ናይ ሕ.መ. ጸጥታ ቤት ምኽሪ ናይቲ ንናይ ሶማልን ኤርትራ ዝዓዘብ ናይ ኣጽዋር እገዳ ጉጀለ ናይ ስራሕ እዋን ብብይን ቁ. 1916 (2010) መሰረት ንኽቕጽሎ ከምዝወሰነ ብ3/16/2010 ኣብ ዘወጽኦ መግለጺ ኣብሪሁ።
 
እዚ ብናይ 6289 ኣኼባ ዝተኻየደ እቲ እናቐጸለ ዝኸይድ ዘለኦ ናይ ኣጽዋር ምእታው ኣብቲ ዞባ ብምኹናን ብ 3/16/2010 ናይዚ ጉጅለ ዕደመ ምስ ተወሳኺ ሰለስተ ኪኢላታት ንዝመጽእ 12 ኣዋርሕ ንኽናዋሕ ወሲኑ ኣሎ።

እዚ ውሳነ ብሙሉእ ድምጺ 1916 (2010) ብትሕሪ ናይቲ ቻርተር ምዓራፍ 6፣ ምውሳድን ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ብፖለቲካ ምስሓብን ኣብ ሶማል ብዝርከቡ ዕጡቓት ንእባላት ሃገራትን ንሕ. መ. ኣሃዱታት ነዚ ንምእጋድ ስጉምቲ ክወስዱ ኣተሓሳሲቡ። በዚ ውሳነ እዝን ብተወሳኽን፣ እቲ ቤት ምኽሪ ንገለ ገለ በቲ ተኣጊዱ ዘሎ ስርዓት ዝግበር ኣድላዪ ስጉምትታን ንኽልስልስ ፈቒዱ። እዚ ምእንቲ ናይ ተኪኒክ ሓገዛትን ኣቑሑን ምእንቲ ክእቱ ዝተወሰደ ውሳነ እዩ። እዚ ድማ ብእዋናውን ብህጹጽ ንዝድለ ካብ ኣህጉራውን ዞባውን ትሕተ ዞባውን ዝኾኑ ንዝግበር ናይ ሕ.መ. ሰብኣዊ ረድኤት  ይምልከት።

እዚ ናይዚ ጉጅለ ናይ ስራሕ እዋን ምምጣጥ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝርከብ ብኅዳር 2009 ዝሓለፈ ብይን ቁጽሪ 1907 መሰረት፣ ናይ ኣጽዋር እገዳ ንምክትታትልን፣ ነቶም በዚ መሰረት ኣብ ናይ ምጋሽ እገዳ ዝርዝር ንዝኣትዉ ውልቀ ሰባትን ናይ ዋንነት ንብረት ምድስካልን የጠቓልል። እዚ ብይን እዚ ኤርትራ ንናይቲ ዞባ ርግኣት ኣብ ሓደጋ ንዘእትዉ ባእታታት ካብ ምሕጋዝ ደወ ከተብል ዝጠልብ እዩ ነይሩ።

ብዛዕባ ዜና ኤርትራ ብምቕጻል ብዕለት 3/14/2010 ነቶም ኣንጻር ናይ ሶማል መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ዕጡቓን  እስላማውያን ጉጅለታት ጌና ትሕግዞም ኣላ ዝብል ናይ ሕ.መ. ናይ ዜና ማዕከን ብዝርዝር ኣመሓላሊፉ። 

ብ2009 ኣብ ዝወጸ ናይ ሕ.መ. ተዓዛቢ ጉጅለ ናይ ሶማል ኣብ ጸብጻቡ ነዚ እውን ዘርዚሩ ኣሎ።  

እቲ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ናይ ሕ.መ. ብ3/16/2010 ዝወስዶ ስጉምቲ፣ ነዚ ብ1992 ዝተወሰነ፣ ብይን 733 ናብ ሶማል ዝኸይድ ኣጽዋር እገዳ ንምትግባር ዘድሊ ምምሕያሽ ንምግባር ፍሉጥ ዝኾነ ንጥፈታት ንኽወስድ ቅሩብነቱ እንደገና ኣዘኻኺሩ። ሶማል ካብ 1991 ጀሚሩ ብዘይትካላዊ መንግስቲ እትነብር ዘላ ሃገር እያ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...