ኣብ ኣስመራ ኣብ ላዕለዋይ ጸፍሒ ዝርከቡ እሙናት ምንጭታት ማሕበረሰባዊት ሬድዮ ድምጺ ወጋሕታ ኣብ ዝሰደዱልና ርጡብ ሓበሬታ፣ ሬድዮ ድምጺ ወጋሕታ ወሲኹ ብዙሓት ሃገራውያን መራኸብቲ ሓፋሽ ብዝፈጠርኦ መንኳሕኳሕታን  ብኣውርኡ ድማ ነቲ ሓቀኛ ሓበሬታ ካብ ልቢ ተቐቢሉ ህዝብና ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢሳይያስ ዘሕደሮ ጸቅጢ እንዳሓየለ ብምምጽኡ፣ እቲ ስርዓት ከይፈተወ ድሕሪ መዋፈሪ ዊዓ ምዕጻው ነቲ ኣብ ሳዋ ዝነበረ 12 ክፍሊ ዝመሃሩሉ ቤት ትምህርቲ’ውን ክዓጽዎ ከምዝወሰነ ኣረጋጊጾሙልና ኣለው።
 
ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም፣ ካብ ሚኒስትሪታት ምክልኻልን ትምህርትን- ካብ ኮሌጃትን  ካልኦት ኣካላት ትምህርትን ኣብ ዝተሳተፉሉ ኣኼባ፣ ካብ መላእ ሃገርና 11 ክፍሊ ወዲኦም 12 ክፍሊ ዝመሃሩሉ ዝነበሩ ኣብ ሳዋ  ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ክዕጾ ከምዝግበር ነቲ ውሳነ ንዘገደደ ጥረ ሓቂ ከይሓብአ ብዝርዝር ምግላጹ ዝሓበሩ እሙናት ምንጭታትና፣ ኣቶ ሰመረ ቤት ትምህርቲ ሳዋ ክዕጾ ዝተወሰነ ቀዳማይን ኣውራን፤ ካብ ሳዋ ናብ ጎረቤት ሱዳን ዝግበር ህድማ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ሕማም ርእሲ ብምዃኑ። ካልኣይ ድማ፤ ፍቅሪ ወለዶም ዘይጸገቡ ዕሸላት ደቅና ስለምንታይ ሳዋ ከይዶም ክመሃሩ ተገድድዎም ኣለኹም? ደቅና ብተላባዒ ሕማም ኣብ ዕሸል ዕድሚኦም ይቕዘፉ ኣለው፤ ዝብል ናይ ህዝቢ ብርቱዕ ጸቕጢ ይዛይድ ብምህላው’ዩ ክብል ብዘየማትእ መገዲ ከምዝተዛረበ ድማ ኣመልኪቶም እዮም።

ምዕጻው  ቤት ትምህርቲ ሳዋ፣ ውሳነ እቲ ጉጅለ ኮይኑ ምህላው ብኣቶ ሰመረ ርእሶም ብዕሊ ተገሊጹ’ኳ እንተሃለወ፣ ሰናይ ፍቓድ ኢሳይያስ ስጋብ ዘይተወሰኾ ከይትግበር ዝኽእለሉ ተኽእሎ ስለዘሎ ህዝቢ ቓልሱን ጸቕጥታቱን ዝያዳ የሐይሉ ክቕጽለሉ ከምዝግባእ ድማ እቶም ኣብ ላዕለዋይ ጸፍሒ ዝርከቡ ነቲ ስርዓት ኣጸጽዮም ዝፈልጡ ምንጭታትና  ኣገንዚቦም ኣለው። 

ዛጊት ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ንመንኳሕኳሕታ ወጋሕታን ካልኦት ሃገራውያን መራኸብቲ ሓፋሽን ካብ ልቢ ሰሚዖም ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢሳይያስ ብዝፈጠርዎ ከቢድ ጸቅጢ

