ሶማል ኣጽዋርኣብ ታሕቲ ብማት ሽሮደር ዝቐረበ ጸብጻብ ተመልከቱ። እዚ ሕቡራት መንግስታት ከመይ ጌሮም ናይታ ብክልተ ኤስኤ-18 ኢግላ ተሃሪማ ዝወደቐት ናይ በላሩስ ነፋሪት፣ ወሃቢት (provided by Eritrea) ናይ መህረሚ ናብ ኤርትራ ከምዝተኸታተልዎ ዝገልጽ ኢዩ። ቅድሚ ናብዚ ጸብጻብ ምእታውና፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ኣስጋእነቱ ኣብ ህላወ ንህዝቡን ንዞባኡን ሓደገኛነት ዘተኲረ ኣገባብ እዩ ዝቐርብ ዘሎ።  ባዕልኹም ፍረዱ። እዚ ንዝደለዮ ክርከብ ዝኽእል ሓበሬታ ንህ.ግ.ደ.ፍ. ስለምንታይ ጸላዕላዕ ኢልዎም ከምዘሎ ክርድኣካ ኣይክእልን ኢይ። ህ.ግ.ደ.ፍ. ብመሪሕነት ኢስያስ “ኣይተንብቡ፣ ኣይትሕሰቡ፣ ብዘይካና ካልእ ዝብለኩም ከይተንብቡን ከይትሰምዑን፣ ማለት ባዕልኹም ኣንቢብኩምን ሰሚዕኩምን ኣብ መደምደምታ ናብ ምብጻሕ ዓቕሚ የብልኩምን። ኣብ ክንዳኹም ንሕና “ንሱ” ኣለና” ኢዩ።

ኣቃራርባ ካብ ኣዝማሪኖ
(ንሰማዕትኹም ዓው ኢልኩም ኣንቡቡሎም)።
ብኅዳር 28፣ 2002, ክልተ ኢስ.አ.-7 ጸረ ነፋርቲ ሚሳይል ብናይ ኣል ቓዒዳ ሰባት ነታ ካብ ናይሮቢ (ከንያ) ዝተበገሰት ናብ ናይ እስራኤል ኣሪኪያ ዓይነት ነፋሪት ሰዲዶምላ። እዚኣ 261 ተሳፈርትን 10 ሰራሕተኛታትን ዝሓዘት ነይራ። እቲ ምህራም ካብ ኣስታት 2 ኪሎ ሜትር እኳ እንተኾነ፣ እታ ነፋሪት ተሳሒታ ብሰላም ናብ ተልኣቪቭ፣ እስራኤል ኣትያ። እቲ ዝተሰደደላ ዓይነት ኣጽዋር፣ እቲ ዝተመሓየሸን እሞ ካብ 5 ኪሎሜትር ክሃርም ዝኽእል፣ ኤስኤ-18 ኢግላ እንተዝኸወን ነይሩ ነታ ነፋሪት ከውርዳን፣ ነቶም 271 ሰባት ክቐትሎም ይከኣል ኔሩ። ስለዚ ንኣል ቓዒዳ ሰባት ኣዝዩ ዓቢ ዓወትን ንእስራኤል ድማ መርድእ ምኾነ። እቲ ነጥቢ እዚ ኢዩ። ኤርትራ፣ ንግበረ ሽበራ ኣል ሸባብ ብውርጹጽ ዝኾነ፣ ኣል ቓዒዳ ንባዕሎም ዘይብሎም፣ ብመንኮብ ዝውንጨፍ ሚሳይላት ትህቦም ከምዘላ ኢዩ። ኣል ሸባብ ድማ ናይ ኣል ቓዒዳ መሳርሕቲ (ኣብዚ ቀረባ እዋን ባዕሎም ኣብ ዜና ከምዘውጽእዎ) ስለዝኾኑ፣ እዞም ክልተ ብቐሊሉ ክንቀሰቐሱ ዝኽእሉ ሚሳይላት ኣብ ዓበይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ክጥቀሙሉም ከምዝኽእሉ ኢዩ። እቲ ብዝሕ ዝበለ ቁጽሪ ሶማላውያን ኣብ ጥቓን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ከንያን ብምግንዛብ፤ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ናይ ሶማል ኣሸበርቲ ብቐሊሉ ክሰልኩሉ ዝኽእሉ ናይ ናይሮብን ኣዲስ ኣበባን ከተማታት ዝያዳ የተሓሳስብ።

