ናይ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰል ቤት ጽሕፈት ኣኼባ
“ዝቐረበ ሓቶታት ኣሰምቢዱኒ” ወኪል መንግስቲ ኤርትራ

ብ30 ኅዳር ዝተኻየደ 6ይ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰል ቤት ጽሕፈት ኣኼባ መንግስቲ ኤርትራ ዘዳለዎ ጸብጻብ ብምስማዕ ተጀመረ። ወኪል ኤርትራ፣ ዶክቶር ግርማይ ኣብራሃም፣ ናይ ሚኒስትሪ ሃገራዊ ምዕባለ ኣማኻሪ፣ ነዚ ጸብጻብ ድሕሪ ምንባቡ ካብ ኣባላት ናይዚ ኣህጉራዊ ኣካል ዘስዓቦ ዋሕዚ ሕቶታት ከምዘሰንበዶን ነዚ ድማ ንምምላሽ ከምዘይከኣለ ተፈሊጡ።

ብዛዕባ፣ ኣብታ ብምስጢራውነታ ትፍለጥ ኤርትራ፣ ብቐጻሊ ዝግበር ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ዘተሓሳሰቦም ዝበዝሑ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ወኪል ኤርትራ ጽዑቕ ነቐፌታ ኣውሪዶም። ኣብዚ እዋን እዚ ከምቲ ናይ ዓሚ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ጥራሕ ዘይኮነ፣  ካብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ነዚ ናይ ኤርትራ ነቐፌታ ብምምድጋፈን ነዚ ኣኼባ ፍሉይ ጌርዎ።  ጋና፤ ደቡብ ኣፍሪቃን ናይጀርያን ዝኣመሰላ ሃገራት እቲ መንግስቲ ተቓውሞ ንምቁጽጻር ዝገብሮ ግፍዒ ደው ከብልን እቲ ተንጠልጢሉ ዘሎ ቅዋም ብዘይ ቅድመ ኩነት ከተግብር ጸዊዐን።

ነዚ ካብ ኤርትራ ብቐጻሊ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ምግሃስ ብዙሕ ዘተሓሳሰበን ኩነት ዘንጸባርቕ፣ ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ፣ ካብ ደቡብ ክሳብ ሰሜን ዝርከባ ሃገራት ኩለን፣ ነዚ ብምድጋፍን እቶም ገበነኛታት ኣብ ፍትሒ ክቐርቡ ምእንቲን፣ ናይ ሕ.መ. መርማሪ ጉጅለ ነዚ ዝበሃል ዘሎ ጉድኣት ከረጋግጽ ኣብቲ ቦታ ንክኸይድ መንግስቲ ኤርትራ ፍቓድ ክህብ ጻውዒት ኣቕሪበን። እዚ ነቲ ዘሎ መወዳኣታ ዘይብሉ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ጊዜ ደረት ክግበረሉ፣ ፖለቲካውያን እሱራት ክፍትሑን፣ ነጻ ናይ ዜና መርበባት ብዝምልከት እቲ ኣኼባ መተሓሳሰብታት ሂቡ።

ከም ኣመሉ “ብዛዕባ ነጻ ፕረስ ዘለና ተመኲሮ ሕማቕ ኢዩ” ክብል ወኪል ኤርትራ ዝርዝርን መግለጽን ከይሃበ ንመንግስቲ ኣመኽንዩሉ። እቶም ወከልቲ ሃገራት ዝኾኑ ኣባላት ብዛዕባ ኣብቲ ሃገር ዝካየድ ቀጻሊ ምግሃስ መሰል ዘቕርብዎ ዝነበሩ ሕቶታት ኣፍልጦ ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ዘንጸባረቐ ብምንባሩ ንዶክቶር ግርማይን መማጽእቱን ኣስደሚምዎም። 

ኣብ ኣጋ ምሸት ናይቲ መዓልቲ፣ ብዓለማዊ ናይ ክርስትያን ሶሊዳርቲን ሰብኣዊ መሰል ተገዳስነት ኤርትራን ዓዋተ መርበብ ፋውንደሽንን፣ ዘተ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ተኻይዱ። ወይዘሮ ኤልሳ ጭሩም፣ ዲረክተር ናይ ሰብኣዊ መሰል ተገዳስነት ኤርትራ፣ ሓፈሻዊ መግለጺ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ሂባ። ዶክቶር ካትዛ ጎንደወ ናይ ክርስትያን ሶሊዳሪቲ ናይ ትሕተ ሳሃራ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓላፊት ድማ ብዛዕባ ናይ እምነት ነጻነት ኣብ ኤርትራ ገሊጻ ። ካብ ሱወራ ማእከል ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣቶ ያሲን መ. ዓብደላ ድማ ሕጽር ዝበለ መግለጺ ብዛዕባ ድሕረ ባይታ ናይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ሂቡ። ብድሕሪኡ ጋዜጠኛ ቴድሮስ ኣብራሃም ብዛዕባ ነጻነት ናይ ጋዜጣታትን ናይ ዜና ማዕከናትን ኣብ ኤርትራ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ኣኼባ ካብ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ውድባትን ካልኦት ዘይመንግስታውያን ትካላት ዝመጹ ካብ 30 ንላዕሊ ዝኾኑ ወከልቲ ተሳቲፎም። 

ቴድሮስ ኣብራሃም፤ ጀነቭ፤ ሃገረ ስዊስ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...