ብዕለት ግንቦት 5፣ 2010 ካናዳ ናይ ሕቡራት መንግስታት እገዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተግባራዊ ክኸውን ወሲና። ኣብዚ መግለጺ፣ መንግስቲ ካናዳ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፣ ኤርትራ ነቶም ኣብ ካናዳ ዝምቕማጦም መንእሰያት ሶማል  ንዘዕስክሩ ሕሉፋውያን ናይ ሶማል ጉጅለታት ብእትገብሮ ሓገዝ ምዃኑ ኣብሪሁ። ኣብዚ መግለጺ እዚ ናይ ኣጽዋር እገዳን ብተወሳኺ፣ ባንክታት ካናዳ ናይ ፖለቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ንብረት ንኸደስክላ ተኣዚዘን ኣለዋ።     

ግንቦት 5፡ 2010 ኣብ በይ ኤርያ ካሊፎርንያ ዝርከብ ናይ ኢንተርነ ብሎግ ማዕከን ብዛዕባ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብተኸታታሊ ዘውጽኦ ዘሎ ብምቕጻል ኣብ ሳልሳይ ክፋሉ ብዛዕባ ሓደ ዳዊት ብርሃነ ዝተባህለ ቃለ መሕትት ጌሩ። እዚ ሳን ፍራንሲስኮ ክሮኒክል ብሎግ መርበብ ኣብቲ ከባቢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ቃለ መሕተት ብምግባር ብቐጻሊ ጉዳዮም ኣብ ዜና የውጽእ ኣሎ።

ግንቦት 6፡ 2010 መርባብ ኣልጀዚራ፣ ኤርትራ እሱራት ተሳቕን ብሕማቕ ኣገባብ ትሕዞም ከምዘላን ብኸምዚ ዓይነት ኣተሓሕዛ እንተወሓዱ 15 ዝኾኑ ሰበ ስልጣን ነበር ኤርትራ፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሞይቶም ክብል ኣብቲ ቦታ ዝነበረ እዮብ ሃብተማርያም ነጊሩ።

ብተወሳኺ ብዕለት ግንቦት 12፣ 2010 በዓልቲ ቤት ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ሳባ ሃይሉ፤ ናይ ሕቡራት ዓማራት ልዕልቲ ሽይካ ፋጢማ ቢንት ሙባረክ ዝለዓለት ኣደ መንበር ናይ ምዕባለ  ስድራ ቤትን ፋውንደሸንን ናይ ሕቡራት ዓማራት ሰራሕተኛታት ማሕበር ኣደ መንበርን ንእትገብሮ ሰብኣውን ረድኤታውን ፕሮግራማትን ፕሮጀክትታትን መጉሳ ክብል ዜና ሕ.ዓ. ካብ ኣቡ ዳቢ ሓቢሩ። ብዛዕባ ዝገበረቶ ምብጻሕ ኣብዚ ተኸታተሉ። 
 
ግንቦት 13፡ 2010 ኣብ ዩጋንዳ ዝቕመጥ ኤርትራዊ ስደተኛ ዮናስ እምባየ ብናይ ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ ሓላፊ ዝተገበረሉ ፈኸራ ብምስንባድ ነብሱ ንምድሓን ተሓቢኡ ከምዘሎ ክርስትያን ሶሊዳሪቲ ዎርልዋይድ ዝብሃል ናይ ዜና መርበብ ገሊጹ። ኣብ ኤርትራ ተኣሰረ ነይረ ዝብል ዮናስ እምባየ ኣብ ቅድሚ ኤምባሲታትን ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ቤት ጽሕፈትን ካልኦት ቦታታት እናኸደ መረርኡን የስምዕን ፖለቲካዊ እሱራት ክፍትሑ ይጽውዕን ኔሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዮናስ ከምዝሓበሮ ናይ ኤርትራ ቆንስል ብመኪና ቀሪቡ ክጭወን ናብ ኤርትራ ብ24 ሰዓት ክመልሶ ምዃኑ ነጊርዎ። ካብዚ ቀጺሉ ዮናስ ንሰበ ስልጣን ድሕሪ ምሕባሩ ግን ነብሱ ከድሕን ተሓቢኡ ይርከብ።   

