ጋንታ ኣመሪካ ንሓርነት ኤርትራን Freeeritrea.orgን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነብሩ ዝተማዛበሉ ኤርትራውያን ነጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ምሃብ ጀሚሮም።

Mr. Tekle of The America Team with Scholarship Students at the Africa Medical Collegeማእለያ ዘይብሎም ደቂተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ቆልዑ፡ መንእሰያትን ሽማግለታትን ኤርትራውያን ካብቲ ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጨካን ጨቋኒ ስርዓት ንምህዳም ኪስደዱ ተገዲዶም እዮም። ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዝርከቡ መዓስከር ስደተኛታት ካብ ምንባር ሓሊፎም ካልእ ኣማራጺ ኣይረኸቡን።

ሽሕኳ መንግስቲ ኢትዮጵያ በቲ ምምሕዳር ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ዝብሃል መዋቕሩ ኣቢሉ ከምኡውን ውድብ ሕቡራት ሃገራት በቲ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ኣካሉ ኣቢሉ ኣድለይትን መሰረታውን ዝኾኑ መሳለጥያታት ነቶም ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ዘቕርቡ እንተኾኑ ካልኦት ዘድልዩዎም ነገራት ንምምላእ ግና ካብ ኣዝማዶምን ኣዕሩኽቶምን ክጽበዩ ናይ ግድን እዩ።  

ኣብዚ ሕጂ እዋን ጋንታ ኣመሪካ ንሓርነትን Freeeritrea.orgን ኣብ መዓስከራት ሽመልባ፡ ማይዓይኒ፡ ክልል ዓፋር፡ ካብ ዝርከቡ ተማዛበልቲ  ን30  ስደተኛታት ናይ ሰለስተ ዓመት ልዑል ትምህርቲ ኣብ ምሃብ ይርከብ። እዞም ተመሃሮ እዚኦም ትምህርቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኣፍሪቃ መዲካል ኮለጅ ጀሚሮም ኣለዉ። እቲ ኮለጅ ብወገኑ ንካልኦት ተወሰኽቲ ሓሙሽተ ስደተኛታት ወፈያ ብምግባሩ ቁጽሪ ዝመሃሩ ዘለዉ ስደተኛታት 35 ኮይኑ’ሎ። ዝመሃሩዎ ዓይነት ትምህርቲ ከከም ምርጭኦም ዝፈላለ ኮይኑ ብመዳያት ፋርማሲ፡ ረድዮሎጂ፡ ነርሲንግ ዝዋሃብ ሞያዊ ትምህርቲ እዩ። እዚ ሞያዊ ምህሮ’ዚ ኣብ ኤርትራ ናይ ስርዓት ለውጢ ድሕሪ ምክያዱ ኣብ ዝፍጠር ምቹእ ኩነታት  እዞም ኪኢላታት ዜጋታት እዚኦም ሃገሮም ንምህናጽ ሞያዊ ተራ ንኽጻወቱ ዘኽእሎም ወይከኣ እቲ ለውጢ ክሳብ ዝመጽእ ኣብ ካልኦት ሃገራት ከምዝጣየሱ እንተድኣ ተጌሩ ኣብተን ሃገራት ስራሕ ንኽረኽቡ ተስፋ ዝህቦም  እዩ።  

በዚ ኣጋጣሚ፡ ጋንታ ኣመሪካ ንሓርነት ኤርትራ ኣብ ሽረን ኣዲስኣበባን ንዝርከቡ ኣብያተ ጽሕፈታት ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ከምኡውን ንኣፍሪቃ መዲካል ኮለጅ ነዚ ነጻ ናይ ትምህርቲ መደብ ኣብ ምውዳድ ንዝገበሩልና ምትሕብባር ልዑል ምስጋናና እናኣቕረብና ዝገበሩልና ምትሕግጋዝን ዝሃቡና መምርሕን ንዘለዎ ኣገዳስነት ዘለና ናእዳ ከነረጋግጽ ንፈቱ።

ጋንታ ኣመሪካ ንሓርነት ኤርትራ ብግዱሳት ኣመሪካውያንን ኣብ ኣመሪካ ብዝነብሩ ኤርትራውያንን ዝቖመ ማሕበር እዩ። ዕላምኡ ከኣ ብግብረሰናያዊ ኣገባብ ተጠቒምካ፡ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ሰፊሕ ኣፍልጦ ከምዝዝርጋሕ ብምግባርን፡ ከምኡውን ኣብ መንጎቶም ፖለቲካዊ ለውጢ ዘናድዩ ኤርትራውያን ምቅዳውን ናይ ዕላማ ሓድነትን ብምፍጣር ኤርትራውያን ካብቲ ኣጋጢሙዎም ዘሎ ሕሱም ናብራ ዝናገፉሉ ሓገዝ ንምንዳይ እዩ ።ጋንታ ኣመሪካ በቲ www.freeeritrea.org ዝብሃል ዌብሳይቱ ጌሩ ሓበሬታን ርእይቶን ይዝርግሕ።

ብዝሒ ዘለዎ ነጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ምሃብ ብርቱዕ ወጻኢታት ዝሓትት እዩ።  ብዙሕ ነገራት ዘድልዮ ከኣ እዩ። እቲ ፕሮግራም ንትምህርቲ፡ ንመጻሕፍቲ፡ ንመደቀሲ ክፍልታት ንቀለብ፡ ንክንክን ጥዕናን ካልኦት ወጻኢታትን ዘካትት እዩ። ስለዚ ድማ ካልኦት ግዱሳት ውልቀሰባትን ውድባትን ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ጻዕሪ ንኽሕግዙ ንጽውዕ፡ ነበረታትዕ ድማ። ገንዘባዊ ሓገዝ ንምውፋይ 3 ኣገባባት ኣሎዉ። ንሳቶም ከኣ ፡

1. ብፐይፓል ኣብዚ ብምጽቃጥ፡በቲ፡ “Make a Donation” ዝብል፡ጽሑፍ፡ተጠቐሙ።

2. ናይ ኣመሪካ ቸክ ወይድማ ኢንተርናሽናል ማኒ ኦርደር ናብ:
The America Team for Freedom for Eritrea
P.O. Box 1555
Media, PA 19063   USA
ብምልኣኽ። ወይከኣ

 3. ናይ ኣመሪካ ቸክ ወይ ድማ ኢንተርናሽናል ማኒ ኦርደር ናብ
The Wallingford Presbyterian Church
110 E. Brookhaven Road
Wallingford, PA 19086  USA ብምልኣኽ።
“For Eritrean Scholarships“                                           
ዝብል ምልክት ግበሩሉ።

ኣብ ኣመሪካ ዘለዉ ወፈይቲ ንምምዝጋብ ታክስ ዝጠቕሞም ናይ ቅብሊት
ደብዳቤ ክስደደሎም ይከኣል’ዩ።                                  

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...