ሕ.መ. (ሮይተርስ) - ናይ ሕ.መ. ናይ ጸጥታ ቤት ምኽሪ ኣባላት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ ኣጽዋር እገዳ ክግበር ከምዝተሰማምዑን፣ ከምኡ እውን ንናይ ሶማል ተጻባእቲ ብምሕጋዞም ኣብ ልዕሊ ናይ መንግስትን ወተሃደራዊ ላዕለዎት መራሕትን ናይ ምጋሽን ናይ ዋንነት ንብረት ምድስካል ስጉምቲ ኣብዚ ወርሒ እዚ ክትግበር እዩ ክብሉ ዲፕሎማስያውያን ሓቢሮም።

ኣሜሪካን ካልኦት ናይ ጸጥታ ቤት ምኽሪ ኣባላት፣ ናይ ሶማል እስላማውያን ተጻባእቲ ነቲ ብሕ.መ.ን ዝድገፍ መንግስቲ ሶማል ንምዕላው ኣብ ዝገብርዎ ቃልሲ፣ ኤርትራ፣ ብገንዘብን ብወተሃደራዊ ንዋትን ትሕግዝ ኣላ ክብሉ ይኸስዋ። ሶማል ብዘይ መንግስቲ ኣብ ስርዓተ ኣልቦነት ዘላ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር እያ።

እዚ ብዩጋንዳ ዝተነድፈ ንኤርትራ ናይ ምቕጻዕ ውሳነ፣ ዝበዝሑ ናይቲ 15 ዝቁጽሮም ኣባላት ከምዝድግፍዎን እዚ ድማ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ብድምጺ ክሓልፍ ይጽበዩ ከም ዘለዉ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ዘለዉ ናይ ምዕራብ ዲፕሎማስያውያን ሓቢሮም።

ሮይተርስ ነቲ ዝተሓደሰ ንድፊ ብሮቡዕ ረኺብዎ።

ኣብ ርእሲ እዚ እገዳ እዚ፣ እቲ ንድፊ፣ ኤርትራ ኣንጻር ሽይኽ ሻሪፍ ኣሕመድ ዝፕረሰደንታ ሶማል እትገብሮ ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ “ንኹሎም ኣጽዋር ዝሓዙ ጉጅለታትን ኣባላቶምን ንኣልሸባብ እውን” ደው ከተብል ይእዝዝ።

ስሞም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ዲፕሎማስያውያን ከምዝብልዎ፣ እቲ ድምጺ ብኹለን ኣባላት ክሓልፍ ከምዘይጽበይዎ ይሕብሩ። ምኽንያቱ ሊብያ ኣንጻር እዚ እገዳ ከም እትመርጽ ነጊራ እያ። እንተኾነ ግን ናይ ትሪቡሊ ድምጺ እውን ንምርካብ ኣብቲ ንድፊ ተወሳኺ ለውጢ ክገብሩ ድልዋት ምዃኖም ገሊጾም።

ዝበሕሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ሕብረት ነዚ ኣንጻር እዛ ናይ ሶማል ጎረቤት ዝኾነት ሃገር ዝውሰድ ስጉምቲ ከምዝድገፋ ምስተራእየ፣ እተን ብዘልማድ እገዳ ኣብ ምግባር ኩል ግዜ ዝቃወማ ዝነበራ ሩስያን ቻይናን እውን ነቲ ስጉምቲ ክድግፋ መሪጸን ኣለዋ ይብሉ ዲፕሎማስያውያን።

ሓደ ዲፕሎማት፣ “ኣብ ርእሲ ኤርትራ እገዳ ዝገብር ቀንዲ ረቛሒ ድማ ኤርትራ ንናይ ሶማል ተጻባእቲ ብምሕጋዛ ሚዛናዊ ዝኾነ ንድፊ ኣዳሊና ስለዝኾና 14 ድምጺ ክንረክብ ኢና” ኢሉ።

ናይ ሊብያ ምእባይ
ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዝርከቡ ናይ ምዕራብ ዲፕሎማስያውያን ብዛዕባ እዚ ንድፊ ዝካየድ ዘተ ክሳብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ዝቕጽል መሲሉዎም ነይሩ። እንተኾነ ግን ሩስያን ቻይናን “ዘይተለምደ ምትሕብባር” ምስ ኣርእዩ እቲ ስምምዕ ቀልጢፉ ተበጺሑ።