ካብ ካልኦት ንኣሸበርቲ ዝሕግዛ መንግስታት ንኤርትራ ዝፈልያ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ ብሓደ ኣዝዩ ዓንጃል ዝኾነ መንግስቲ ስለእትመሓደርን (እዚ ስርዓት ድማ) መዓስን ብኸመይን ደው ከምዝብል ስለዘይፈለጥ ኢዩ። ንኣብነት ኣብቲ ንነጻነት ዝተኻየደ ናይ 30 ዓመት ኲናት፤ ሃገራት ዓረብ፣ ብፍላይ ድማ ኢራቕ፣ ሶርያን ሊብያን፣ ንግንባራት ኤርትራ ኣጽዋር ይህባ ኔረን። እንተኾነ ግን ኣብ ማንም እዋን ብመንኩብ ዝትኲስ ሚሳይል ሂበን ኣይፈልጣን። ስለዚ እንታይ ማለት እዩ እዚ፤ ኣብቲ ዝሕግዛሉ እዋን እውን፣ ሃገራት ዓረብ ኣብ እንታይ ገደብ ከምዝገበራ ይፈልጣ ኔረን። ምናልባት እተን ግንባራት ብሚሳይል ካብ ኣስመራ ወይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንዝነቐለት ናይ ኢትዮጵያ ትኹን ናይ ካልእ ሃገር ነፋሪት ንምውዳቕ እንተድኣ ተጠቒመናሉ ብሓላፍነት ክሕተታ ኣይደለያን። ናይ ኤርትራ ስርዓት ግን ከምዚ ኣይኮነን ዝገብር። ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቖላ ኣሰራርሕኡ፣ ን”ፍሉጥ” እስላማዊ ጉጅለ ኣዝዩ ዝተራቐቐ መሳርሕታት ብዛዕባ ናይዚ ንጥፈት እዚ ዝመጽእ ናይ ነዊሕ እዋን ሳዕቤን ከይተበላሓተ ይህብ። ምናልባት ኣል ሸባብ ወይ ካልእ ናይ ኣል ቓዒዳ ጉጅለ፣ በዘን ሚሳይል ጌሩ ካብ ሶማል ወጻኢ ንሓንቲ ነፋሪት እንተኣውደቐኸ? ናይ ኢትዮጵያ ነፋሪት እንተኾይና ናብ ኲናት ከምርሕ ይኽእል። ናይ ምዕራብ ነፋሪት እንተኾይና እንተወሓአደ፣ ንዝያዳ ተሪር እገዳ፣ ብዝለዓለ ድማ ንናይ ስርዓት ለውጢ ጻዊዒት ከኸትል ይኽእል።  

ንናይ ኤርትራ ስርዓት ሳዕቤት ኣይጋጥምን ኢዩ ኢሉ ኣብ ርእሱ ዘተኣምምኖ ነገር፣ እቲ ምስ ናይ ኣል ሸባብ ዝገበሮ ኩሉ ስምምዓት ንኤርትራ ኣብ ከምዚ ሽግር ምውዳቕ ኣንጻር ናይ ኣል ሸባብ ጥቕሚ ኢዩ ኢሉ ስለዝግምት ኢዩ። ካብ ናይ መስከረም 11 ዝተማህሩ ኣይመስሉን። ማለት ሓደ ናይ ሽበራ ጉጅለ-ኣል ቓዒዳ-ነታ ኣኢንጊዳቶ ዝነበረት ሃገረ ኣፍጋንሲታን፣ ኣብ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ሓደጋ ኣእትይዋ። ምስኡ፣ ኤርትራ ናይ ኣል ሸባብ ናይ ክልሰ ሓሳባዊ መሓዛ ኣይኮነትን። ስትራተጂካዊ ዝምድናታት ጊዚያዊ ስለዝኾነ ንምብታኹ ቀሊል ኢዩ። ገለ ካብቲ ለንቅነ ዝወጸ ጸብጻባት እንተድኣ ዝእመን ኮይኑ፣ ናይ ኤርትራ ሓገዝ ካብ ናይ ኣል ሸባብ ናብ ሕዝብ ኣል እስላም ይግዕዝ ኣሎ ይበሃል። እንተድኣ እዚ ዝምድና (ኣብ መንጎ ኤርትራን ኣል ሸባብን) ብንጹር ተበቲኹ፣ ኣል ሸባብ እቲ ዝተዋህቦም ሚሳይል ንምንታይን ኣበይን ንኽጥቀሙሉ ዝሕዞም ልጓም የልቦን። እቲ ኣውራ ዘስደምም ግን ካብ ኣል ቓዒዳ ንላዕሊ ያኢ፣ ናይ ኤርትራ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ኣል ሸባብ ዝያዳ ተሰማዕነት ኣለዎ፣ ዝብል ሓሳብ ኢዩ። ኣል ቓዒዳ እንተድኣ ነዘን ሚሳይል ደልዮመን፣ ናይ ክልሰ ሓሳብ መሓዙቶም ስለዝኾኑ ሕራይ እንኩም ክብሉ ኢዮም። ኣብዚ ውሳነ እዚ መብጽሒኦም ስለምንታይ ከምዝኾነ፣ መበገሲኡን መዕለቢኡን ብዙሕ ምፍልሳፍ ዘድልዮ ኣይኮነን።   
…………………………………………………………………………..
ኣብዚ ታሕቲ ናይ ማት ሽሮደር ጸብጻብ እንሆ።
ሓድሽ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ሶማል ማንፓድስ

