ዑቕባ ተዋሂቦም

ሕቡራት መንግስታት ናይ ስደተኛታት ኮሞሽነር ነቶም 12 ናይ ኤርትራ ኮዑሶ ተጻወትቲ መሰል ናይ ስደተኛታት ብምትግባር ዑቕባ ሂብዎም ክብል ናይ ስታንዳርድ ዜና ማዕከን ጋዜጠኛ ሳይረስ ኦምባቲ ሓቢሩ።

እዚኣቶም ንጉዳዮም ናይ ሕ.መ. ናይ ስደተኛታት ኮሚሽነር ቤት ጽሕፈት ክሳብ ዘሳልጦ ኣብ ሃገረ ከንያ መጽንሒ ዝኽውን ፍቓድ ተዋሂቦም ኣለዉ።

ናይ ከንያ ናይ ኢሚግረሽን ሓለፍቲ ብረቡዕ ነዞም ተጻወትቲ ብወግዒ ምስኣዛራረብዎም ጉዳዮም ተጻርዩ ብሕ. መ. ናይ ስደተኛታት ኮሞሽነር ዑቕባ ተዋሂቦም።

እዚ ንሰለስተ ወርሒ ዘገልግል ፍቓድ ድሕሪ ምቕባሎም ናብ ዘይፍሉጥ ቦታ ተወሲዶም ኣለዉ።

“ኣብ ትሕቲ ናይ ሕ.መ. ናይ ስደተኛታት ኮሞሽነር ጽላል ስለዘለዉ ክእሰሩ ኣይክእሉን እዮም” ክብል ሓደ ስሙ ክዕቀበሉ ዝደለየ ናይ ሕ.መ. ሓላፊ ሓቢሩ።

እዞም ተጻወትቲ ካብ ኣስመራ ክብገሱ እንከለዉ ዝፈረምዎ ወረቓቕቲ ብምርኣይ ናብ ኤርትራ እንተድኣ ተመሊሶም ከምዝበሳበሱ ገሊጾም እዮም።

ነቲ ተረኺቡ ዜና ንምክትታል ኣብ ዝተኣከቡሉ ናይ ከንያ ጋዜጠኛታት እቶም ተጻወትቲ ንገለ ጋዜጠኛታት ብምጉጣጦም ገለ ድራማ ተፈጢሩ ነይሩ።

ድሕሪኡ ግን ተጻወትቲ እቶም ጋዜጠኛታት ክኣስርዎም ዝመጹ ፖሊስ ስለዝመሰልዎም ምዃኖም ብምምልካት ይቕረታ ሓቲቶም።

እዞም ንገለ መዓልታት ጠፊኦም ዝጸንሑ ተጻወትቲ ኣብ ወስትላንድ ናይሮቢ ዝርከብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ስደተኛታት ኮሞሽነር ቤት ጽሕፈት ብናይ ክራይ መኪና ብምምጻእ ንመጀመርታ ጊዜ ተራእዮም። ብድሕር’ዚ ኣብ ንያዮ ቤት ዝርከብ ናይ ሚኒስትሪ ናይ ኢምግረሽን ናይ ስደተኛታት ሰበ ስልጣን ብምርኻብ እቲ ጉዳዮም ተሰሚዑ።

እዚኦም 12፣ ፍርቂ ናይቶም 25 ዝኾኑ ንኤርትራ ወኪሎም ኣብ ናይ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ናይ እግሪ ኩዑሶ ዙርያ ዝሳተፉ ተጻወትቲን ኣሰልጠንትን እዮም።

ነቲ ናይ ኩዑሶ ጋንታ መገሻ ዝወደበ ኒኮላስ ሙሶንየ፣ ጸወታ ወዲኦም እቶም 13 ጥራሕ ብሰንበት ምስተመለሱ እዮም ፖሊስ ተነጊሮም ይብል።

ብድሕር’ዚ ፖሊስ ብዘካየድዎ ምርምር እቶም ዝተረፉ ተጻወትቲ ኣብ ከንያ ዘጽንሕ ቪዛ ከምዘለዎም በጺሖምዎ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...