ብዕለት 9 ታሕሳስ 2009፡ ንወጽዓ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ብዝምልከት ኣብ ፓርላማ ኤውሮጳ ሓደ ናይ ዘተ መኣዲ ተኻይዱ። እቲ ዘተ ብሓሙሽተ ሽወደናውያን ኣባላት ፓርላማ ኢዩ ተበጊሱ። ንሳቶም ድማ፦ ኡለ ሽሚት፣ ኤቫ-ብሪት ስቬንሶን፣ ኤዛቤላ ሎቪን፣ ካርል ሽላይተር ከምኡ ‘ውን ማሪታ ኡልቭስኩግ ዝተበሃሉ ኢዮም። ዳዊት ኢሳቕን ካልኦት ኣሽሓትን ተኣሲሮም እንከለዉ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንመንግስቲ ኤርትራ ዝህቦ ዘሎ ናይ ልምዓት ፋይናንስያዊ ደገፍ ከቋርጽ ከም ዝግባእ፡ እቶም ኣባላት ፓርላማ፡ ከም መሰነይታ ናይቲ ዘተ ኣብ ዘቕረብዎ ሓባራዊ ሰነድ ገሊጾም። ብሓደ ወገን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፓርላማ ኤውሮጳ ደጋጊሙ ክዂንኖ እንከሎ፡ በቲ ኻልእ ድማ ኮምሽን ኤውሮጳ ነቲ መንግስቲ ዝህቦ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ምቕጻሉ ተጋራጫዊ ምዃኑ ብንጹር ገሊጾም። ዝኾነ ዝወሃብ ሓገዝ፡ ምስ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ተተሓሒዙ ብቕድመ-ኹነት ክወሃብ ከም ዘሎ ‘ውን ኣዘኻኺሮም። እንተዘይኮይኑ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይምውሎ ኣሎ ማለት ኢዩ። ስለዚ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣንጻር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ደው ክብል ኣለዎ። “ክሳብ ሕጂ፡ ፓርላማ ኤውሮጳ ዝክኣሎ ይገብር ኣሎ። ኮምሽንን ቤት ምኽርን ኤውሮጳ ስጉምቲ ዝወስዱሉ ግዜ ድማ ኣኺሉ ኢዩ” ብምባል ይድምድሙ። እቲ ሓባራዊ ሰነድ ነቲ ኹነታት ብንጹር ገሊጽዎ ኢዩ።
 
ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ብሚስተር ሽሚትን ሚስ. ስቬንሶንን ምስ ቀረበ፡ መኽፈቲ መደረ ብሚስተር ሉዊ ሚሸል ቀሪቡ። ሚስተር ሚሸል፡ ኣቐዲሙ ኣብ ኮምሽን ኤውሮጳ ናይ ልምዓትን ሰብኣዊ ሓገዝን ኮሚሽነር ዝነበረ ኢዩ። ኣብዚ እዋን ድማ፡ ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ካሪብያንን ፓሲፊክን ብሓደ ወገን፡ በቲ ኻልእ ወገን ከኣ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብሓባር ዘቖምኦ ሓባራዊ ባይቶ፡ ኣቦ መንበር ኢዩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ክልተ ናይ መደረ እብረ ኔሩ። ካብ ዝተፈላለያ ትካላትን ውድባትን ዝመጹ መደርቲ ኔሮም። ኣብቲ ቀዳማይ እብረ መደረ ዘቕረቡ፡ ለይፍ ኦብሪንክን ኢሳያስ ኢሳቕን (ሓው ዳዊት ኢሳቕ) ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብቲ ካልኣይ እብረ ድማ፡ ጀረሚ ሌስተርን ኤርነስት ሳጋጋን ኔሮም።
 
እቲ ዝቐረበ መደረታት፡ ብቐንዱ ኣብ ጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ ዘተኮረ ኢዩ ኔሩ። ብኸመይ ከም ዝተኣሰረ፣ ሕጂ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘሎ፣ ናይ መጻኢ ዕድሉኸ ከመይ ክኸውን ኢዩ፣ ወዘተ ኣብ ዝብል ነጥብታት መብርሂ ሂቦም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ድማ፡ ኣብ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ‘ውን ተዛሪቦም። ኢሳያስ ኢሳቕ ኣብ መደርኡ፡ ብሰንኪ ማእሰርቲ ሓዉ ኣብ ምሉእ ቤተሰብ ወሪዱ ዘሎ ሃስያ ገሊጹ። እቲ መደረ ኣዝዩ ዘሕዝን ኔሩ።

