ኣህጉራውያን ኪኢላታትን ፖለቲካውያንን 2 መዓልቲ ዝወስድ ኣኼባ ኣብ ብሩሰልስ የካይዱ ኣለው። እዚ ብዛዕባ ነዛ ሃገር ዝምልከት ፖሊሲ፣ ክልቲአን ማለት ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን ሓባራዊ ዝገበራሉ ጉዳይ ንምውህሃድ እዩ ዝካየድ ዘሎ።

ናይ ድምጺ ኣሜሪካ ጋዜጠኛ ሊዛ ብራያንት ብዕለት 11.10.09 ኣብ ዝጸሓፈቶ ጸብጻብ፣ እቲ ኣኼባ ብሩሰለስ ሃገረ በልጅም ብዝርከብ ናይ ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ኣማኻርቲ ዝተዳለወ እዩ። ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እናገደደ ይኸይድ ኣሎ። ከምኡ እውን ንናይ ምስልምና ጉጅለታት ሶማል ትሕግዝ ኣላ ይበሃል። እዚ ብኣህጉራዊ ደረጃ ዝያዳ ዝሻቕልን ዘተሓሳስብን ኮይኑ ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን እዩ እዚ ኣኼባ ዝካየድ ዘሎ።

ናይ ኣሜሪካ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሂላሪ ክሊንተን፣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኤርትራ እቲ ምስ ኣል ቓይዳ ምትእስሳር ኣለዎ ዝበሃል ናይ ሶማል ናይ ሸባብ ጉጅለ ምሕጋዝ እንተድኣ ጠጠው ዘይኣቢላቶ ቁጠባዊ እገዳ ክግበረላ ምዃኑ ኣጠንቂቓ ኔራ። ኤርትራ ነዚ ጉጅለ ዕጥቂ ከምትህብ ነጺጋቶ እያ።

ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮንፈረንስ ወሃብ ቃል፣ ዓብደል ራሕማን ስዒድ፣ እዚ ኣኼባ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ሓባራዊ ዝኾነ ስምምዕ ንኽርከብ ዘለዎ ተስፋ ሓቢሩ። እዚ መጻኢ ስምምዕ እዚ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘተ ንምግባር ክፉት ዝገበር ምዃኑ ገሊጹ።

“ብዝተሓተ ኣጣማምታ” ይብል ዓብደል ራሕማን “እዚ ኣኼባ እዚ ናይ ኣሜሪካን ሕብረተ ኤውሮጳን ፖሊሲ ሓንጸጸቲ ሓደ ርጡብ መምርሒ ንኽዝርዝርን ኽህብን፤ እዚ ድማ ንኻልኦት ሓገግትን ኮሚሽነራትን ኣብ ስደት ዝርከቡ ሲቪክ ውድባትን ፖለቲካዊ ተቓወምትን ምስዚእቶም ንክራኸብን ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ፖሊሲ ንጸልዉ ምኻኑ እዩ።”

እቲ እኼባ ብዛዕባ ኤርትራ እኳ እንተኾነ ካብ ጎረባብቲ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሃገራት እውን ተሳተፍቲ ተጸዊዖም እዮም። ናይ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ምግሃስ ዘስዓቦ መልሰ ግብሪ ብዶባት ኣቢሉ ንጎረባብቲ ሃገራት ጸልይዎም እዩ። ስዒድ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ሃዲሞም ይርከቡ ክብል ኣረዲኡ። ካልኦት ድማ ኣብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ዑቕባ ይሓቱ ኣለዉ።  

ኣብ ኣኼባ ዝሳተፍ ዘሎ ወልደየሱስ ዓማር ካብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ግልጺ ይደሊ። ዓማር፣ ኣቦ መንበር ናይ ሓባራዊ መሪሕነት ኮሚቲ፣ ሓደ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት እዚ ፖለቲካዊ ሰልፊ ክገብር መድብ ዘለዎ ናይ ተቓወምቲ ውድባት ጽላል እዩ።  

“ዝኾነ ይኹን ኣንጻር እቲ ስርዓት ዝግበር ንጥፈት ብዝተዋሃሃደ ኣገባብ ኣይተኻየደን” ይብል ዓማር። “ንሳቶም (ኣሜሪካን ኤውሮጳን) ነዚ ስርዓት ብዘይካ ከምዚ ጌሩ ከምዚ ምባል ንላዕሊ ኣገበሩን። ዘረባ ድኣምበር ግብሪ ኣይተራእየን። ሎሚ ንሕና ገለ ግብሪ ከርእዩ ንደሊ።”

ናይዚ ኣኼባ ኣዋሃሃድቲ፣ እዚ ኣብ ብሩሰልስ ዝካየድ ዘሎ ዛዕባ፣ ዝያዳ ንጡፍ ኣህጉራዊ ፖሊሲ ብዛዕባ ኤርትራን ሓደ ሓደ ነጥቢ ዝሓዘ እገዳ ኣንጻር እቲ መንግስቲ ንኸስዕብ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...