ግንቦት 16፡ 2010 ቁጠበኛታት ምስሪ ነቲ ኤርትራ እትህቦ ዘላ ደገፍ ኮኒኖም ክብል ኢትዮጵያ ጀርናል ዝተባህለ መርበብ ሓቢሩ። ኣብዚ ኢትዮጵያን ምስርን ካብ ነዊሕ እዋን ጽቡቅ ዝምድና ዝነበረንን ዝኾነ ብዛዕባ ናይ ፍለግ ኒል ዝምልከት ጉዳይ ድማ ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢለን ክፈትሕኦ እዩ ዝግባእ ድሕሪ ምባል መንግስቲ ኤርትራ በዚ ጉዳይ ኣሳቢቡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንምጥቃዕ ዝገብሮ ስጉምቲ ድኣምበር ስነፍልጠታዊ ግምትን ሽቶን ስለዘይብሉ እዚ ደገፍ ከዘይድሊ ነጊሮም ይብል እቲ መርበብ።

ግንቦት 13፡ 2010 ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ናይ ማዕድን ኩባንያታት ኣብቲ ሃገር ንከይሰርሓን ነዚ ዝኸውን ርእሰ ማል ንኸይረኽባን ዝብል ርእይቶ፣ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ኣህጉራዊ ናይ እምነት ኮሚሽን (USCIRF) ብዛዕባ ዘውጽኦ ጸብጻብ መርበብ ሮይተርስ ሓቢሩ። ብሰንኪ እቲ ኤርትራ ብቐጻልን ኮነ ኢልካ እተገብሮ ምግሃስ መሰል ሰብኣዊ መሰላት፣ ናይ ወርቂ ሃብቲ ዘህረፈን ኩባንያታት ገደብ ክገብራሉ ኣለወን ክብል እቲ ጸብጻብ ኣተሓሳሲቡ። እተን ኩባንያታት ነዚ ጻውዒት ነጺገንኦ ይርከባ። ካብዘን 16 ናብ ኤርትራ ዘለዋን ክኣትዋን ዝመደባ ዋላ ሓንቲ ናይ ኣሜሪካ የላን። እንተኾነ ግን እዚ ጸቕጢ እዚ ብዋሽንግተን ብፍላይ ንካናዳን ንኣውስትራልያን ክጸልወን ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣሎ።

ድሕሪ እገዳ ሕቡራት ሃገራት፤ ሸበድበድ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ሓለፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ.ን፣ ንነዊሕ እዋን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ድሕሪ ምትኳር፣ ኣብ መፈለምታ ወርሒ ግንቦት ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምብጻሕ ጠመትኦም ናብ ትሕተ ሰሃራ ሃገራት ኣፍሪቃ ከይዱ ኣሎ።

ብተወሳኺ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ኤርትራ ዝዓብስዎ ዘለዉ ሕዝቢ ከይኣክል፣ ኣብ ወጻኢ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ናይ ዩጋንዳን፣ ኣብ ህዩስተን ተክሳስ ኣሜሪካ እውን ሓሳባትካ ብነጻ ናይ ምግላጽ መሰል ክጉንድቡ ይርኣዩ ኣለዉ። ኣብ ህዩስተን ንህ.ግ.ደ.ፋ.ዊት ሶፍያ ተስፋማርያም ንምስማዕ ተኣኪቦም ካብ ዝነበሩ ኤርትራውያን ማእከል ተድሮስ መንግስቱ ዝተባህለ ኣብ ኤርትራ ናይ መጽሔት ሰላም ጋዜጠኛ ዝነበረ ስለዝተረኸበ ኣብኡ ዝነበሩ ደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ውጻእ ድሕሪ ምባል ኣብ ኣካላቱ ሓደጋ ከምዘውረዱሉ መርበብ ቶጎርባ  ሓቢሩ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...