ረቡዕ፣ 3 መጋቢት 2010 መግለጺ ወጻኢ ጉዳይ መንግስቲ ኣውስትራልያ

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ብዕለት 23 ኅዳር 2009 ንድንጋገ 1907 ኣጽዲቑ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ወሲኑ። እዚ ብምኽንያት ናይቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጁቡቲን ዝቕጽል ዘሎ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ጉዳይን፣ ከምኡ እውን  ኤርትራ፣ ኣብ ሶማል ርግኣት ንኸይሰፍንን ዕርቂ ንኸይግበርን ምእንቲ፣ ንዕጡቓት ጉጅለታት ሓገዝ ትገብር ስለ ዘላ፣ ቤት ምኽሪ ጸጥታ እዚ ተግባራት እዚ ንኣህጉራዊ ሰላምን ርግኣትን ኣስጋኢ ከምዝኾነ መዲቡ።

ካብዚ ብምብጋስ ሕጊ ኣውስትራልያ እዚ ዝስዕብ ተግባራት ይኽልክል፤

  1. ንኤርትራ ኣጽዋርን ምስኡ ዝተኣሳሰር ዘበለ ኣቑሑ ንኽይሽየጥን ንኽይመሓላለፍን፣
  2. ካብ ኤርትራ ኣጽዋርን ምስኡ ዝተኣሳሰር ዘበለ ኣቑሑ ከይግዛእ (ናብ ኣውስትራልያ)፣
  3. ተክኒካዊን ታዕሊምን ገንዘባዊን ካልእ ተመሳሳሊ ሓገዝ ምሃብ፣ እዚ ማለት፤ (ሀ) ንወተሃደራዊ ስራሓት ዝኸውን፤ (ለ) ንቐረብን ምስራሕን ንቐጻልነት ክንክን መሳርሕታት ኣጽዋርን ምስኡ ዝዛመድ ዘበለ ምግባር፣ 
  4. ተክኒካዊ ሓገዝን ታዕሊምን ወይ ከኣ ገንዘባዊ ሓገዝ ካብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ሰብ ይኹን ትካል ምግባር፣ እዚ ማለት (ሀ) ንወተሃደራዊ ጉዳያት ዝምልከት፣ (ለ) ንምግዛእን፣ ምስራሕን ነቲ ኣቐሑ ንምክንኻንን ወይ ድማ ኣብ ናይ ኣጽዋር ጉዳይን ምስኡ ዝዛመድ ኣቑሑ ምውዓልን፣ 
  5. ነቶም ብውሳነ 751 (1992) ዝተመስረተ ጉባኤ (“ኮሚተ”) ይኹን ብቤት ምኽሪ ጸጥታ ዝተጠቐሱ (ጌና ዘይወጸ ዝርዝር) ሰባት ይኹን ትካል ኣጽዋርን ምስኡ ዝዛመድ ኣቑሑ ምሻጥ፣
  6. ነቶም ብቤት ምኽሪ ጸጥታ ይኹን በቲ ኮሚቲ ንዝተጠቐሱ ሰባት ይኹን ትካል (ጌና ዘይወጸ ዝርዝር) ተክኒካዊ ሓገዝን ታዕሊምን ወይ ከኣ ገንዘባዊ ሓገዝ ምግባር፣
  7. ብዘይካ ብፍቓድ ናይ ሚኒስተር ናይ ወጻኢ ጉዳይ፣ ነቶም ብቤት ምኽሪ ጸጥታ ይኹን በቲ ኮሚቲ ንዝተጠቐሱ (ጌና ዘይወጸ ዝርዝር) ሰባት ይኹን ትካል ንብረት ናይዞም ዝተጠቕሱ ምጥቃምን ወይ እውን በዚ ናቶም ንብረት ምስራሕን ንብረቶም ንኻልኦት ከምዝጥቀሙ ምግባርን፣
  8. እዞም ቤት ምኽሪ ጸጥታ ወይ ድማ እቲ ኮሚቲ ዝተጠቕሱ (ጌና ዘይወጸ ዝርዝር) ብኣውስትራልያ ኣቢሎም ክሓልፉን ወይ ድማ ናብ ሃገረ ኣውስትራልያ ክኣትዉ፣

ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ተወከሱ።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...