ሕ.መ. ብናይ ሶማል ጉዳይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ክገብር ይዳሎ።

ሕቡራት መንግስታት (ሮይተርስ)፡ ብሓሙስ 19 ሕዳር 2009 ኣብ ዝወጸኦ ዜና፣ ናይ ሕቡራት መንግስታት (ሕ.መ.) ናይ ጸጥታ ኣካል፣ ኣብ ሶማል ንዝርከቡ ሕሉፋውያን ናዕበኛታት ብምሕጋዛ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ ኣጽዋር እገዳን፣ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ናይ መንግስትን ወተሃደራትን ድማ ናይ ምጋሽን ናይ ዋንነት ንብረት ምድስካልን ንኽውዕል ሓደ ረቂቕ ጽሑፍ ኣቕሪቡ ኣሎ ክብል ሉዊስ ሻርቦኖ ካብ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እዚ ብሮይተርስ ናይ ዜና ማዕከን ተረኺቡ ዘሎ ረቂቕ ወረቐት ብጊዜያዊ ወኪል ናይ ጸጥታ ዝኾነት ኡጋንዳ ዝተጻሕፈ ኮይኑ፣ ኣብ መንጎ እተን 15-ኣባላት ተዘርጊሑ ምህላዉ ሓደ ናይ ሕ.መ. ዲፕሎማት ሓቢሩ።

ኣሜሪካን ካልኦት ኣባላት ጸጥታ ሕ.መ.፣ ኤርትራ፣ ነቲ ብሕቡራት መንግስታት ዝድገፍ መንግስቲ ብፕረዘደንት ሶማል ሸይኽ ሻሪፍ ኣሕመድ ዝምራሕ ስርዓት ሶማል ንምዕላው፣ ኣል ሸባብ ንዝበሃሉ ናዕበኛታት ኣጽዋርን ገንዘብን ትህብ ኣላ ብምባል ይኸስዋ። ፕረዘደንት ሸይኽ ናይዛ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትረከብ ሕጊ ኣልቦ ዝኾነት ሃገር ወግዓዊ መራሒ እዮም።

በሰንኪ ኣብ ሶማል ዝካየድ ዘሎ ረጽሚ ካብ 2007 ጀሚሩ፣ ኣስታት 1.5 ሚሊዮን ሕዝቢ ካብ ገዝኦም ከምዝተማዛበሉን፣ 19,000 ዝኾኑ ሰላማውያን ሰባት እውን ከምዝሞቱ ይፍለጥ።

ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ክትግበር ዝድለ ዘሎ፣ ኩሉ ናብ ኣስመራ ዝኸይድ መሸጣ “ናይ ኣጽዋርን ጠያይትን፣ ወተሃደራዊ መኻይንን መሳርሕን፣ ሓውሲ ወተሃደራዊን መለዋወጢ ኣቑሑን” ምእጋድ የጠቓልል።

እዚ ረቂቕ ንኤርትራ ዝገበር፣ “ተክኒካዊ ሓገዝ፣ ምዕላምን፣ ምስ ወተሃደራዊ ንጥፈት ዝዛመድ ፊናንሲኣውን ካልእ ሓገዛትን” ኩሉ ደው ክብል ብተወሳኺ ይሓትት።

ናይ ጸጥታ ኣካል ሕ.መ.ን፣ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ኣሜሪካን፣ ብዛዕባ ንሶማል ንምዕናው እትገብሮ ዘላ ንጥፈታት ንኤርትራ ኣጠንቂቖማ ነይሮም እዮም። ኤርትራ ንኣል ሸባብ ትሕግዝ እያ ዝበሃል ከምዝነጸገቶን ካብ ሕ.መ. ክመጽእ ዝኽእል እገዳ ድማ ከም “ዘይተሓሳስባ” ገሊጻ ነይራ።

እቲ ብ1922፣ ኣብ ልዕሊ ሶማል ንዝተገብረ ናይ ኣጽዋር እገዳ፣ ክቆጻጸር ኢሉ ዝቖመ ናይ ሕ.መ. ናይ ኣጽዋር ተዓዛቢ ኣካል - ኣስመራ፣ ንናይ ሶማል ናዕበኛታት፣ ኣጽዋርን ጠያይትን ዝመልኣ ነፈርትን ጀላቡን ከምኡ እውን ተክኒካዊ ሓገዝን ትልእኽ ኢሉ።

እቲ ረቂቕ ጽሑፍ ኣብ ምርጫ ናይ ኣባላት መዓስ ከምዝቐርብ ኣይተፈልጠን። እተን ኣባላት ጸጥታ ዝኾና ሃገራት ቻይናን ሩስያን እገዳ ክግበር ብሓፈሽኡ ስለዘይድግፋ፣ ናይዚኣተን ቪቶ ምእንቲ ከየጋጥም እቲ ረቀቕ እንደገና ክጸሓፍ ምዃኑ ዲፕሎማስያውያን ይዛረቡ።

እዚ ውሳነ እተንድኣ ሓሊፉ፣ ኣባላት ሕ.መ. ዝኾና ሃገራት ዝተኸልከለ ኣቑሑ ኣሎ ተባሂሉ እንተድኣ ተጠርጢሩ “ካብ ሶማልን ኤርትራን ዝንቀሳቐስ ጽዕነት” ብባሕሪ ይኹን ብመሬት ክፍትሻ ስልጣን ይህብ ኢዩ።

ኣብ ልዕሊ “ኣባላት ናይ ኤርትራ መንግስትን ወተሃደራትን” ከምኡ እውን ንሑሉፋት እስላማውያን ናዕበኛታት ይድግፉ እዮም ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ካልኦት ውልቃውያን ኤርትራውያንን ትካላትን ናይ ምጋሽን ናይ ዋንነት ንብረት ምድስካልን ብተወሳኺ ከኸትል ኢዩ።

ዲክተተር ብ1991 ድሕሪ ምውጽኡ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ሶማል፣ ኣብ ዓቢ ናይ ሕንፍሽፍሽ ኩነት ትርከብ። ኣብ ቀረባ እዋን ሓደ ማእከላዊ ዝኾነ መንግስቲ ንምትኻል ዝተግበር ዘሎ ፈተነ፣ ካብቲ 14 ጊዜ ዝሓለፈ ስርዓታት ዝያዳ ክሰልጥ ዘርኢ ምልክት ጌና ኣይተረኽበን ኣሎ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...