ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣውስትራልያጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ሶማል ንኣሸበርትን ፈጠርቲ ራዕድን ብምሕጋዙን፣ ምስ ጅቡቲ ብዘሎ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ኤርትራ ብኣህጉራዊ ሕግታት ዶብ ብዘይ ምቕያዳን፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መወዳእታ ሰሙን 2009 ናብ ውልቀ መላኽን ጭፍርኡን ዘተኲረ ናይ ኣጽዋር መሸጣን ዕድግን ዝኽልክል፡ ኣብ ደገ ብስም መንግስትን ውልቀ ሰባትን ንዘሎ ንብረትን ገንዘብን ዘደስክል፡ መስል ምንቅስቓስ ሰበስልጣናት ዝሓጽር ውሳነ ኣሓሊፉ ኣሎ። ባይቶ ጸጥታ ኣድማዕነትን ምዕባለን ናይ’ዚ ዉሳነ ዝከታተል ኣካል ሰለዘለዎ፣ ብዉሑዱ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ምስ ጎረባብቲ ዝገብሮ ዕንደራ ክዕገት እዩ። ኣደብ እንትዘይገይሩ ድማ ናይ ሰማይን ናይ ባሕርን እገዳታት ክውሰኾ ተዋዲዱ ኣሎ።

ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ጉዳይ ሶማል ኢዱ ካብ ምእታው ክቑጠብ ክዋሃቦ ዝጸነሐ ምዕዶን መጠንቀቅታን ዓመታት ኣቕጺሩ ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ፕረሲደንት ጆርጅ ቡሽ ካብዚ ተወሲኑ ዘሎ ዉሳነ ዝተርር ምስ ዓለምለኻዊ ግብረሽበራ ኣልቃዒዳ ዝጽምበር ውሳነ ክሓልፍ ኣብ ክርክር ከምዝነበረ ካብ ሕዝቢ ኤርትራ ክውል ኣይኮነን። ዘይተተግበረሉ ምኽንያታት ነዊሕ ዝርዝራት እኳ እንተኣለዎ፣ ድሕሪ ምንቑልቋል ተቀባልነት ፖሊሲታት ስርዓት ጆርጅ ቡሽ፣ በይናዊ ስጉምትታት መንግስቲ ኣመሪካ ተቀባልነት ብምስኣኑን፣ ፕረሲደንት ቡራክ ኦባማ ምስ ሕቡራት ሃገራት ብሓባር ናይ ምስራሕ ዘለዎ ሓድሽ ፖሊስን ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። ቅጥዕታትን ሕጋውነትን ተኸቲሉ ብኢጋድ (IGAD) ጀሚሩ ብመንገዲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንውሳነን ትግባረን ናብ ባይቶ ጽጥታ ሓለፉስ፣ ውጽኢቱ ተራእዩ ክብን ለጠቕን ክብል ዝኽእል ውሳነ እገዳ ጸዲቑ ኣሎ። ባይቶ ጸጥታ ናብ’ዚ ዘይተርፍ ዉሳነ ክበጽሕ ምዃኑ ካብ መራሒ ጉጀለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ስዉር ስለዘይነበረ፣ ካብዚ ሓደጋ’ዚ ከምልጥሉ ዘኽእል እኹል ግዜ’ውን ነይሩ እዩ። እንተኾነ ግን ብሕጊ ዘይምቕያድን ረብሓን ጠቕምን ካልኦት ምትንካፍን ዝለመደ ጸይቀ ዕሉል መራሒ ህ.ግ.ደ.ፍ. ንእገዳ ወይ ማዕቀብ ብወለንትኡ ዝተቐበለ ስርዓት እዩ። ዕንደራን ምሕንጋድን መሪጹ ንእገዳ ባይቶ ጸጥታ ክብድህ ስለዝመረጸ፣ ከምቲ ሕጂ ንሰዓብቱ ከደናግር ኣብ ትሕቲ ሃገራውነት ዓበድበድ ዝብሎ ዘሎ ዘይኮነስ ግዜ ወሲዱ ሓሲቡ የዋጻኣኒ እዩ ኢሉ ዝመረጾ መንገዲ እዩ። 

