ኤርትራ ንናብ ተቐናቐንቲ ሓይልታት የመን እተሰዶ ዘይሓጋዊ ናይ ኣጽዋር ምግዓዝ ንምዕጋት ናይ ስዑዲ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ጎላጉል ደንደስ ባሕሪ የመን እገዳ ይገብር ኣሎ።

እቲ ኣጽዋር ንዓል ሑቲ ዝብሃሉ ኣንጻር ናይ የመን መንግስቲ ዝኾኑ ተቐናቐንቲ፣ ብምዕራባውን ሰሜናውን ሸነኻት ጎላጉል ስዑዲ ንኸይበጽሕ እዩ እዚ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ንጥፈት ዝካየድ ዘሎ።

ሓይልታት ባሕሪ ስዑዲ፣ ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ የመን ዝርከብ ጎላጉል ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ እገዳ፣ ካብ ሕዳር 11 ኢዮም ጀሚሮሞ። እዚ ንጥፈት እዚ ተቐናቐንቲ ንምድምሳስ ንዝግበር ዘሎ ናይ መንግስቲ የመን ጻዕሪ ብምድጋፍ ኢዩ።

ናይ ስዑዲ ሓይሊ ባሕሪ ብቀይሕ ባሕሪ ማለት ብኤርትራ ኣቢሉ ዝካየድ ካልኣይ መንገዲ ናይ ኣጽዋር መሽሎኺ ኮንትራባንድ ንኸይርከብ እዩ ዝጽዕር ዘሎ። ኤርትራ ናይ የመን ምዕራባዊት ጎረቤት ሃገር እያ።

እዚ ተረኺቡ ዘሎ እገዳ በቲ ብመንጽር እቲ መንጎ “ኤርትራን የመንን ዝቐነየ ስንኩፍ ዝምድና” መሰረት ክረእ እንከሎ ኣየገርምን እዩ ክብል ኤ.ጄይ. ሆገንዶርን፣ ኣብ ኣህጉራዊ ክራይሲስ ጉጅለ፣ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖሮጀክት ዲረክተር፣ ንዘሚድያ ዝበሃል ናይ ዜና መርበብ ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።

እቲ ካብ የመን ንሶማል ዝኸይድ ኣጽዋር ብንኣሽቱ ጀላቡ ኢዩ ዝጓዓዝ፤ ስለዚ እቲ ብኤርትራ ዝመጽእ እውን ብኸምዚ ኣገባብ እዩ ዝኸውን ይብል ሆገንዶርን።

እዚ ኣብ መንጎ የመንን ተቐናቐንቲ ሓይልታትን ብወተሃደራዊ ኣገባብ ዝካየድ ዘሎ ረጽሚ ካብ 10 ዓመት ካብ ዝጅመር ጌሩ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ጉዳይ ዝያዳ ዝበኣሰሉ ምኽንያት ግን መንግስቲ የመን ነቶም ተቐናቐንቲ ብኣልማማ ምጥፋእ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ወተሃደራዊ ዘመተ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ስለዝጀመሮ እዩ።

እቶም ዓል ሑቲ ካብቲ ዝወረደ ዘመተ ክሃድሙ ምእንቲ ዶብ ሰጊሮም ናብ ስዑዲ ስለዝኣተዉ፣ ነዚኦም ናብ የመን ንምምላስ፣ ብናይ ስዑዲ ሓይሊ ኣየርን ምድሪ ሰራዊትን እዚ ዘይበሃል ወፈራ ተኻይዱ።

ዓል ሑቲ መንግስቲ የመን ምስ ዋሺንግቶን ኣዝዩ ጥቡቕ ዝምድና ኣለዎ ብምባል ይነቕፉ ኢዮም።

ነቲ ሳባ ዝበሃል ወግዓዊ ናይ የመን ናይ ዜና ማዕከን እዚ ዘመተ ብወተሃደራውን ጸጥታውን ስምምዕ ኣሜሪካን የመንን ኢዩ ተኻይዱ ኢሉ ንዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብ ሰንዓ ከተማ ዝርከብ ናይ ኣሜሪካ ኤምባሲ ነጺግዎ።

እዚ ዝወጸአ ናይ ዘይምቅባል መግለጺ፣ “ብዛዕባ ንመንግስቲ የመንን ናይ ኣሜሪካ ሓገዝን ዝተገብረ ዝርርብ ግሉጽን ኣዎንታውን ኮይኑ ቀጻልነት ነቲ ካብ ዓል ቃይዳን፣ ዘይሕጋዊ ናይ ባሕሪ ሽፍትነትን (piracy)፣ ናይ ሰባት ምሽቃጥን ንዝርከብ ሓደጋ ኣብ ምጥፋእ ዘምረሐ እዩ” ይብል። ብተወሳኺ “እቲ ኣብ ልሙድ ፖሮቶኮል ዝተመስረተ ዝርርብ መወዳእታ፣ ናይ የመንን ኣሜሪካን ወኪላት ነቲ ዝርርብ ብጽሑፍ ፈሪሞም። ናይ ዝርርብ ጹሑፋት ስምምዓት ኣይኮኑን” ይብል።

ብ1990 የመንን ኤርትራ ብሰንኪ እተን ኣብ ባብ ኣል መንደብ ናይ ዝርከባ ደሴታት ሓንሽ ልዑላውነት ጉዳይ ኲናት ኣትየን ኔረን። ደሴታት ሓንሽ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ቀይሕ ባሕሪ ይርከባ።

ብ1998 ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ነተን ደሴታት ንየመን ክወሃባ ፈሪዱ።

ብኣዳም ጎን ሕዳር 17፣ 2009 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...