ብዕለት 1 መጋቢት 2010 ኣብ ቢቢሲ ዝወጸ ዜና ፕረሲደንት ቶጎ፣ ፋውረ ግናሲግበ ወዲ ናይ ቶጎ ዲክተተር ነበር ዠን-ፐየር ፋብረ፣ ኣብ ዝተገብረ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ንተቓዋማይ ሲዒሩን ይብል። እዚ ውጽኢት ብተቓወምቲ ኣካታዒ ኾይኑ ይርከብ።

ዕለት 6 መጋቢት 2010 ዝወጸ ዜና ከምዝሓበሮ ድማ፣ ንኢዲ ኣሚን ብምብዳህ ኣብ በረኻታት ብ1981 ድሕሪ ምውጽኡ፣ ብጥሪ 1986 ኣብ ስልጣን ከም ፕረሲደንት ዝደየበ ፕረሲደንት ዮወሪ ሙሰቪኒ ኣብዚ እዋን፣ ስልጣን ናብ ወዱ ከመሓላለፍ ይቕረብ ይበሃል ኣሎ። ወዲ ፕረሲደንት ሙሰቨኒ ለተና ኮሎነል ካኢንሩግባ ሙሆ ሓላፊ ናይ ፍሉይ ሰራዊት ኮይኑ ድሕሪ ምጽንሑ ኣብዚ እዋን እዚ ፕረሲደንት ናይ ዝሕሉ ጉጅለ ስልጣን ተዋሂብዎ ኣሎ።

ፕረሲደንት ሙሰቨኒን ስድራ ቤቱን

ናይ ተቓወምቲ ኣፈኛ ዝኾነ ሑሰንክያንጆ “ንዩጋንዳ ናብ ንጉሳዊ ኣሰራርሓ ይልውጣን ብግልጺ ንወዱ ከመሓላልፍ ይቕረብ ኣሎ” ክብል ገሊጹ። ኣባላት ስድራ ቤት ሙሰቨኒ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ መንግስቲ ናይ ሓላፍነት ቦታት ሒዞም ይርከቡ።

ቶጎን ዩጋንዳን ሽግራት ይሃሉወን ድኣምበር ኣብያተ ፍርድን ሚኒስትርታትን ትካላትን ኣገባባትን ዘለወንን፣ ነጻ ዝኾና ናይ ዜና ማዕከናትን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝሳተፋሉ ስርዓታት ሒዘን ዝጓዓዛ ሃገራት እየን። 

ናይ ዩጋንዳ ፕረሲደንት ህዊረ ሙሰቨኒን፣ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚነስተር መለስ ዜናዊን ናይ ኤርትራ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን፣ ብ1991 ኣቢሉ ካብቶም ንኣፍሪቃ “ትንስኤ” ክግብሩ እዮም ተባህሉ ዝእመነሎም መራሕቲ እዮም ኔሮም።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...