ብዘይክኡ ኣዝዩ ዝመሰጠኒ መደረ ናይ ሚስተር ሚሸል ኢዩ። ሚስተር ሚሸል፡ ኣብ ውሳኔ ናይቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ንመንግስቲ ኤርትራ ዝተወሃበ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ልዑል ተራ ስለ ዝነበሮ፡ ኣብ ኤርትራውያን ተፈላጥነት ኣሕዲሩ ዘሎ ሰብ ኢዩ። ኣብ ርእሲኡ ‘ውን ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ብዙሕ ግዜ ዝተራኸበ ዝለዓለ ኤውሮጳዊ በዓል ስልጣን ብምዃኑ፡ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ከም ናይ ቀረባ ዓርኩ ኢዩ ዝርአ። ሚስተር ሚሸል ብዙሕን ዘስደምምን ሓቅታት ብግልጺ ተዛሪቡ። ንባህርያት ፕረዚደንት ኢሳያስ ብንጹር ብምግላጹ ጥራይ ዘይኮነ፡  ከምኡ ዝኣመሰለ መደረ፡ ዓርኪ ፕረዚደንት ኢሳያስ’ዩ ብዝበሃል ሰብ ስለ ዝተዘረበ ኣዝየ ተገሪመ። ሓቂ ንምዝራብ ፈጺመ ዘይተጸበኽዎ ነገር ኢዩ። ቅድሚ ሕጂ ካብኡ ሰሚዕናዮ ብዘይንፈልጥ ቃና ኢዩ ተዛሪቡ። መደርኡ ይቕረታ ብምሕታት ኢዩ ጀሚርዎ። ብዛዕባ ዳዊት ኢሳቕ ጥዑም ወረ ሒዙ ስለ ዘይመጸ ይቕረታ ሓቲቱ። ንነዊሕ ግዜ ዝከኣሎ ከም ዝፈተነ፡ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ኣብ ነሓሰ 2009 ናብ ኤርትራ ዝገበሮ ዑደት ኣበርቲዑ ከም ዝጸዓረ ገሊጹ።
 
ንሱ ከም ዝበሎ፡ ኣብ ኮምሽን ኤውሮጳ እንከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመትን ፈረቓን፣ ልዕሊ ዝኾነት ካልእ ናይ ኣፍሪቃ ሃገር ንኤርትራ ሓሙሽተ ግዜ ተመላሊሱ። ኣብ ዑደቱ ነገራት ከመሓይሽ ብዙሕ ጽዒሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዕላማ ንምድንፋዕ ብዝብል ተስፋ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ወግዓዊ ዑደት ክገብር ናብ ብራስለስ ከም ዝዓደሞ ‘ውን ገሊጹ። ጻዕሩ ከም ዘይተዐወተ ግን ኣይሓብአን። እኳ ድኣ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ነገራት እንዳኸፍአ ከም ዝኸደ ሓቢሩ። ኣብ ሞንጎ እቲ ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ንኣስመራ ዝገበሮ ዑደት፡ ኣብ ባህርያት ፕረዚደንት ኢሰያስ ዝኾነ ለውጢ ከም ዘይረኣየ ገሊጹ። ሎሚ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ዘሎዎ ርክብ፡ ካብቲ ቅድሚ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓመታት ዝነበረ ዝኸፍአ ኮይኑ ኣሎ ምስ በለ ኣዝየ ተገሪመ። ነዚ ክገልጽ እንከሎ፡ ንባህርያት ፕረዚደንት ኢሳያስ ምስ ባህርያት ፊደል ካስትሮ የወዳድር ኔሩ። ብፍላይ ድማ፡ ካስትሮ ካብ ስልጣን ቅድሚ ምእላዩ ኣብ ዝነበረ ኣዋርሕ ዘርእዮ ዝነበረ ባህርያት ምስ ባህርያት ፕረዚደንት ኢሳያስ ተመሳሳልነት ከም ዘለዎ ጠቒሱ። ክልቲኦም ንኽውንነት ብዝኽሕድ፡ ኣብ ባይታ ንዘሎ ጸገማት ብዘይቅበል፣ ኩሉ ነገር ጽቡቕ ኢዩ ዘሎ ብዝብል ኩነተ-ኣእምሮ ከም ዝሳቐዩ ገሊጹ። እዚ ኣበሃህላ እዚ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ብርግጽ ብሕሉፍን ዘይንቡርን ናይ ኣተሓሳስባ ጸገም ይሳቐ ከም ዘሎ ኣነጺሩለይ።
 