ናይ ኣጽዋር ንግድንብሰብ ዝካየድ ናይ ኣየር ምክልኻል ኣገባባትን። ማት ሽሮደር ካብ ሶማል።
ሓድሽ ጸብጻብ ናይ ሕ.መ. ናይ ሶማል ተዓዛቢ ጉጅለ ብዛዕባ ኣብ ወርሒ መጋቢት፣ ብሕሉፋውያን ናይ እስላም ጉጅለታት፣ ካብ መሬት ናብ ኣየር ብዝኸይድ ሚሳይል ዝወደቐት (ብመንኮብ ሰብ ብዝትኲስ) ናይ በላሩስ ነፋሪት ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣለዎ። ካብዚ ናይ ሕ.መ. ጸብጻብ ዝተዋጽአ ኣብዚ ተመልከት።

ኣብ መጋቢት 23፣ 2007፣ ኣብ 1700 ሰዓት ኣቢሉ፣ ሓንቲ ትራንሳቪያእክስፖርት (ናይ በላሩስ) ዝዋንአ IL-76 ናይ ጽዕነት ነፋሪት፣ ብናይ ኣል ሸባብ ተዋጋእቲ ብዝተሰደደላ ሚሳይል ኣብ ጸጋማዊ ክንፍ ስለዝተሃረመት ወዲቓ። እታ ነፋሪት ምስ 11 ሰራሕተኛታትን ተሳፈርትን ኣብ ትሕት ዝበለ ሃዋህው ውሑድ እዋን ድሕሪ ናብ ኣየር ምትንሳኣ እያ ተሃሪማ። ኣቐዲማ ኣቑሑን ተለዋዋጢ ነገራትን ንሓንቲ ካልእ ህጹጽ ኣብ ናይ ሞቓድሾ ኣህጉራዊ መዓርፎ ክትዓልብ ንዝተገደደት ነፋሪት ኣብጺሓ ክትምለስ ከላ እዩ እዚ ኣጋጢሙ።

እዚ ነዚኣ ነፋሪት ሃሪሙ ዘውደቓ ሚሳይል SA-18 ዝተባህለ (MANPAD, Man Portable Air Defence System) ኢዩ። እዚ SA-18 ሓደ ካብቲ ኤርትራ ንኣል ሸባብ (ICU/) ዘብጽሓቶ ሹዱሽተ SA-18ታት እዩ ዝብል ጸብጻብ ኣሎ። ናብታ ነፋሪት ክልተ ሚሳይል እየን ተተኲሰንኣ። ሓንቲ ሃሪማ፣ ሓንቲ ሲሒታታ። ብ27 ሚያዝያ 2007፣ ተዓዛቢ ጉጅለ (ናይ ሕቡራት መንግስታት ብዛዕባ ሶማል) እዚ ክኸውን እንከሎ ዘርኢ ቪድዮ ንኮሚቲ ምስ ጸብጻቡ ኣቕሪብኑ ኣርእዩን።