ኣውስትራልያ እገዳ ተተግብርባይቶ ጸጥታ ናብ’ዚ ዉሳነ’ዚ ክበጽሕ ነዊሕ ግዜ ስለዝወሰደሉን ንትግባሬኡ’ውን ብስንኪ መሳልል በሮክራስያዊ ኣሰራርሕኡ ግዜ ሰለዝመጠጠ፣ ግጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ግዜ ረኺቡ ንሓጺር ግዜ ዘጻንሖ ናይ ጸይቂ ውጥናቱ ከዋድድን፣ ንእገዳ ንውሽጣዊ ፖለቲካዊ ሃልኪ ክጥቀመሉ ይፍተን ኣሎ። እዚ ውሳነ‘ዚ ጉጀለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዝፍጽሞ ዘሎ ዝባኑ ዝቀለዐ ምግሃስ ሰብእዊ መሰላትን ክብርን ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ኣብ ሕዝቢ ኤርትራ ዝለመዶ ስድነት፣ ዶብ ሰጊሩ ኣብ ሩሕቕን ቀረባን ዘለዋ ሃገራት ብምህዋኹ፣ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝወሰዶ ውሳነ ምስ ዉሽጣዊ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ዘራኽብ የብሉን ምባል’ውን፣ ንመበቆልን ዋንነትን ናይዞም ክልተ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ከባቢናን ጠንቂ ሰላምን ዘይምርግጋእን ኮይኑ ዘሎ ዕሉል ዉልቀ መራሒ ምዝንጋዕ እዩ። ነዚ ሞጎታዊ ምትእስሳር’ዚ ብምርዳእ፣ ኣንጻር’ዚ ብቓልዕ ህዝቢ ዝጥፍእ ዘሎ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝውሰድ ናይ ውሽጢ ይኹን ናይ ደገ ስጉምቲ ንጠቕምን ረብሓን ሕዝቢ ኤርትራ ንምውዓሉ ብውሕልነት ክስርሓሉ ዝግባእ ዓቢ ዕድል እዩ።

ውልቀ መላኺወልቀ መላኺ ኣቶ ኢሰያስ ከም መኸወሊ መናውሒ ስልጣኑ ዝመረጾ መንገዲ ብስም ሃገርን ሃገራውነትን ምምጽዳቕ እዩ። ጉዳይ ዶብን ኢትዮጵያ ጌና ዝሰርሓሉ ዘሎ መዝሙር ኢዩ። ስለዝተደጋገመን ሰማዒ ስለዝሰኣነን፣ ባዕሉ’ውን ጉዳይ ዶብ ዝባሃል የለን ክሳብ ምባል ስለዝበጸሐን፣ መዝሙር ብምቕያር እገዳ ተገይሩልና፣ ዓለም ትዋጋኣና ኣላ፣ ስነ-ኣእሙራኣዊ ኲናት ተኸፊቱልና፣ ወያነ ብሓገዝ ኣመሪካ ክትወረና እያ፣ ኤርትራ ሪኢኹም ክትስእንዋ ኢኹም፣ ዝብል ዳግማይ ናይ ራዕዲ ዘመተ ከም ናይ መወዳኣታ መሕብኢ በዓቲ ክጥቀመሉ መሪጹ ኣሎ። 

ነዚ ኣብ ፖለቲካዊ ምሕደራ፣ ምክልኻል ሃገር፣ ምዕባለ ሃገርን ዲፕሎማስን ብፍጹም ፈሺሉ ሃገርን ህዝብን ዘጥፍእ ዘሎ ጭፍራ፣ ገለ ውሑዳት፣ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ተዓቚቦም ናብራኦም ዘጣጥሑ መጋበርያ ፕሮፓጋንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ.፣ ነቲ ብሕጊ ምቕያድ ነጺጉ ንእገዳ ብምርጭኡ ዝተቐበለ ፍንጡሕ ስርዓት መንግስቲ ኤርትራ ኣይወዓሎን ንጹህ እዩ፣ ዝተፈጸመ ገበን’ውን የለን ኢሎም ኣብ ቅርዓታት ዲሞክራስያውያን ሃገራት ወጺኦም ብዲክታተርነትን ሽበራን ንዝፍለጥ ዕቡድ ስርዓት ምሕረት ክግበርሉ ክማጻደቑ ንዕዘብ ኣለና።