ሚስተር ሚሸል ከም ዝገለጾ፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ጸገም፡ ሰባት ንዝርርብ ኣብ ዝጽመድሉ ግዜ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ንኸይህልዎም ይገብሮም። ብንጹር ከም ዝገለጾ፡ መብዛሕትኡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ዝገበሮ ርክብ፡ ክልተኣዊ ዘተ ዘይኮነ በይናዊ ዘተ ኢዩ ኔሩ። እቲ ሰብኣይ ብዙሕ ምዝራብ ከም ዝፈቱ ኢዩ ገሊጹ። ዘረባ ምስ ጀመረ ድማ ኣየቋርጽን። ልክዕ ከም ፊደል ካስትሮ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ‘ውን ኣብ ገለ ጉዳያት ብደቂቕን ብገዛእ-ተመስጦን ይዛረብ። ዘየድሊ ተክኒካዊ ዝርዝራት ይህብ። ኣብ ባይታ ንዘሎ ክውንነት ድማ ይኽሕድ። ንነብሱ ብዝኾነን ዘይኮነን ነገር ስራሕ የብዝሓላ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ጸጥታ ወይ መጎዓዝያ ክዛረብ እንከሎ፡ ኩሉ ተክኒካዊ ጉዳያት ከብርህ ይደሊ። ሚስተር ሚሸል ነዛ ነጥቢ እዚኣ ከብርህ እንከሎ፡ ሓደ ግዜ ፊደል ካስትሮ ካብ ቀንዲ መዛረቢ ዛዕባ ወጺኡ፡ ዝገበሮ ነገር ከም ኣብነት ይጠቅስ። ኣብ ሓደ ዓይነት መግቢ ብዛዕባ ዘሎ ትሕዝቶ ካርቦሃይድሬት ክገልጽን ከእምኖን ምእንቲ ብገዛእ-ተመስጦን ብዘየድሊ ዝርዝርን ብዙሕ ከም ዝሃለኸ ይሕብር። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ድማ ትም ኢልካ ምስማዕ ጥራይ ከም ዝሓይሽ ኣሚቱ። ኣብዚ እዋንዚ ሓደ ሓሳብ ብልጭ ኢሉኒ። ኣብ ኩሉቲ ናብ ኤርትራ ዝገበሮ ዑደታት፡ ሚስተር ሚሸል ከም ፖለቲከኛ ጥራይ ዘይኮነ ከም ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላ ክዋሳእ ዝግደደሉ ኩነታት ከም ዝነበረ ከስተብህል ፈተነ። ምኽንያቱ፡ ሓደ ሰብ ብዘይንቡር ኩነተ-ኣእምሮ ንዝዛረቦ ዘረባ ኮፍ ኢልካ ክትሰምዕ፡ ፍሉይ ዓቕልን ትዕግስትን ስለ ዝሓትት።
 
ካልእ ሚስተር ሚሸል ዝጠቐሶ ነጥቢ፡ ኣብ ኣእምሮ ፕረዚደንት ኢሳያስ ተሰሚሩ ዘሎ ናይ ግዳይነት ስምዒት ኢዩ። ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ ኣብ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ ‘ውን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት፡ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ግዳይ ኮይነ ኢየ ዝብል እምነት ኣለዎ። ኩሉ ሰብ ኣንጻሩ ኮይኑ ይስምዖ። ነዚ ድማ ኣዕሚቚ ምስ ነብሱ ኣወሃሂድዎ ኢዩ፤ ብርቱዕ ናይ ምሕሳብ ክእለቱ ክሳብ ዝመዛበል። ኣብ ዝተወሰነ እዋን እዚ ምኽንያት’ዚ ሓደ ካብቶም ሚስተር ሚሸል ንፕረዚደንት ኢሳያስ ካብ ዝነጽጎስ ክቐርቦ ይሓይሽ ዝብል መርገጺ ንኽወስድ ዝገበርዎ ረቛሕታት ምንባሩ ኣሚቱ። እንተዀነ ግን እዚ ሜላ እዚ’ውን ውጽኢት ኣይተረኽቦን።
 
