ኤርትራን ሊብያን ንስደተኛታት ብሓይሊ ንምምላስ ውዲት ይገብራ ኣለዋ ይብል ናይ ሰብኣዊ መሰል ተጣባቒ ጉጅለ ሶሊዳሪቲ ኣሶሲየሽን።

ጥሪ 19፣ 2010 (ኣዲስ ኣበባ) - ሓደ ኣብ ስደት ዝርከብ ናይ ኤርትራውያን ሰብኣዊ መሰል ተጣባቒ፣ ሶሊዳሪቲ ማሕበር ንፍትሕን ደሞክራስን፣ ሰበ ስልጣን ሊብያ (ኣብ ትርቡሊ) ምስ ወካሊ መንግስቲ ኤርትራ ብምትሕብባር፣ ንብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ናብ ኤርትራ ብግዲ ንምምላስ ውዲታዊ ስምምዕ ይገብሩ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ኣብቲ ንሱዳን ትሪብዩን ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ እቲ ጉጅለ፣ ንናይ ሊብያ ሰበ ስልጣን፣ ኣብዚ ዝስዕብ ተግባራት ይሳተፉ፥ ማለት መሰል እሱራት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምግሃስን፣ ብምስቓይን፣ ብምቕጥቓጥን፣ ከምኡውን ካብቲ ዝሃደሙሉ ኤርትራ ንምምላስ ምፍርራሕን፣ ከሲስዎም።

ናይዞም ኣስታት 700 ዝኾኑ፣ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ኅጻናትን ዝርከብዎም፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኩነታት፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን እናበኣሰ ይኸይድ ኣሎ ክብል እዚ ተጣባቒ ኣተንቢሁ። እዚ ኩነታት ብዝያዳ ብድሕሪ እቲ “ሰበ ስልጣን ሊብያ ንናይ ኤርትራ ኤምባሲ ወከልቲ መዓጹ ኣብያተ ማእሰርትታት ብምርሓው፣ እዞም ወከልቲ ኣብኡ ኣትዮም ነቶም እሱራት ናብ ኤርትራ ከም ዝምለሱ ምዃኖም” ድሕሪ ምፍርራሖም እዩ ኣውራ ገዲዱ ይብል።

እዚ ናይ መሰል ተጣባቂ ጉጅለ፣ ኩነታት ናይዞም እሱራት ኤርትራውያን ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦን ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ተኸታቲሉ ንግድነታዊ ምምላስ ናብ ኤርትራ ክቃወም ሓቲቱ።   

“ነዞም ኣብ ሊብያ ተኣሲሮም ዝርከቡ ስደተኛታት መሰል ንምሕላው፣ ናይ ሕ.መ. ናይ ስደተኛታት ኮሚሽነር (UNHCR) ኣብዚ ጉዳይ ብቕልጡፍ ክኣቱ ንሓትት” ይብል እቲ መግለጺ። ካብዚ ጉጀለ እዚ ዝተረኽበ ሓበሬታ፣ ሰበ ስልጣን ሊብያ ነቶም ኣብ ሱርማን፣ ዓዚዊያን፣ ጋራቡሊ ዝርከቡ እሱራት ስደተኛታት፣ ናይ ኤርትራ ኤምባሲ ብዝወሰዶ ስእልን ዝሃቦም ፎርም ብሓይሊ ከምዝመልኡ ጌሮም ኣለዉ። ነዚ ምግባር ዝኣበየ እሱር ነቲ ኣዝዩ ውሑድ ዝኾነ ናይ ቤት ማእሰርቲ መግቢ ይኽላእን፤ ብኤለክትሪክ ከይተረፈ ይቕጥቐጥን እዩ ይብል።

“እዚ ብሰበ ስልጣን ሊብያ ዝውሰድ ዘሎ ግፍዓዊ ስጉምቲ እዚ፣ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ኣዝዩ ኣስምቢድዎም እዩ። ናብ ኤርትራ ብሓይሊ ምምላስ ንህይወት ስደተኛታት ኣብ ሕደጋ ከምዘእቱን ንግፍዕን ማህረምትን ማእሰርትን የቃልዖም እዩ”።

“ናይቶም ካብ ማልታ ብ2002፣ ብ2004 ካብ ሊብያ፣ ከምኡ’ውን ብ2008 ካብ ምስሪ፣ ዝተመልሱ እሱራት ጉዳይ፣ ጌና ካብ ኣእምሮ ህዝቢ ኤርትር ኣሎ።”