ሊብያ ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ሕብረት መንበር ሒዛ ስለዘላ እቲ ኣንጻር እገዳ ዝወሰደቶ ተግባር ንብዙሓት ኣገሪምዎም እዩ። ምኽንያቱ ዝበሕሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ሕብረት ነዚ ኣንጻር ኣስመራ ዝግበር ናይ ሕ.መ. እገዳ ሓሳብ ብመሰረቱ ስለዝድግፋ እዩ።

እዚ ሕጂ ወጺኡ ዘሎ ናይ ንድፊ ስጉምታት ካብቲ ኣቐዲሙ ዝወጸ ብዙሕ ፍልልይ የብሉን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እቲ ቀዳማይ ንድፊ ኣብ መንጎ ናይ ጸጥታ ኣባላት ተዘርጊሑ ነይሩ።

እዚ ንድፊ ዘስዕቦ ስጉምቲ ንኣስመራ ናይ “ኣጽዋርን ካልእ ምስኡ ዝኸይድ ንዋትን” መሸጣ ይኽልክል። ከምኡ እውን ኤርትራ ባዕላ ኣጽዋር ከይትሸይጥ ይኽልክል። ኣባላት ሕ.መ. ዝኾና ሃገራት ዝተኸልከለ ኣቑሑ ካብ ኤርትራን ናብ ኤርትራን ዝንቀሳቐስ ክፍትሻ ስልጣን ክህብ እዩ።

ሓንሳብ እቲ እገዳ ብድምጺ ምስሓለፈ፣ ናይቲ ቤት ምኽሪ ናይ ሶማል እገዳ ኮሚቲ ኣየኖት ኩባንያታትን ውልቀ ሰባትን ናይ ሕ.መ. ናይ ምጋሽ እገዳን ናይ ዋንነትን ንብረትን ምድስካልን ከምዝገበረሎምን ክውስን እዩ።

ብ2006 ናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ሰራዊት ኣብ ሞቓዲሾ ምስ ኣተዉ ካብኡ ዝወጽኡ ገለ ገለ ሶማላውያን ተጻባእቲ ኣብ ኤርትራ ተዕቑቦም ከምዝነበሩ ይዝከር።

ናይ ሕ.መ. ናይ ጸጥታ ቤት ምኽሪን፣ ሕብረት ሃገራት ኣፍሪቃን፣ ኣሜሪካን ንሶማል ኣብ ምድኻም ብእትጻወቶ ተግባር ንኤርትራ ብዙሕ ግዜ ኣጠንቂቐን እየን። ኤርትራ ንኣል ሸባብ ምሕጋዛ ትነጽጎን ኣብ ልዕሊኣ እገዳ ዘግብር ምኽንያት ከምዝየለ ትገልጽ።

ኣብ ልዕሊ ሶማል ኣብ ዝተገብረ ናይ ኣጽዋር እገዳ ምጥሓስ ንኽቋጻጸር ብ1992 ዝቖመ ናይ ሕ.መ. ናይ ኣጽዋር እገዳ ኣካል፣ ኣስመራ ንናይ ሶማል ተጻባእቲ ሓይልታት ብኣየር ኣጽዋርን ጠያይትን ትልእኽን ናይ ምስላጥ ስራሕ እውን ከምእትገብረሎም ሓቢሩ።

ናይ ሶማል ዲክተተር ብ1991 ድሕሪ ምውጽኡ፣ እታ ሃገር ንዕስራ ዓመታት ኣብ ስርዓተ ኣልቦነት ዝጠሓለት ክትከውን እንከላ እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ማእከላዊ መንግስቲ ናይ ምምስራት ሓድሽ ፈተነ ካብቲ ዝሓለፈ 14 ተግባራት ዝያዳ ኣድማዕነት ክህልዎ እዩ ዝብል ፍሉይ ምልክት ኣይተራእየን።

(ኤዲት ብፖል ሲማኦ)

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...