ብማት ሽሮደር ዝተጻሐፈ።  
ጠመተ ሚሳያል፤ ሶማል (ቁጽሪ 1)
ናይ ኣጽዋር ንግድን፣ ብሰብ ዝካየድ ናይ ኣየር ምክልኻል ኣገባባትን። ብማት ሽሮደር ሶማል።
ዕጡቓት ናይ ሶማል ጉጅለታት፣ ብዛዕባ’ቲ ካብ ሕጊ ወጻኢ ብዝኾነ ኣገባብ ዝረኸብዎ SA-18 ኢግላ ሚሳይላት፣ እዚ ጸብጻብ ናይ ሕ.መ. ናይ ሶማል ተዓዛቢ ጉጅለ ሓድሽ መብርሂ ሂቡሉ ኣሎ። ካብ 2006 ጀሚሩ፣ ኣብ ሶማል ዝርከቡ ናይ ሕ.መ. መርመርትን ጋዜጠኛታትን ብደርዘን፣ ብኣማኢት’ውን ክኸውን ዝኽእል ናይ ብመንኮብ-ዝትኲስን ካብ መሬት ናብ ኣየር ሚሳይላት ናብ እስላማውያን ዕጡቓት ተዋጋእቲ (Islamic insurgents) ምትሕልላፉ መዝጊቦም እዮም። ምዕብልናን ምርቓቕን ናይዚ ሚሳይላት ካብቲ ዝተሓተ SA-7b ስትረላ ክሳብ 3ይ ደረጃ ዝኾነ SA-18 ኢግላ የጠቓልል። ኣብ መጋቢት 2007፣ ብክልተ SA-18ታት ዝተተኲሰላ ናይ በላሩስ ኢልዩይሽን 76 ናይ ጽዕነት ነፋሪት ካብ ሞቕድሾ መዓርፎ ድሕቲ ምልዓላ ተሃሪማ ወዲቓ። ኩሎም ኣብኣ ዝነበሩ 11 ሰራሕተኛታት ሞይቶም።    

ጠመተ ሚሳይል፤ ሶማል (ቁጽሪ 2)
ናይ ኣጽዋር ንግድን፣ ብሰብ ዝካየድ ናይ ኣየር ምክልኻል ኣገባባትን። ብማት ሽሮደር ሶማል።
ሲኤን ኤንን አኤፍ ፒ ኣል ሸባብ ዝበሃል ሕሉፍ ክንፊ ናይ ሶማል ዕጡቕን (ጸረ መንግስቲ) ጉጅለን ናይ እስላማዊ ኣብያተ ፍርዲ (ICU)ን፣ ንዝኾነት ኣብ ሞቓድሾ መዕርፎ ክትዓልብ ዝፈተነት ዝኾነት ነፋሪት ከም “ናይ ጸላኢ ተዋጋኢ” ከምዝርእይዋ ፈኪሮም ክብሉ ዜና ኣውጺኦም። እዚ ፈኸራ እዚ ይብል አኤፍፒ፣ ኣብ ኢንተርነት ወጺኡን ብናይ ኣል ሸባብ መራሒ ሙኽታር ሮቦው ተረጋጊጹ። እዚ ናይ መርበብ ኢንተርነት ከምዝብሃል ነዚ ፈኸራ እዚ ዘምኽንይ ዝርዝርን ብተወሳኺ እውን ናይዚ መዕርፎ ነፈርቲ ብናይ “ዩጋንዳን ቡልጋርያን ዕሱባት” ስለዝጥቀሙሉን፣ ካብቲ መዕርፎ ዝርከብ ገንዝብ ናብ ኢትዮጵያ መንግስቲ ስለዝኸይድን፣ ከምኡውን ን”ናይ ሶማል ናይ ሃይማኖት ሰባት” ምህዳድ ብእስራኤልን ናይ ኣሜሪካ ስለያ ኣገልግሎታት…ወዘተረፈ ኣለዎ።  

እዚ ኹሉ መጠንቀቕታታት፣ ምስ ናብ ሓንቲ ክትዓልብ እትብል ነፋሪት ዘነጻጸረ ናይ መንኩብ-ዝትኲስ ሚሳይል ዝሓዘ ስእሊ ዝተሓሓዘ ዝርዝር፣ እዩ ይብል እቲ ዜና።  

