ ዋዕላ፣ ሃገርን ሕዝብን ንምድሓን ብእንቋዕ ብድሓን መጻእኩም ዝብል መልእኽቲ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ተበጊሱ። ብኣሰናዳእቲ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ንክሳተፉ ካብ ዝተመዝገቡ ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ 330 ኤርትራዉያን ናብቲ ዋዕላ ተመዝጊቦም ኣትዮም ከምዘሎዉ ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮ ካብ ዝሃቦ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ፡፡

ኣብዚ ዋዕላ ካብ መንግስታት ሰንዓ ፎርም ወኪል መንግስቲ የመን ጀነራል ከማል ዓዉዱን ካብ መንግስቲ ሱዳን ኣሰይድ ዑስማን ኣቡዓግላ ኢትዮጵያ ኸኣ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ኢህወደግ ኣቶ ሙኽታር ከድር ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰብ-መዚ ተረኺቦም።


ኣብዚ ዝቐረበ መደረ ሽማግለ ዋዕላ ኣብ ምስንዳእን ምግባእ ዋዕላ ስጋብ ሎሚ መዓልቲ ዝተሓለፈ ሕልኽልኻትን ብድሆን ዕማማት ዓቕሚ ብዝፈቕዶ ክተሰርሕ እኳ ኣንተጸነሐ፣ ምስ ኩሉ ዘሎና ጸገማትን ኤርትራውያን ዘሎናዮ ኩሉ መዳያዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ተወኪሉ ብዘሳተፈ ኩነታት ንምፍጣር ዓቕሚ ዝፈቕዶ ጻዕርታት ኣካይድና ኣብዚ ንምብጻሕ በቒዕና ብምባል ኣብ ዝሃብዎ ቃል ሓቢሮም። መራሕቲ ኣሰናዳእቲ ብቋንቋታት ትግርኛን ዓረብኛን ቃል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ብኣቶ በሽር ይስሓቕን ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮን ቀሪቡ። ብዙሓት ማዕከናት ዜና ዓለም፣ ነዚ ሃገር ንምድሓን ዝግበር ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ሰፊሕ ሽፋን ሂቦም። ብዙሓት ማዕከናት ዜና ብፍላይ ኢትዮጵያን ኣፍሪቃን ከምኡ’ውን ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ብደቂቕ ይከታተልዎ ከምዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።  ድሕሪ እዚ ኣሰናዳኢት ሽማግለ መደብን ኣካያድኡን ብዝምልከት ሓበሬታትን ወግዓዊ ምኽፋቱን ዘደሊ ኣርእስትታን ዘርጊሖም ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዋዕላ ብወግዒ ተኸፊቱ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብዚ ዋዕላ ናይ ደገፍ መልእኽቲ ካብ ዘቕረቡ፣ ወኪል ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ. ኣቶ ሙኽታር ኸድር፣ሓላፊ ቢት ጽሕፈት እ.ህ.ወ.ደ.ግ.ን ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን፣ ”ሕዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ጭቆናን መግዛእትን ንኽገላገል ዘርኣዮ ቃልስን ጽንዓትን ጸበባ ንምስጋር ብቑዕ ተመኲሮ ስለዘለዎ፣ ካብ ዓፋኒ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ንምግልጋል እውን ከምዘይሰንፍ እ.ህ.ወ.ደ.ግ. ከምዝኣምን” ሓቢሩ። መደርኡ ብምንዋሕ ” ዋላ ኣኳ ሓቢርና ተቓሊስና ኣብ ዓወት እንተበጻሕና፣ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ልዕሊ ሕዝቡን ጎረባብቱን ብዝተኸተሎ ኣዕናዊ መንገዲ ግን፣ እቲ ዝምድና ከምቲ ዝድለ ክቕጽል ኣይከኣለን። እዚ ትገብርዎ ዘለኹም ሃገራዊ ዋዕላ ታሪኻዊ ስለዝኾነን፣ ካብ ዘለና ሞራላዊ ግዴታ ዋላ እኳ ኤርትራውያን ናይ ጉዳይኩም ፈጸምቲ ባዕልኹም እንተኾንኩም፣ ፖለቲካዊ ደገፍ ካብ እ.ህ.ወ.ደ.ግ. ከምዘይፍለየኩም የረጋግጸልኩም” ኢሉ። ንሱ ኣብ መወዳእታ መደርኡ ” ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ. ኣብ ነጻነት ኤርትራ ብመሰል ርእሰ ውሳኔ ሕዝቢ ኤርትራ ነቕ ዘይብል መርገጺ ብምውሳዱ፣ ትምኽሕተኛታትን ናይ ዝሓለፉ ገዛኣቲ ተኸተልትን ገንጸልትን ኣገንጸልትን ብዝብል እዱድ ዘመተ ከምዘካየዱ ትዝንግዕዎ ኣይመስለንን” ብምባል ዓወት ንዋዕላ ብምምናይ መደርኡ ደምዲሙ።

ዋዕላ ካብ ዝተፈላለዩ ወከልቲ ናይ ሃይማኖት፣ ናይ ሲቪክ፣ ስደተኛታት ኤርትራውያን፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ ናይ ሞያ ማሕበራትን ወ.ዘ.ተ. ዘለዎም ደገፍን መልእኽትን ኣብ ምስማዕ ይርከቡ ኣለዉ። ሃገራዊ ዋዕላ ብመላእ ኣሳልጦን ጽቡቕ መንፈስን ሃገራዊ ብዙሕነትን ዝሰፈኖ እኳ እንተኾነ፣ ነዚ ኣዎንታዊ ፍጻመ ኣብ ግዜኡ ንሕዝቢ ንምግላጽ ዘሎ ተክኒካዊ ሕጽረታት ኣሰናዳእቲ ክሓስቡሉ ይግባእ። ንዝስዕቡ ዜናታት ተኸታተሉ።

መሓሪ ኣብራሃም
ሜድያ መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ
ካብ ኣዲስ ኣበባ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...