ዜና ለካቲትን መጋቢትን ንህ.ግ.ደ.ፍ. ዝገደፋሎም የብለንን።

ምግዳስ ህ.ግ.ደ.ፍ. ብዛዕባ'ዚኣብ ምሉእ ዓለም ብዛዕባ ኤርትራ ክዝርጋሕ ዝቐነየ ዜና ቀጨውጨው ኣቢልዎም። ብፍላይ ናይታ ዝወደቐት ነፋሪት በላሩስን ዝተሳሕተት ነፋሪትን። እታ ንኹሉ ብዛዕባኣ ዝተጻሕፈ ሸለል ኢላ ዝነበረት ሶፍያ ተስፋማርያም ብዛዕባ’ዚ ፍሉይ ጽሑፍ ኣብ ኣሜሪካ ኮሮኒክል ኣውጺኣ። ናይ መሪሕነት ተራኣ ኣብ ጎደና 22ን ብድሕሪኡ ዝተባህለን ዝተጻሕፈን ገዲፋ በዚ ጉዳይ እዚ ኣዝያ ምግዳሳ የገድስ። ብተወሳኺ፣ ውልቃውያን ኤርትራውያን እዮም ዝበሃሉ እውን ኣብ ዜና ወጺኦም። ስለዚ እንታይ እዩ ክብሃል ዝቐነየ ኣብ ናይ ዓለም ዜና።

3/11/2009 ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ጸብጻብ ናይ ኣሜሪካ ወጺኡ። ሓደ።

ኤርትራ ትገብሮ ዝነበረት ናይ ወተሃደራዊ ሓገዛት ኣዝሒላቶ። ክልተ። ብ3/14/2010፣ ናይ ሕ.መ. መንግስታት ዜናንብቡ። “እታ ቀንዲ ስፖንሶር ናይ ዕጡቓት ተቓወምቲ (ሶማል) ዝኾነት ኤርትራ.. ነቲ ትገብሮ ዝነበረት ናይ ወተሃደራዊ ሓገዛት ከምዘውረደትን ግን ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ምናልባት እውን ፊናንሲያዊ ሓገዛት ትቕጽሎ ኣላ” ክብል ገሊጹ። ነዚኣ ረኺቦም “ርኣዩ ስምዑ” "ብዘይ ፍትሒ ወንጂላትና" ክብሉ መግለጺ ኣውጺኦም። እተን "ፍትሕን ደሞክራስን" ዝበሃላ ቃላት ከድልዮም እንከሎ ይወጻ እየን።

መንግስቲ ኤርትራን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ልኡኻትን ንናይ ዜና ማዕከናት "ኣይገበርናን" ክብሉ እንከለዉ ግን፣ ብናይ ቃላት ዋሕዚ ብዝእሸዂወ መግለጽታት፣ ብዛዕባ እንታውነት ሶማልን ጉዳይ ሰብኣዊ ኩነታትን ውዲትን ጸረ ውዲትን ብምሃብ ነዚ ዜናታት ክብርዝዎ ፈቲኖም። (ነዚ ከተንብቡ እሞ ፈትኑ)እዚ ካብቲ ባዕሉ ኢሳያስ ኣብ ኣልጀዚራ ዝገበሮ ከምዘይፍለን፣ ናቱ ጠባያት ዘንጸባርቕን፣ ቃላት ድኣምበር ትሕዝቶ ዘይብሉ ዓይነት መግለጽታት ክህቡ ቐንዮም። 

ናይ ኣልጀዚራ ቃለ መሕትት ንምዝካር ኣብዚ ጠውቑ። ናብ ጸጋም ቪድዮታት ረአ።

ዜና ካብ  ሱዳን3/14/2010 መንግስቲ ሱዳን፣ ናብ ኤርትራ ክሃድም ዝተረኽበ ሓደ ናይ ሶማል ሕሉፍ እስላማዊ መራሒ ከምዝሓዝዎ ገሊጾም። ሙሰ ዓብደ ኣራለ ዝተባህለ ናይ ሕዝብ ኣል እስላም ናይ ምክልኻል ሓላፊ ዝጠፋፍኦ ገንዘብ ሒዙ ንኤርትራ ብምስጢር ክኣቱ እንከሎ እዩ ዝብል ጸብጻብ ኣብ ሱዳን ትሪቡይን ኣመሓሊፎም። ኣብዚ ጠውቑ። ሰለስተ።