“እዚኦም ኣብ ዓበይቲ መካይን ተጻዒኖም፣ ካብ መዓርፎ ነፍርቲ ትኽ ኢሎም ናብ ዘይተፍልጠ ኣብያተ ማእሰርቲ እዮም ተወሲዶም። ቤተ ሰቦም ድማ ክሳብ ሎሚ ይበሳበሱ ኣለዉ።” ይብል እቲ መግለጺ። እቲ ጉጅለ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናይ መንግስቲ ኢጣልያ ንስደተኛታት ዘይምቕባልን ናብ ሊብያ ምምላስን ወጊዙ። “እዚ ኣብ ልዕሊ ብሰንኪ ብጭካነኡ ንዝተፈልጠ ዲክታተርነት ካብ ሃገሮም ዝሃድሙ ንዘለዉ ዝወርድ ጸረ ሰብኣውነት ናይ ኤርትራውያን ተግባር እዩ።”

እቲ ጉጀለ፣ ንናይ ኢጣልያ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን፣ ናይ ሰራሕተኛታትን፣ ሰብኣዊ ማሕበራትን፣ ናይ ኢጣልያ ዜጋታት፣ ነዚ ዘይሰብኣዊ ተግባር ክቃወሙን መሰል ኤርትራውያን ስደትኛታት ኣብ ሊብያ ንምሕላው ተግባራዊ ንጥፈታት ከካይዱ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ብዙሓት ኤርትራውያን እሱራት ካብ ሃገሮም ዘህድሞም ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው እዩ። ከምቲ ብኣምነስቲ ኣህጉራዊ ዝተሰነደ፣ ጉዳይ ዝበዝሑ እሱራት ካብቲ ንዘይተወሰነ ግዜን ግድነትን ዝኾነ ንካብ 18 ዓመት ክሳብ 40 ንዝዕድሜኡ ሰብ ዝጥለብ፣ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክሃድሙ እዮም ካብ ኤርትራ ዝወጹ። እዚኣቶም ናይ ምምላስ ተኽእሎ ስለዘሎ ኩል ግዜ ኣብ ፍርሒ ይርከቡ። ካብ ሊብያ ዝተመልሱ ኤርትራውያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከመዝዳጎኑን፣ ከምዝህረሙን፣ ከምዝእሰሩን፣ ካብ ሰብ ተፈልዮም ንበይኖም ከመዝማሱን እዩ ዝፍለጥ።

ኣህጉራዊ ናይ ሕ.መ. ናይ ሰደተኛታት ወከልቲ (UNHCR)፤ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያን እሱራት ብዘይ ክሲ ከምዝእሰሩ፣ መሰሎም ከምዝንፈግን፣ ስቓይ ከምዝወርዶምን፣ ጠበቓ ንምዝራብን ዑቕባ ንኽሓቱ ዕድል ከምዘይረኽቡን፣ ናይ ውልቃዊ ንዋትን እውን ከምዝውሰዶም መስኪሮም እዮም።

ብተወሳኺ (እቶም ቅድሚ ሎሚ ዝተመልሱ) ናበይ ከምዝኸዱ ኣይተነግሮምን ከምኡ’ውን ምምላስ ምዃኑ እታ ነፋሪት ኣብ ኣየር ምስደየበት እዮም ፈሊጦም።

ሊብያ፣ ንኣህጉራዊ ናይ ሲቪልን ፖለቲካዊ መሰላትን ንናይ ውድብ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ሓድነት ውዕል ፈሪማን ኣጽዲቓን ስለዝኾነት፣ ሊብያ “ንስደተኛታት ኣብ ዝምለስዎ ሃገር፣ ጽኑዕ ናይ መስል ምግፋፍን ምስቃይን ክወርዶም ስለዝኽእል ንኸይትመልሶም“ ትግደድ እያ። ብተወሳኺ፣ ሊብያ ብሰነ 2004 መንግስታዊ ኣባል ናይ ኣህጉራዊ ውዕል መስል ምሕላውን ምክልኻልን ናይ ስደተኛታትን ቤተ ሰቦምን ኮይና እያ።  

እንተኾነ ግን፣ ሊብያ እትገብሮ ዘላ ኣተሓሕዛ ናይ ስደተኛታት፣ ኣንጻር ነቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ውዕላትን፣ ንኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ዝሃበቶ ስምምዕ ከምዘይተኽብር እዩ ዘርኢ።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...