እቲ ስጊንጢር እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ኣካል ኣልቃዒዳ ምዃኑ ዝእመነሉ፣ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝድገፍ ኣልሸባብ (ሶማል)፣ ኣብ ልዕሊ ሕዝብን ንብረትን ኣውስትራልያ ኣዕናዊ መጥቃዕቲ ከካይዱ ሓሲቦም ዝተባህሉ ውልቀ-ሰባት ከምዝተታሕዙ፣ ብመንግስቲ ኣውስትራልያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2009 ወግዓዊ መግለጺ ኣውጺኡ ከምዝነበረ ዝፍለጥ እዩ። ኣፈኛ ህ.ግ.ደ.ፍ. መንግስቲ ኣውስትራልያ መሳርሒ መንግስቲ ኣመሪካ እዩ ብዘስምዕ ቃና “ብሲኣይኤ ዝተፈብረኸ ድራማ እዩ” ኢሉ ፈንጣሕጣሕ ኢሉ ከብቅዕ፤ ብእገዳ ምስተሓንቀ ነዞም ከም ሮበት ዘንቀሳቅሶም ሰዓብቱ፣ ኣብ ቅርዓት ወጺእኹም  ንመንግስቲ ኣውስትራልያ ኣውያትኩም ኣስሙዑለይ ኢሉ ምእዛዙ እዩ።   

እዞም ተሳተፍቲ “ሰላማዊ ኣውያት” ጸረ-ኣገዳ፣ ኣባላት ቅንጅት፣ ኦሮሞ፣ ኦጋዴ፣ ሶማላውያን ተሓባበርቲ ግብረሽበራ ንጎኒ ግዲፍካ፣ ነቶም ሰዓብቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝኾኑ ኤርትራውያን እንተወሰድና፣ መብዛሕትኦም ነብሰ ተኣማንነት ዘይብሎም ተጉተቲን፣ ኣብ’ዚ ንሕዝቢ ኤርትራ ዝፈታተን ዘሎ እዋን፣ መሬትን ንብረትን ክምንዝዑ ዝደልዩ ጉሓላሉን፣ ዘጣዕስ ታሪኾም ክሽፍኑ ዋጋ ዝኸፍሉ ዘለዉ ኩይኑ ዝስመዖም ኣባላት ኢሰፓን፣ ካብ ቃልሲ ዝኸድዑ ወዶገባን እዮም። ናይ ኩሎም ዝርዝራ ኣስማትን ታሪኽን ክንሕዝን ክንስንድን ተታሕዝናዮ ከምዘለና እናገለጽና፤ ንሎሚ በዞም ዝስዕቡ ቀንዲ ተዋሳእቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ክንጅምር ኢና።

1 ዮውሃንስ ወንድማገኝ (ወንድምኣገኘ) ንነዊሕ ግዜ ሰራሕተኛ ፈነወ ረድዮ ትግርኛን ዝተኣምነ ኣባል ኢሰፓን ዝነበረ ኤርትራዊ እዩ። ድሕሪ ውድቀት ደርግ ድምጺ ዮውሃንስ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ኣይተሰምዕን። ምኽንያቱ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራን ውድቀት ደርግን፣ ካብቶም ተደለይቲ ብምንባሩ ሂወቱ ንምድሓን ናብ ከንያ ሃዲሙ ተሓቢኡ።  ናይ ዕቕባ ሕቶኡ ክሳብ ዝሰልጦ ድማ ካብ ኤርትራውያን ተነጺሉ ይነብር ነይሩ። ብኣውስትራልያ ዑቕባ ተዋሂብዎ ምስኣተወ’ውን፣ ክሳብ 2001 ናብ ኤርትራውያን ኣይተቐልቀለን። ብኣንጻሩ እኳ’ድኣ፣ ኣብ’ቲ ናይ ኢትዮጵያውያን ማሕበረ ኮም ይጸጋጋዕ ምንባሩ እዩ ዝፍለጥ። ድሕሪ 2001 ተለኣኣኺን ኣፈኛን በዓላት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብምዃን ኣብ ዘየድልዮ ጉድያት ኣትዩ፣ ሕማቅ ባህርዩ ክደግም ስለዝተራእየ ናይ ቀረባ ቤተሰቡን መተዓብይቱን መማህርቱን፣ ካብ ተመኲርኡ ክመሃር ንዘቕረብሉ ምዕዶን ለበዋን ተሓሲሙ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብነታዊ መሳርሒ ኮይኑ ይርከብ። 

ካብ ዝረኸብናዮ ጭላፍ ሰነድ ዮውሃንስ ወንድማገኝ፣ ኣብ 1998 ኣልኣዛር ብርሃነ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ, 7ይ ዓመት, ቁ.150, ገጽ 8, ቀዳም 15 ነሓሰ 1998 ሕታማ “ናይ ደርግ ሞገድ ስራሕ ጀሚራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ብኸምዚ ዝሰዕብ ጽሒፉ።