  • ብሰንኪ ተላባዕቲ ሕማማት ዜጋታት ዝረገፉላ ዊዓ ከምዝተዓጸወት
  • መሬት ሓረስቶት ብምርሳይ ዝፍጸም ግፍዒ ብኸፊል ምቅናሱን  ናይ ገሊኦም ሓረስቶት ዜጋታት መሬት ከምዝተመለሰሎም
  • እኽሊ ከይሽየጥ ከይልወጥ ዝብል ሕጊ በርዒኑ በብዞብኡ ይሸየጥ ዝብል ፍቓድ ከምዝተዋሃበ
  • ዋላ’ኳ ብኣግባቡ ዘይተፈጸመን ምስሉይን እንተኾነ ብዕድመ ዝደፍኡን ኣካላዊ ብቕዓት የብልኩምን ዝብል ምስምስ ዝተምሃዘሎምን ገዳይም ተጋደልቲ ክጣየሱ ይግበር ምህላው
  • ሕጂ ድማ ብኣውርኡ ኣብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ትቕሰብ ዝነበረት ቤት ትምህርቲ ሳዋ ክትዕጾ ምዃና ምግላጹ ብኣብነት ብምጥቃስ ድማ ህዝብና ፍረ ቃልሱ ይርኢ ምህላው ከምዘረጋግጽ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ ኣሎ።

ህዝብናን ውጹዕ ሰራዊትናን ነዚ ሳላ ብርቱዕ ብድሆኦም  ዝረኽብዎ ዘለው ገለ ውጽኢታት ኣስተማቒሮም ናህሮም ዝያዳ ከማዕብልዎን እቲ ጨቋኒ ስርዓት ብቃልሲ ተማሕዩ ዝድርበየሉ ወቕቲ ርሑቕ ከምዘይኮነ እምነቶም ከጽንዑዎን ድማ እቲ ኣብ ላዕለዋይ ጸፍሒ እቲ ስርዓት ካብ ዘለው እሙናት ምንጭታትና ዝመጸና ርጡብ ሓበሬታ ኣተሓሳሲቡ’ዩ።
----------------------------------------------////-----------------------------------

30-10-2009

ሜጀር ጀነራል ውጩ ምስ መራሕቲ ክፍላተ ሰራዊታቱ ናብ ኣስመራ ብህጹጽ ተጸዊዑ።

ኣብ ግንባር ዓሰብ ዝርከቡ እሙናት ምንጭታት ማሕበረሰባዊት ሬድዮ ድምጺ ወጋሕታ ከምዘረጋገጹልና ኣብ ቀረባ እዋን ኣዛዚ ምብራቓዊ እዚ ኮይኑ ዝተመደበ ሜጀር ጀነራል ገ/ሔር ዓንደማርያም ውጩ ንኣኼባ ናብ ኣስመራ ተጸዊዑ’ሎ።

ውጩ ናብቲ ኣኼባ ኩሎም ኣዘዝቲ ክፍላተ ሰራዊት ሒዙ ክመጽእ ዝተኣዘዘ ኮይኑ ኣውራ ኣጀንዳ ናይቲ ኣኼባ ከኣ ህድማ ስግረዶብ ንህልውናና ኣብ ስግኣት ዝሸመመ ኮይኑ ኣሎ ስለምንታይ ኢና ክንቆጻጸሮ ዘይክኣልና? እቲ ሰራዊት ብልቡ ምሳና ኣሎ ድዩ? ዝሃደመን ዘይሃደመን ሓደ ልቢ’ዩ ዘሎ ንምንታይ? ዝብሉ ከምዝኾኑ ሓበሬታ እሙናት ምንጭታትና ኣፍሊጡ’ሎ።


ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣብዚ ሒደት ኣዋርሕ ምውዛዕ ሰራዊትን ብወዛ ኣዘዝቲ ሰራዊትን  ብምግባር ንኹሎም ኣዘዝቲ ዞባ ስርሒታት ካብቲ ዝፈልጥዎን መሰረት ዘንበርሉ ከበባብን ኣልዒሉ ንዓመጽ ከለዓዕልሉ ኣይክእሉን ኣብ ዝበሃሉሉ ከባብታት ከም ዝመደቦም ይፍለጥ።
------------------------------------------////---------------------------------------

Web-site: www.sallina.com

E-mail: banawegahta@This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...