እዚ ፈኸረ ብቐሊሉ ክርእ የብሉን። ፋስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሶማል ሓንቲ ካብተን ሰለስተ ናይ ማንፖድስ ዝሰልኲሉ “ውዑይ” ቦታት እያ ኢሉ። እዚ ድሕሪ ብዙሕ ጸብጻባት ብዛዕባ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝገበር ናይ ሚሳይላት ንጥፈታትን፣ ዝበዝሕ ካብ ናይ እስላም ኣብያተ ፍርድን ኣል ሸባብን ዝተረኽበን ኢዩ። ናይ ሕ.መ. መርመርቲ ብ2006፣ እንተወሓደ ሹድሽተ ዝኸውን ናይ ማንፖድስን ካልእ ኣጽዋር ጽዕነታት፣ ናብዚ ብናዕብን ምትህርራምን ዝካየድ (the violent Insurgent group)፣ ናይ “50 ዝኸውን” ጽዕነት ናይ “ካብ መንኩብ-ሰብ ዝትኲስ ካብ መሬት ናብ ሰማይ ሚሳይልን ካልኣይ ድረጃ ናይ ብጸልማት ዘርኢ ጸረ ታንክ ኣጽዋር” ካብ ኤርትራ ከምዝመጸን፣ “45 ዝኸውን” ድማ ካብ መሬት ናብ ኣየር ሚሳይል ካብ ኢራን፣ ስለስተ ካብ መሬት ናብ ኣየር ሚሳይል ድማ ካብ ሶርያ ከምዝመጸ ክፈልጥ ኪኢሉ።  

ኣብ ነፍስ ወከፍ ናይዚ ጉዳያት፣ እተን ሚሳይል ምስ ካልእ ዝብዝሐ ናይ ኣጽዋር ጽዕነትን ብደርዘን ዝቑጸር ሸጓጉጥን፣ ማሺን ጋንን፣ ካልእ ፍዂስ ዝበለ ካልእ ኣቑሑን እዩ ኔሩ።

ብድሕር’ዚ ኣሶስየትድ ፕረስ እስላማዊ ኣብያተ ፍርዲ (ICU)፤ 200 (ክልተ ሚእቲ) ብመንኩብ-ሰብ ዝትኲስ ሚሳያላት ካብ ኤርትራ ጥራሕ ከምዝተቐበለ ዜና ኣመሓላሊፉ።

እስላማውያን ብመጋቢት 2007፣ ክልተ ምዕቡላት SA-18 ሚሳይላት ናብ ሓንቲ ናይ በላሩስ ናይ ጽዕነት ነፋሪት ተኲሶም። እዚኣ ካብ ናይ ሞቓድሾ ኣህጉራዊ መዕርፎ ክትላዓል እንከላ እዩ እቲ ጉዳይ ተኻይዱ። ሓንቲ ሚሳይል ነታ ነፋሪት ስለዝሃረመታ ኣብ መሬት ወዲቓ እቶም ኣብኣ ዝነበሩ ኩሎም ዓሰርተ ሓደ ሰባት ተቐቲሎም። ናይ ሕ.መ. መርመርቲ ብዝገበርዎ እቲ ነዚኣ ዝሃረመ ሚሳይል ሓደ ካብተን ሹድሽተ SA-18ታት ካብ ኤርትራ ዝተረኽበ ጽዕነት ምዃኑ እዩ። ብሰነ፣ሓምለ፣ነሓሰ ኣቢሉ ሕ.መ. ኣብ ሶማል ዝተረኽበ ካልእ SA-18፣ ኤርትራ ብ1995 ካብ ዝተቐበለቶ ናይ ሩስያ ሚሳይል ሓደ ምዃኑ ፈሊጦም። መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ሚሳይልትን ካልእ ኣጽዋርን ንእስላማዊ ኣብያተ ፍርዲ (ICU) ይህብ ኢዩ ንዝብል ኣሉታ ይህቡሉ።   

 

 * * * 

አቪደንስ ትብል ጠመተ፤ ሸባብ ትዕድም ሰበብ ይመጽእ።

ባዕልኹም ፍረዱ። እዚ ንዝደለዮ ክርከብ ዝኽእል ሓበሬታ ንህ.ግ.ደ.ፍ. ስለምንታይ ጸላዕላዕ ኢልዎም ከምዘሎ ክርድኣካ ኣይክእልን ኢይ። ህ.ግ.ደ.ፍ. ብመሪሕነት ኢስያስ “ኣይተንብቡ፣ ኣይትሕሰቡ፣ ብዘይካና ካልእ ዝብለኩም ከይተንብቡን ከይትሰምዑን፣ ማለት ባዕልኹም ኣንቢብኩምን ሰሚዕኩምን ኣብ መደምደምታ ናብ ምብጻሕ ዓቕሚ የብልኩምን። ኣብ ክንዳኹም ንሕና “ንሱ” ኣለና” ኢዩ። 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...