ዓዲ መንጎንቲ፣ ሰራየ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ናብ “ዞባ ደቡብ” ኣብ ዝተገብረ ጉዕዞ ካብ ዝተበጽሐት ዓድታት እያ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ማለት ንኹሉ “ደቡብ” ኣብ ዝገበሮ መደረ ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ንዝግበር ዘሎ ሓገዛት (ማለት ኣንጻር ናይ ሕ.መ. እገዳ ዝተኻየደ መኸተ) ከምዘመሰገነ ኤሪ ቲቪ ገሊጻ። ካብ ኩሉ “ደቡብ” ብፍላይ ናይዚኣ ቦታ እዚኣ፣ ማለት ቅድሚ ሕጂ ተበጺሓ እንተኾይና ኣብ ዜና ብዙሕ ኣይኣተወትን፡፣ እንተዘይተበጺሓ ድማ ከም ኩለን ዘይተበጽሓ ምተቖጽረት። ብድሕሪ ናይ ሕ.መ. እገዳ ዝሰዓበ፣ ብ”ጎደና 22” ዝፍለጥ ናይ 22 ለካቲት ኣብ ጀነቫን ዋሽንግተንን ካልእ ናይ ወጻኢ ሃገራት ዝተገበረ ሰላማዊ ሰልፊ ግን፣ ኣተኲሮን “ምስጋናን” ዝግበኣ ዘሎ ተራ ናይ “መስከረም ነት” ወብሳይት ዋና ዝበሃል ዓዲ ናይ ጀነራል ጎይትኦም ብምዃና እያ ይብሉ ተዓዘብቲ።

እዚ ዓይነት ናይ ኢሳያስ ስልቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝጥቀመሉን ተሓባበርቱን ተሓለቕቱን እውን ከም ፍሉይ ክእለት ዝተሓሓዝዎ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዶም ዝዓበዩ፣ (ብፍላይ ምስ ዶብ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ) ድሕሪ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ምስጓጒ፤ ዝያዳ ተሳታፍነት ኣብ ናይ ኤርትራ ፖለቲካ ዝተራኣየሉ እዋን ንተዓዘብ። ኣብዚ እዋን እዚ ንኣብነት፣ ሰመረ ርእሶም ኣምባሳደር ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝነበረሉ፣ ብትሕት ትሕትን ብሕሹኽሹኽን ዝስማዕ ንዝነበረ፣ ናይ “ወያነ” ስጒጎምና ቂምታን ቅርሕንትን፤ ኣንጻር እቶም ነዚ “ምስጓግ ቀንዲ ተሓታቲ” መንግስቲ ኤርትራ እዩ ዝብሉ ዝነበሩ ዝወሰዶ ስጉምቲ፤ እዚኣቶም፣ ኣብቲ ንሱ ዘካይዶ ዝነበረሉ ኣኼባ፣ ንኸረድኡ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን “ንስኹም ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያን፣ እዚኦም ኤርትራውያን ኣሜሪካውያን፣ ኣብ ስደት ዘለኹም ኩሉኹም እተን ሃገራት መሰልኩም ክሕልዋልኩም ዝግበአን እየን” ብምባል ብወግዒ፣ ንናይ ነበርቲ ከባቢ ዲሲ ጉዳይ ኣቓልቦ፣ ካብ ናይ ጠንቂ ኲናትን ሳዕበናቱን ናብ “ንሕና ተበዲልናን” “ንስኹም ኣይትርድኡናን” ተባሃሂሎም፣ ኣብኡ ዝነበሩ ከምዝካትዑን እቲ ጉዳይ ኣድህቦ ንኸይግበረሉን፣ ግዜን ብ”ሃገራውነት” ስምዒት ደገፍቲን መንግስቱ ገዚኡ እዩ።

ናይ ሰመረ ርእሶም ስራሓት ብዙሕ እዩ። ዕዋላታት ዲሲ ብምውዳብ፣ ንናይ ተ.ሓ.ኤ. ነባራት ኣኼባ ኣብ ምብታን (እዚኣ ኣብ ሱዳን ዝተማህራ ፍልይቲ ክእለት እያ)፣ ገዛ ገዛን ዓዲ ዓዲ እናኸድካ ብዘመድ ዘመድ ንኤርትራውያን ኣብ ስደት ምፍልላይን ኣተኲሮ ብምሃብን፣ ናብ ኤርትራ እንክኸዱን ፍሉይ ኣተሓሕዛ ከምዝህልዎም ምግባርን ነይርዎ።

ንኣብነት ካብ ኣሜሪካ ንኽምለስ ምእንቲ ዝደፋፍኦን ዘእምነኖን፣ ዶክተር ዓንደኣብ ዝኣመሰሉ ሰባት ናብ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምዝዛው ዝተጻወቶ ተራ ይርከብዎም። ሰመረ ርእሶም ወዲ ሓዎም ቆመና ንደጃዝማች እምባየ ሓደራ እዩ። እምባየ ሓደራ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ከባቢ ብተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ዝተቐትሉ ሰብ እዮም። ናይ ሰመረ ኣንጻር ተ.ሓ.ኤ. ዝገብሮ ንጥፈታት ናይ ውልቅን ንናይ ኢሳያስ ትልሚ ንምትግባርን ጥራሕን ምዃኑ ይግለጽ።

እዚ ናይ ኢስያስ ፍሉይ ናብ “ደቡብ” ዝገበር ዘሎ ጉዕዞ እውን ንፖለቲካዊ ሃልኪ ድኣ’ምበር ብዛዕባ ናይ ሕዝቢ ተገዲሱ ከምዘይኮነ ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ናይዚ ሰብ እዚ ክዕዘብ ይከኣል።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ዉሑድ ኣዋርሕ ድሕሪ ነጻነት ነቶም ኣከለ ጉዛይ ኣውራጃ ብዙሕ ሰብ ጠፊኡ ይበሃል ኣሎ ንዝበልዎ፣ ከቀባጥር ብዘይከኦም ነጻነት ኣይምመጸትን ክብል ድሕሪ ምዝራቡ ዝተቐየሙ መበቆሎም ስራየ ዝኾኑ ስባት፣ ንመርበባት ኣብቲ እዋን እቲ ከም መራሒ ክበሃል ዘይግብኦ እዩ ክብሉ ሓቢሮም ነይሮም። ግንከ ዝሰምዖም ኣይረኸቡን ጥራሕ ዘይኮነ ብድሕሪኡ ዝሰዓበ፣ ናይ ምክትታልን ናይ ተጋደልቲ ምጥፋእን ሰባት ምፍራሕን ምርዓድን፣ ብውሽጢ ውሽጢ ምስ ኣስዓበ፣ ነታ ጉዳይ ዳርጋ ረሲዖማስ ኣብ ወጻኢ ዝቐመጡ ግን ምስዚ ናይ ለንቅነ ወረ ኣተሓሒዞም እቲ “ምንያ ኮለል” ዝገብሮ ምብጻሕ ንማንም ከምዘየእመነ ገሊጾም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት 2008 ኢሳያስ ኣብ ጋሽ ባርካ ምስዚ ሕጂ ኣብ “ዞባ ደቡብ” ዝረአ ዘሎ ሙስጣፋ ኑር ሑሰን “ምዕባለ” ክርኢ ኮለል ይብል ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ። 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...