ሚስተር ሚሸል ብዛዕባ ናብ ኤርትራ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ዑደት ብፍላይ ንጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ ዝምልከት ኢዩ ኔሩ። ኣብ ኮምሽን ኤሮጳ ካብ ዝነበሮ መዝነት ምስ ወረደ ንጽባሒቱ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ብራስለስ ይረኽቦ እሞ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ብህጹጽ ኣብ ኣስመራ ከዘራርቦ ደልዩ ከም ዘሎ ይሕብሮ። ኣብቲ እዋን እቲ ጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ ኣዝዩ ኣሰሓሓቢ ኮይኑ ስለ ዝነበረ፡ ንሱ ዝፍታሕ እንተዀይኑ ጥራይ ነስመራ ከም ዝኸይድ ነቲ ኣምባሳዳር ይነግሮ። ኣምባሳደር ድማ ጥራይ ኪድ እምበር ክፍታሕ ኢዩ ዝብል መብጸዓ ስለ ዝኣተወሉ፡ ሚስተር ሚሸል ኣብ ነሓሰ 2009 ብሓጎስ ከም ዝተገበሰ ሓቢሩ። ንዳዊት ኢሳቕ ምስኡ ሒዝዎ ክመጽእ ኢዩ ዝብል እምነት ስለ ዝነበረ ድማ፡ በታ ሚስተር ሚሸል ካብ ኣስመራ ዝምለሰላ ነፋሪት ሒዝዎ ክመጽእ ብዝብል ተስፋ፡ ኣብታ ነፋሪት ንዳዊት ቦታ ከም ዝሓዝኡሉ ሓቢሩ።
 
ኣስመራ ምስ በጽሐ ግን፡ ጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ ከም ኣጀንዳ ንፕረዚደንት ኢሳያስ የገድሶ ከም ዘይነበረ ተረዲኡ። ንሕቶኡ ድማ ጨካን ኣሉታዊ መልሲ ተዋህቦ። ጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ (ከም ሽወዳናዊ መጠን)፡ ምስ ሽወደን ብዝግበር ክልተኣዊ ዘተ ዝፍታሕ ደኣ እምበር ንኤውሮጳዊ ሕብረት ዝምልከት ጉዳይ ከም ዘይኮነ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ንሚስተር ሚሸል ገሊጹ ኔሩ። ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዑደቱ ድማ ነዚ ደጊሙሉ። ዳዊት ኢሳቐ ክፍታሕ ከም ዘይኮነ ሚስተር ሚሸል ምስ ተረድአ፡ ኣብ ዘለዎ ቦታ ከይዱ ክበጽሖ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ፍቓድ ሓተተ። እዚ ‘ውን ክግበር ስለ ዘይተኸኣለ፡ ሚስተር ሚሸል ኣዝዩ ከም ዝሓዘነ ገሊጹ። ናይ ፕረዚደንት ኢሳያስ ተግባርን ናይቲ ኣምባሳደር ባዶ መብጸዓን ከም ዘሕፈሮን ከም ዘቖጥዖን ድማ ገሊጹ።
 
ንድርቅና ፕረዚደንት ኢሳያስ ንምግላጽ፡ ሚስተር ሚሸል ዝሃቦ ካልእ መብርሂ ድማ ኔሩ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ንምድንፋዕ ተገዳስነት ከም ዘይብሉ ዘረድእ ኣብነት ኢዩ። ንኣብነት፡ እዚ ሓድሽ ዝቖመ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ሚስተር ጆኒ ካርሰን ዝተበሃለ ናይ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት በዓል መዚ ናብ ኣስመራ ክሰድድ ምስ ደለየ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ምስ ሂላሪ ክሊንተን ወይ ድማ ምስ ባራክ ኦባማ እንተዘይኮይኑ ምስ ካልእ ኣይዛረብን ኢየ ኢሉ ተሓሲሙ። ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ተደጋጋሚ ደብዳበታት ካብ መንግስቲ ኣመሪካ ተጻሒፉሉ ከብቅዕ፡ ድሕሪ ብዙሕ መዓልታት ‘ውን መልሲ ኣይሃበሉን። ብመንጽር ከምዚ ዝኣመሰለ ተጎራፋጢ ወይ ቀራን ኣካይዳ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ምትእምማን ዘለዎ ጽቡቕ ዝምድና ክፈጥር ብዙሕ ከም ዝጸዓረ ሚስተር ሚሸል ይሕብር። ዝተኣትወሉ መብጸዓታት ግን ኣይተፈጸመን። ንሱ ዝከኣሎ ዘበለ ከም ዝገበረ፣ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ጽን ኢሉ ከም ዝሰምዖ፣ ብቓልዕ ከም ዘይኮኖኖ፣ ትዕግስቲ ከም ዘርኣየ ገሊጹ። ገለ ነገር ይርከቦ ይኸውን ዝብል ተስፋ እኳ እንተነበሮ ዋላ ሓንቲ ግን ኣይተረኸበን።
 
