ብሰንኪ ምግሃስ መሰል ዓቃባውያን ኖርወይ፣ ሓገዝ ንኤርትራ ንኽቋረጽ ይሓስቡ።

ዝርዝር ዜና  ሰላማዊ ሰልፊ ኦስሎ።

 

 

ኤርትራውያን ኣንጻር መንግስቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። እዚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብኣሽሓት ኣማኢት ናይ ፖለቲካ እሱራት ብዘይ ፍርድን ክስን ሒዙ ዘሎ ዲክተተርነት እዩ ተኻይዱ። ኣምር ዓለም ለኻዊ ናይ ጽሑፍን ምዝራብን መሰል ኣብ ኤርትራ ከም መስሓቕ እዩ ዝቑጸር። 30 ክሳብ 40 ዝኾኑ ተቓወምቲ ዝገበርዎ ሰልፊ ኣንጻር ኣብ ስልጣን ዝርከብን፣ ብኪኢላታት ከም ዲክተተር ዝግለጽን፣ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኮይኑ፣ ነዚ ዝገልጽ ጭርሖታት ሒዞም ወጺኦም ክብል ናይ ዜና ማዕከን እንኣርከ ሓቢሩ።

እቶም ተሰልፍቲ ፕረሲደንት ብናይ ኲናት ገበን ክኽሰስ ጸዊዖም። ኣብዚ ብዛዕባ ናይ 2% ምኽፋል ረአ።  

ኪዳነ መሓሪ ዝተባህለ ተቐማጢ ኖርወይ ብ1970ታት ምስ ወጸ 2% ምኽፋል ስለዝኣበየ ናብ ኤርትራ ክገይሽ ኣይክእል ቤተ ሰብ ክብጸሕ ኣይክእል ክወርስ ኣይክእል ክብል ክብል ንኢርከ ዜና ሓቢሩ። “ኣነ ነዚ ቀረጽ ምኽፋል ስለዝኣበኹ ክገይሽን ቤተ ሰብ ክበጽሕን ኣይክእልን። ካብ ወለደይ ክወርስን ኣብቲ ሃገር ርእሰ ማል ከዋፍር ኣይክእልን” ይብል ኪዳነ መሓሪ። ብላክመይል እዩ ኢሉ ንዝሓስቦ ስለዘይከፈለ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ወለዱን ክሳቐዩ እዮም። ቀጺሉ ወለዲ ውሉዶም ኣብ ወጻኢ ኾይኑ ቀረጽ ኣንተድኣ ዘይከፊሉ ናይ ንግዲ ፍቓድ ይኽልኡ ይብል። በሰንክዚ ቤተ ሰብን ኣዕሩኽን መቕጻዕትን ምፍርራሕን ይወርዶም።

ኣብ ኖርወይ ኣስታት 3400 ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ሰለስት ዓመት ጥራይ ክሳብ 400 ዝኾኑ ሓተትቲ ዑቕባ ማለት ዝለዓለ ቑጽሪ ናይ ዑቕባ ሓተትቲ ኣብ ኖርወይ ካብ ኤርትራ እዮም። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብታ ሃገር ይሃድሙ ኣለዉ። ኤርትራ ብሓንቲ ሰልፊ እትመሓደርን ብምግሃስ መሰል ሰብ ኣዝያ እትፍለጥን ሃገር እያ። ኣሽሓት እሱራት ብምኽንያት ርእይቶኦም ብዘይ ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ። ኣብ ናይ መሰል ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን ጉዳይ ሓንቲ ካብተን ዝኸፍአ ተራ ዘለዋ እያ። ከምእ’ውን ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ብኣስገዳድ ነጻ ጉልበት ዝተሰነየ ዕስክርና እትፍለጥ ሃገር እያ።

“ኣብ ኖርወይ እናነበርኩ - ንኤርትራ ቀረጽ ክኸፍል ኣለኒ” ይብል ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተሳተፈ ወልደኣብ ፍስሃጽዮን - “ኤርትራ ቤት ማእሰርቲ እያ” ክብል ንእንእርከ ናይ ዜና ማዕከን ሓቢሩ።

ርሕቀት ብዘይገድስ፣ ነዊሕ ሰራውር ዲክተተርነት ኤርትራ፣ ኣብ ኖርወይ እውን ነዚ ብብዙሓት ከም ብላክመይል ዝረአ ቀረጽ ይሓትት። ነታ ሃዲሞማ ዝመጹ ሃገር ኩሎም ኤርትራውያን ኣብ ዓዓመት 2% ናይ እቶቶም ክኸፍሉ ኣለዎም ዝብል ናይ መንግስቲ ኤርትራ መምርሒ ኣሎ።

ብዛዕባ ኤርትራ ኪኢላታት ዝኾኑ ዜጋታት ኖርወይ፣ ኣብ ስደት ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ቀረጽ ከምዝእከብ የረጋግጹ እዮም።

ኖርወይ ንኤርትራ 60 ሚሎዮን ሓገዝ ስለእትህብ፣ ኖርወይ ንኤርትራ ጸቕጢ ክትገብረላ ትኽእል እያ። ዓቃባዊ ኣባል ፓርላማ፣ ቶርብዮን ሮአ ኣይዛክሰን፣ ኖርወይ ንኤርትራ እትገብሮ ሓገዝ ዳግመ ግምት ክተገበረሉ ኣለዋ ኢሉ። ብተወሳኺ ተሳተፊ ሰልፊ ናይ ኣባላት ባይቶ ድብዳበታት ጽሒፎም።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝኸፍኣ ኣሸበርቲ ስርዓታት እያ። ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ኖርወይ ዜጋታት ዝኾኑ ኤርትራውያን ዝግበር ናይ ገንዝብ ምሕታት ጸቕጢ እንተድኣ ኣብ ግምት ዘይኣቱ ኾይኑ፣ ኖርወይ ምስ ኤርትራ እትገብሮ ዝርርብ ዋጋ የብሉን ይብል ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝዋሳእ ዓቃባዊ ኣባል ፓርላማ ቶርብዮርን ሮአ ኣይዛክሰን።

ኖርወይ ንኤርትራ እትህቦ ናይ ምዕባለ ሓገዝ ደው እንተኣቢላቶ እንታይ እዩ ውጺኢቱ ንዝብል ሕቶ፤ ግልጺ ክኸውን ዘለዎ፣ ኖርወይ ኣብ ኖርወይ ንዝርከቡ ሰባት ጥራሕ መሰሎም ክሕለወሎም ክትጠልብ ኣይትኽእልን እያ። እንታይ ድኣ ምስ ናይ ሓገዝ ጉዳይ ከተተሓሕዞን ኣለዋ ይብል ሮአ ኣይዛክሰን። ።

ኖርወይ ናይ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ኣተግቢራ እያ።

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ካብቶም ተዓዝብቲ ስእሊ ዘልዕሉ ኔሮም። ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፍቲ ነዚኦም ናይ መንግስቲ ኤርትራ ሰለይትን ካብ ኦስሎ ዝርከብ (ብሰበ ስልጣን ኤርትራ ዝቋጻጸሮ) ቤት ጽሕፈት ተላኣኽትን እዮም ኢሎም ይኣምኑ። ኣብ ላዮን ሂል ዝተባህለ ቦታ ንሓደ ዝስእል ዝነበረ ካብቶም ተሰልፍቲ ረኺቦም ምስሓተትዎ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ኣይተላኣኽኩን ክብል መሊሱ። ናይ ዜና ማዕከን እንኣርከ ካብ ሰበ ስልጣን ቃል ክርከብ ፈቲኑ ግን ኣይረኸበን።

 

 

 

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...