ንጠቅስ “ ኣዳለውቲ ሞገድ (ሞራል ገንቢ ድርጅት) ተስፋይ ገብረኪዳን፡ መብራህቱ ክንፈ፡ መቶ ኣለቃ ልበለው፡ መምህር ጉርጃ ተስፋሚካኤልን መምህር ዓብለልን ከምኡ’ውን ዮውሃንስ ወንድማገኝ፡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ኣብ ግቢ ከምዝራኸቡ እናተገብረ ረቡዕ ረቡዕ ከምዝፍኖ ይግበር ነይሩ። ዘይኮነን ዘይእመንን ወረታት ድማ ኢዩ ዝመሓላለፍ ዝነበረ። ገለ ካብቲ ንህዝቢ ዝገረሞ ሓሶት፡ “ጴጥሮስ ሰሎሙን ንሱዳን ክሰግር ክብል ብፈንጂ ሞይቱ”፡ ከተማ ተሰነይ ኣብ ኢድ ተጋደልቲ ከላ፡ “ኣብ ተሰነይ ዝርከቡ ጋንታት ህዝባዊ ሰራዊን ብዝገበርዎ ናይ ኩዕሶ እግሪ ግጥማት፡ እከለ ንእከል ኣሸኒፋታ ወዘተ” ዝብል’ዩ ንይሩ። ሕጂ’ውን መራሕቲ ወያነ ነዚ እዩም ዝደግሙ ዘለዉ። ዘይተገብረ ተገይሩ፡ ዘይተባህለ ተባሂሉ ይብሉ ኣለዉ። ስለዚ፡ ንጉደኛ ሓሶታት ሞገድ ኣብ መደባት ኣምሓርኛን ትግርኛ ካልኦት ቋንቋታትን ክተቃልሕዎ ሓደራ እብል።
ኣልኣዛር ብርሃነ
ዞባ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣስመራ  

Abraham Hadgu2. ኣብራሃም ሓድጉ ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ንኣዋርሕ ተጋዲሉ ምስ ብረቱ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰለመ ወዶ-ገባ ኮይኑ፣ ኤርትራውያን ዘበሳበሰ ዕሱብ እዩ። ኣብርሃም ናብ ደርግ ኣብ ዝሰለመሉ ግዜ፣ ብዮውሃንስ ወንድማገኝ፣ ጋዜጠኛ ረድዮ ኣስመራ ፈነወ ክፍሊ ትግርኛ ቃለ-ኑዛዜ ተገይርሉ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ዕሉል ወዶገባ መጀመርያ ኣብ ዓሰብ ድሒሩ ክሳብ ጅቡቲ ከም ኣባል ድሕንነት ተዋፊሩ ናይ ብዙሓት ንጹሃት ኤርትራውያን ተሓታቲ ምኻኑ መማጽእቱ ብተደጋጋሚ ሓቢሮም እዮም። ብዕቕባ ኣውስትራልያ ዝኣተወ፣ ድሕሪ 2000 ዓ.ም. ተለኣኣኺ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ እዩ።

ብእጣቓላሊ ምስሊ ሰዓብቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ብልክዕ ንምፍላጥ ናይዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ክልተ ውልቀ ሰባት መንነት ምፍላጥ ሓጋዚ እዩ። ኣብ ርሑቕ ንዘለዉ ኤርትራውያን’ውን፣ በዚኦም ዝምርሑ ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ለካቲት 22፣ መን ምኻኖም ንኽግምቱ ሓጋዚ እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ’ውን ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ.፣ ሰዓብተይ ኢሉ ዝጃሃረሎም ኤርትራውያን መን ምዃኖም ዘርኢ ምስሊ ኢዩ። እዞም ኣይካብ ሕልና፣ ኣይካብ ዓቕሚ፣ ኣይካብ ተቀባልነት፣ ብዘይካ ንህ.ግ.ደ.ፍ. ንኻልእ ፈጺሞም ከገልግሉ ዘይክእሉ፣ ሓድግ ዝኾኑ ክልተ ሎኽመኛታት፣ ነቶም ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካን ኤውሮጳን ብተመሳሳሊ ዕድመ ዲክታቶር ከናውሑ ተዋፊሮም ንዘለዉ መጣቓዕቲ ዝውክል ምስሊ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ዲያስፖራ ኢዩ።

ዉድቀት ንግብረሽበራን ዉልቀ መላኽን።

 

http://tig.asmarino.com/tig/documents/477-2010-03-12-02-06-14

 

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...