ሚስተር ሚሸል ኣብ መወዳእታ ዘቕረቦ ሓበሬታ ብዛዕባ ናብ ኤርትራ ከካይዶ መዲቡ ዘሎ ዑደት ኢዩ። ሚስተር ሽሚትን ሚስ. ስቬንሶንን ‘ውን ኣቐዲሞም ከም ዝገለጽዎ፡ ሚስተር ሚሸል ኣብዚ ዑደት እዚ ናይ ፓርላማ ኤውሮጳ ልኡኽ ኮይኑ ኢዩ ክኸይድ። ፓርላማ ኤውሮጳ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ዘጽደቖ ውሳነ፡ ናብ ፕረዚደንት ኢሳያስ ውልቃዊ ደብዳበ ክሰድድ ወሲኑ ኣሎ። ነዚ ዕማም እዚ ብኣድማዕነት ከሰላስሎ ዝኽእል ሚስተር ሚሸል ኢዩ ተባሂሉ ስለ ዝተኣመነሉ፡ ነቲ ደብዳበ ንሱ ከብጽሖ ተወሲኑ ኣሎ። መዓስ ከም ዝኸይድ ገና ዘይተፈልጠ እኳ እንተዀነ፡ እዚ ዓመት’ዚ ቅድሚ ምውድኡ ወይ ድማ ኣብ መጀመርታ ናይቲ ሓድሽ ዓመት ክኸውን ከም ዝኽእል ኣሚቱ። ብድሕሪኡ እንታይ ከም ዝኸውን ምስ ግዜ ዝርአ ነገር ኢዩ።
 
ከምዚ ዝኣመሰለ ኑዛዜ ሚስተር ሚሸል ምስ ሰማዕኩ ሕቶ ናይ ምሕታት ሸውሃት ኣይነበረንን። እቲ ዝበሃል ኩሉ ኢልዎ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ኔሩኒ። እቲ መጋባኣያ ምስ ተወደአ ግን ብውሑዱ ሓንቲ ሕቶ ብዘይ ምሕታተይ ተጣዒሰ።
 
መደረ ሚስተር ሚሸል፡ ንባህርያት ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣነጺሩ ዝገለጸ፡ ምስቲ ፕረዚደንት ብቐረባ ካብ ዝሰርሐ ኣህጉራዊ ተዓዛቢ ዝተረኸበ ዝበለጸ ጸብጻብ ኢዩ። ብሰንኪ ድርቅና ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ምስ ዘሎ ማህሰይቲ ኣነጻጺርካ ክርአ እንከሎ እቲ ሓበሬታ ደንጉዩ ኢዩ መጺኡ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ኮሚሽን ኤሮጳ ዘለዉ ሓንጸጽቲ ፖሊሲ ካብዚ መደረ’ዚ ብዙሕ ትምህርቲ ክቐስሙ ከም ዝኽእሉ ተስፋ እገብር። ምናልባት ‘ውን እዚ ሓበሬታ’ዚ ንዓኣቶም ሓድሽ ዘይክኸውን ይኽእል። ሚስተር ሚሸል ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓቀኛ ብድሆታት ብግልጺ ክዛረብ ክንሰምዖ እንከለና እዚ ናይ መጀመርያና ኢዩ። ሚስተር ሚሸል ደጊም ኣብ ኮምሽን ኤውሮጳ ስለ ዘየለ፡ ብናጻ ክዛረብ ዝኸኣለ ይመስል።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺበ ስለ ዝነበርኩ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ውልቃዊ ትዕብታት ከካፍል እንከለዅ፡ ብዝያዳ ኣብቲ ንዓይ ዝመሰጠኒ ክፋላት ብምትኳር ኢዩ። እዚ ጸብጻብ’ዚ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሰይ ትዕዝብታት ዝተሞርከሰ ኢዩ። ጌጋታት እንተለዎ ክእረመሉ ድሉው ምዃነይ እንዳገለጽኩ፡ ገለ ሰባት ዘይበልዎ ክብል ወይ ኣቀራርብኦም ከዘብንዕ ሓሊነ ከም ዘይኮንኩ ግን ከዘኻኽር እፈቱ።
 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...