ተወልደ ሃብተሚኪኤል ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ኣብ ድሃይ ኤርትራ ተለቭዥን ንሰንበት ዕለት 25, 2010 ሰዓት 9፡30 ናይ ምሸት ብናይ ኤርትራ ኣቆጻጽራ፣ ብትግርኛ ዝመሓላለፍ መደብ ክቐርብ እዩ። እዚ መደብ ካብ ኢትዮጵያ ዝፍኖ ኾይኑ ሰዓት ምስተረጋገጸ ሓበሬታ ክውሰኸሉ እዩ።

ተወልደ ሃብተሚኪኤል ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ፣ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ጎንደር ድሕሪ ምፍጻም፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ሃይለ ስላሰ ዩኒቨርሲቲ ተመሪቑ። ሎሚ ኣብ ኣሜሪካ ናይ ሰብኣዊ ዓቕሚ (Human Resources) ምሁርን ሰራሕተኛ መንግስትን ኢዩ።

ብድሕሪ ነጻነት ናብ ኤርትራ ደጋጊሙ ብምምልላስ፣ ኣስተምህሮን ትምህርታዊ ሓገዛትን ኣበርኪቱ። ታሪኽ ህይወቱን ተመኲሮኡን ብጽሑፍን ብቃለ መሕትትን ክግልጽ ስለዝኾነ ዝርዝር ንዕዑ ይግደፍ።

ኣብዚ እዋን እዚ ተወልደ ከም ኣሜሪካዊ ዜጋ መጠን ኣብ ዝቕመጠሉ ነቫዳ ስቴት፣ ደሞክራሲያዊ መስርሕን ምርጫን ይሳተፍ። ስእሊ ረእዩ። ብተወሳኺ ናይ ነቫዳ ስቴት ደሞክራቲክ ፓርቲ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ብኣምሓርኛን ብትግርኛን ክልተ ኢንተርቪየው ኣካይዱ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...