ኤርትራ ኣብ ናይ እከይ ዓንኬል ኣትያ። ኣርባዕተ። ብ3/15/2010 ኤርትራ ኣብተን ናይ እከይ ዓንኬል ኣትያ ዝብል ዝወጸ ጸብጻብ ርአ። እዚ ንኤርትራ ምስ ኢራን ሰሜን ኮረያን ሊብያን ይጽምብር። እዚ ድሕሪ ናይ ሕ.መ. እገዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ምብያኑ እዩ። እተን ካልኦት ሃገራት እገዳ ኣለወን ወይ ድማ ነይርወን። ናይ ኤርትራ ንተቓወምቲ ናይ ሶማል ሓይልታት ብምሕጋዛን ካብ ዶብ ጁቡቲ ብዘይ ምስሓባን ምስኡ ዘድሊ ካብኣ ዝተሓተቶ ዘይምትግባራን እዩ።  እቲ መጀመርታ ዓንኬል ናይ እከይ ኢራቕን ኢራንን ስሜን ኮርያን ነይረን። ድሓር ኩባን ሊብያን ሶርያን ተወሲኸን። 

3/21/2010 ድማ መለስ ዜናዊ፣ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ተመዲቡ ዘሎ ምርጫ ንኽተበላሹ ውዲት ትኣልም ኣላ  ዝብል ዜና ተዘርጊሑ። ሓሙሽተ። ኣብዚ ጠውቑ።

ብዛዕባ ውልቀ ሰባት ክብሃል ዝቐነየ ኣብ ዜና።

መሓመድ ኢብራሂም ኣሕመድ ዝተባህለ ሰብ፣ ብግብረ ሽበራ ተኸሲሱ፣ ኣብ ኒው ዮርክ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ። እዚ ኤርትራዊ ወዲ 35 ዓመት እዩ ክብል እቲ ዜና ገሊጽዎ። ሹዱሽተ። ኣብዚ ጠውቑ።

ኣብ ደቡብ ዳኮታ ኣሜሪካ፣ ሚኪኤል ኣሽኮል ሽመይል ዝተባህለ ኤርትራዊ፣ ንብጸይቱ ዝነበረት ስለዝቐተለን ኣብ ቤት ፍርድን ስለዝቐረበን ን50 ዓመት ተፈሪዱ ዝብል ዜና ወጺኡ። ሾብዓተ።  ኣብዚ ጠውቑ።

3/22/10 ኣብ ማልታ ሓደ 27 ዝዕሚኡ ኤርትራዊ ንፖሊስ ሃሪምካ ተባሂሉ ድሕሪ ምኽሳሱ ኣብ መጠንቀቕታ ዝውዕል ክልተ ዓመት ተፈሪዱ። ሾሞንተ። ኣብዚ ጠውቑ። ትሽዓተ፣ ዓሰርተ፣ ዜናታት ይቕጽል እምበር ደው ኣይብልን ኢዩ።

ስለዚ ለካቲትን መጋቢትን ጥራሕ ኣይኮናን ሚያዝያ እውን ከትርክብ እያ። በዚ ኣጋጣሚ እዚ ዕዙዝ ምስጋና ንኹሎም ተኸታተልትን ኣንበብትን መርበብ።

 

መልእኽቲ ንደገፍቲ ስርዓት ኢሳያስን ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጥን።
(ውረዱ)

ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና መንግስትና

ብዛዕባ ኤርትራ ኣብዚ መርበብ እዚ ምጥዋቕ እንተተሃክይኩም፣ ኣብ ጉጉል (www.google.com) ከይድኩም፣ ኣብ ዜና (news) “ኤርትራ” ኣእትዉሞ፤ ባዕልኹም ትርእይዎ። ኣብ ዜና ኣዝማሪኖ ምምጻእ ኣየድለየኩምን እዩ። እቲ “መልስታት” እውን ናብቶም ዜና ዘውጽኡ ቀዳሞት ምንጭታት ምስ ስምዒቱ ክትሰድዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ዜና ዝበሃል ነገር ኣሎ። ማዕከን ዝበሃል ኣሎ። ነጻ ኢንተርነት ዝበሃል ኣሎ። እዚ ደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ንኽወስድዎን ክጥቀሙሉን ጥራሕ ዝተሰርሐ ኣይኮነን። “ውረዱ” ዝተባህለ ንመልእኽቲ ከተንብቡ ምእንቲ ጥራሕ እዩ። ብቐሊል እንግሊዝ scroll down. ዝበልና ድኣ፤ መልእኽቲ ከይንበብኩምዎ ከይትሓልፉ።

እንታይ’ሞ ንመን’ዩ? ንብብድዐ ዝተመልአ። ቃሕ ከም ዝበለካ ምቕታልን ምጭዋይን ዝለመደ። ምእሳርን ምግባትን፣ ንሰናይ ንምጥፋእን ነጻ መንፈስ ምዕባስ ዝኣመሉ። ቃሕ ዝበለካን ድላይካ ምግባርን ዝምርኲሱ። ምግባር ድኣምበር ብዝገበርዎ ዘይግበረሎም ባእታ እንተተኻይዱ። ስድነት ዝለመደት እከይ መልሓስን፣ ኣብ ኪዪ ቦርድ ዝጥውቓ ነወራማት ኣጻብዕን……

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...