ትማሊ ጥሪ 21፣ 2010፤ ኣብ እስራኤል ንክሰርሑ ዝደለዩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብምጭዋይ፣ ነዚኦም ንምፍታሕ ድማ ካብቶም ኣብ ሃገር (እስራኤል) ዝርከቡ ስድራ ቤቶም ገንዘብ ብሓይሊ ብምውሳድ፣ ክልተ ኤርትራውያን ተኣሲሮም ክብል ሀረትዝ ዝተባህለ ናይ እስራኤል ናይ ዜና መርበብ ብተወሳኺ ሓቢሩ።  (ኣብቲ ሰማያዊ ዝሕብሩ ቀለበት ጠውቑ ንዝያዳ ሓበሬታ)።

ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ ቤት ፍርዲ ነዞም ክልተ - ንባዕሎም ስደተኛታት ዝኾኑ - ኤርትራውያን ምስ ሓደ ምስራዊ ብምትሕብባር ብናይ ሰብ ምጭዋይን ገንዝብ ካብ ቤተ ሰቦም ምውሳድ ማለት ብሲናይ ምድረ በዳ ኣቢሎም ናብ እስራኤል ክኣትዉ ንዝፍትኑ ኣፍሪቃውያን ብምሓዝ እዮም ተኸሲሶም።

እቲ ፍርዲ ናይዞም ክልተ ኤርትራውያን ጉዳይ ከጻሪ እንከሎ፣ እዚ ናይ ምስራውያን ናይ ጭውያን ገንዝብ ምጥላብ ጉጀለ፣ ብደርዘን ንዝቑጸሩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት መጀመርታ ይጨውይዎምን፤ ድሓር ኣብ ዶብ እስራኤልን ምስርን ዝርከብ ቦታ ይእስርዎም ከምዝነበሩ እዩ። ብድሕርዚ ነቶም ስደተኛታት፣ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ኣሲሮም፣ የጥምይዎምን፣ ይጋሰስዎምን፣ ይቕጥቕጥዎምን፣ የሳቕይዎምን። ኣብዚ እቶም ኣሰርቲ ብናይ ኤለክትሪክ ስቓይ ከም ዝገብሩሎምን ብዝረሰነ ሓጺን ቆርበቶምን የንድድዎምን ይብሉ ፖሊስ።

እቶም ስደተኛታት ናብቲ ቦታ ምስተወሰዱ እቲ ናይ ምስራዊ ጉጅለ፣ ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ስድራ ቤት ከም ዘለዎም ከምዝፈልጡ ይገብሩ።

እዞም ተኸሰስቲ ነጋሲ ሃብታይን ፓታዊ ገብረእግዚኣብሔርን፣ ናይዞም እሱራት ቤተ ሰብ ኣብ እስራኤል ብምርካብ ንኽፈትሕዎም ካብ $2,000-$4,000 ተቐቢሎም ይበሃል። እዚኣቶም ነዚ ክገብሩ እንከለዉ (እቶም ቤተ ሰብ) እንተድኣ ዘይከፊሎም ነቶም እሱራት ከም ዝጎድእዎምን ከምዝቐትልዎምን ነጊሮምም ይብል እቲ ክሲ። ብድሕሪዚ ነቶም ኣባላት ስደራ ኣብ ስልኪ ምስ እሱር (ጭዉይ) ብምርኻብ ነቲ ዝወርዶም ዘሎ ስቕያት ከምዝገልጹሎም ይገብሩ።

ፖሊስ እዞም ክልተ ነቲ ዝረኸብዎ ገንዘብ ናብቲ ጉጀለ ብናይ ባንክ ምትሕልላፍ ድሕሪ ምሃቦም፣ ነቶም ዝጨወይዎም ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ዶብ ጢሒሶም ናብ እስራኤል ከምዝኣተዉ ይገብሩ ክብሉ ሓቢሮም። ኣብቲ ምልውዋጥ ካብቲ ዝተኸፈለ ገንዝብ ብጽሒቶም ይረኽቡ።

እዞም ሰባት ብግዲ ገንዘብ ምውሳድ (ኢክስቶርሽን)፣ ገበን ንምፍጻም ውዲት ምግባርን፣ ሰብ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ዶብ ጢሒሱ ንኽኣቱ ምሕጋዝን ምትሕብባርን እዮም ተኸሲሶም ዝርከቡ። እንተድኣ በዚ ክሲ ገበነኛታት ምዃኖም ተበዩኑሎም ክሳብ 20 ዓመት ክፍረዱ ይኽእሉ እዮም።

ናይ ፖሊስ ዋና ኢንስፐክተር ራናናን ባሩክ “ነዚኣቶም ምስቲ ገበን ዘተኣሳስር፣ ብናይ ስደተኛታት ምስክርን፣ ብጽን (ምስማዕ ስልክን) ዝረኸብናዮ ጭብጥታትን ኣሎ” ኢሉ።

ናይቶም ተኸሰስቲ ጠበቓ ዝኾነት ማያ ገላዲ ብወገና ክልቲኦም ኣብዚ ጉዳይ ንጹሃት ከምዝኾኑን “ንባዕላቶም ስደተኛታት እዮም። ገለ ካብ ኣዝማዶም ከምዚ ዝዓይነቱ ሽግር ኣሕሊፎም እዮም” በለት።

ኣብ ናይ እሲራኤል ካብ ወጻኢ ናይ ዝመጽኡ ሰራሕተኛታት ስልኪ (ናይ ሽግር መንገሪ) እትርከብ ሲጋል ሮዘን፣ ኣብ እስራኤል ኣስታት 20,000 ዝኾኑ ከምዘለዉ ሓቢራ። ካብዚኣቶም 300 ኣፍሪቃውያን - ዝበዝሑ ካብ ኤርትራን ሱዳንን ካልኦት ብኲናት ዝተበከላ ሃገራትን ዝመጹ፣ ኣብ ወርሒ ናብ እስራኤል ክኣትዉ ይፍትኑ። እዚኣቶም ብሰብ ብዝሽቅጡ ሰባት ተመሪሖም ኣብዚ ሓደገኛ መንገዲ ንስቓይን፣ ንምትሓዝን፣ ንሞትን ይቃልዑ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...