ፍርዲ ምርመራ ቺለ ናይ ዲክታተር ፒኖቸ እዋን ጉድ መሊሱ የዘኻኽር።
(ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዜና)

ብዕለት ኅዳር 9 2009 ኣብ ሳንድያጎ ርእሰ ከተማ ቺለ ዝወጸእ ናይ ዜና ጸብጻብ ከምዘብርሆ፣ ቅድሚ ሰላሳ ዓመታት ዝተደወለ ናይ ምሕጽንታ ስልኪ መልእኽቲ ሓቂ ከምዝነበረ ኣብሪሁ። እዚ ማለት ኣብ ሳንታ ማርያ ኪሊኒክ ይሕከም ዝነበረ ፕረሲደንት ነበር ኤድዋርዶ ፍረይ ሞታልቫ በብቑሩብ ይምረዝ ኣሎ ዝብል ብዘይተፈልጠ ሰብ ዝተዳህየት ናይ ስልኪ መልእኽቲ ጉዳይ ሓቂ ምዃኑ ብዝሓለፈ ሰኑይ ተረጋጊጹ። እቲ ወዲ 71 ዓመት ዝነበረ ፍረይ: ጉልቡት ጥራሕ ዘይኮነ ቀንዲ ተጻባኢ ናይ ደማዊ ዲክታተር ፒኖቸ ኔይሩ። ስለዚ ፍረይ ብጥሪ 1982 ክመውት እንከሎ እቶም ሓኻይም ብዝሃብዎ ናይ ምዕራፉ መግለጺ ደቁ ኣይኣመኑን።

እዚ ኹሉ ናይ ጥርጣረ እዋን ሓሊፉ ብሰኑይ ዕለት 7፣ ዳኛ ኣለያንድሮ ማድሪድ ንህዝቢ ቺለ ናይ ፕረሲደንት ነበር ምምራዝ ብወግዒ ኣፍሊጡ። በዚ ገበን ድማ ሹዱሽተ ሰባት ተኸሲሶም ኣለዉ። ዳኛ ማድሪድ ንዝርዝር ገበናት ናይዚ እዋን ምስዚ ቅትለት ኣተሓሒዙ፣ ወከልቲ መንግስቲ ኣንጻሮም ንዝነበሩ ሰባት ኣብ ወጻኢ ከይተረፈ ብምህዳን የጥፍእዎም ከምዝነበሩ ኣብሪሁ። ቀንዲ ኣብነት ናይዚ ኣብ ዋሽንግቶን ዝሞተ ኦርላንዶ ለተሊየር ዝተባህለ ጸረ ፒኖቸ ዝነበረ ፖለቲከኛ እዩ። እዚ ጉዳይ እዚ ብዙሕ ክስን ኣሉታዊ ኣቓልቦ ናይ ዓለም ስለዘሰዓበ፣ ናይ ፍረይ ኣማውታ ብዝተኻእለ መጠን ብትሕቲ ዓይኒን ሰብ ብዘይፈልጦ ኣገባብን ክኸውን ተወሲኑ።

ነፍሰ ሄር ኤድዋርዶ ፍረይ ሞታልቫ ካብ 1964 ክሳብ 1970 ናይ ቺለ ፕረሲደንት ነበረ። ዳኛ ማድሪድ ኣብ ዝሃቦ መግሊጺ፣ ብዛዕባ እቲ ብ1981 ኣብ ክሊኒክ ኣትዩ ዝሞተ ፍረይ፣ ሽዑ ዘይተፈልጠ ሎሚ ግን ዝበርሀ ዘገርም ኩነት፤ እቲ መርዚ ንኹሉ ውሽጣዊ ኣካላቱ ኣዝዩ ስለዝጎድኦ፣ ምናልባት ኣብ መጻኢ ምርመራ (autopsy) እንተተጌሩ ንምምራዙ መረድኢ ከይረከብን ከይፍለጠን ምእንቲ ብዙሓት ውሽጣዊ ኣካላት ተቖሪጾም ከምዝተወስዱ ሓቢሩ።

እቲ ኣውራ ንቤተ ሰብ ዝገረሞምን ዘሰንበዶምን ግን ቀንዲ ገበነኛታት ኮይኖም ተኸሲሶም ዘለዉ ሓኪምን ዘዋሪ መኪና ናይ ፍረይን ምዃኖም እዩ። እቲ ዘዋሪ መኪና ቀንዲ ተሓባባራይ ናይ ጸጥታ ኣካል ኮይኑ ንፍረይ ይከታተሎ ነይሩ። ካልእ ፓትሪሲዮ ሲልቫ ዝተባህለ ኣብ ናይ ፍረይ ስርዓተ ምምሕዳር ተራ ዝነበሮ ሓኪም እዩ። ሲልቫ መራሒ መጥባሕቲ ፍረይ ኮይኑ ንሱ እውን ይኣምኖ ከምዝነበረ ይንገር። 

ቺለ ኣብዚ እዋን ደሞክራሲያዊትን ቁጠባኣ ድማ እናዓዘዘን እትኸይድ ሃገር ኣያ። እንተኾነ ግን እቲ ብ1973 ንወግዓዊ ፕረሲደንት ኣየንደ ገልቢጡ ዝተሰቕለ ናይ ፒኖቸ ዲክታተርነት ዘስዓቦ ናይ ኣሽሓት ዜጋታት ሞትን ጥፍኣትን ሽርበትን ጌና ካብ ኣእምሮ ህዝቢ ኣይጠፍአን። ፒኖቸ ባዕሉ ስልጣን ካብ ዝገደፍ 16 ዓመታት ድሒሩ ብሰላም ሞይቱ። ሎሚ እቲ ስርዓት ብዙሕ ዓመታት ይሕለፍ ድኣምበር ኣብ ቺለ ፍትሒ ክርከብ ከምዝከኣል ይኣምን። ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ቀዳመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረሰደንት ሚሸል ባቸትለት ንቺለ ትመርሕ ኣላ። ንሳ ንሽግር ቺለን ታሪኻዊ ውርሽ ፒኖቸ ብደሞክራሲያዊን ብተሓታትነታዊ ኣገባብ ክትፈትሕ ምኳና ብበእዋኑ ትገልጽ።

ኣዝማሪኖ እንተወሓደ ሓንሳብ ኣብ ወርሒ እንተተኻኢሉ ድማ ክልተ ሳብ ብሕጽር ዝበለ ኣገባብ ካብ ናይ ዓለም ዜናታት ኣርእስታት ከተእንግድ ምዃና ተብርህ። 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...