አብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ቅልውላው አብ አዚዩ ዝልዓለ ደረጃ አብዚ በጺሕሉ ዘሎ ግዜ፣ ብዕለት 28/09/2009 አብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ማይ ነፍሒ ብለይቲ አብቲ ቀጽሪ ናይቲ ኮሌጅ፣ አንጻር መንግስቲ ኤርትራ (ህግደፍ) ዘቕንዓ ናይ ተቓውሞ ወረቓቕቲ ተበቲኑ ክምዝሓደረን እቲ ዝተበተነ ወረቓቕቲ ብናይ ጸጥታ ሰራሕተኛታት ከምዝተኣረየ እቶም ምንጭታት ይሕብሩ።

እቲ ዝተበተነ ወረቓቕቲ ህዝባዊ መንግስቲ አብ ኤርትራ ክቐውም፡ መሰል ዜጋታት ክኽበር፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ብዘይቅደመ ኩነት ክፍታሑ፡ ቅዋም ክትግበር፡ ዲሞክራሲያዊ መሰል ህዝቢ ክኽበር፡ ልሳን ህዝቢ ዝኾነ ነጻ ብሪስ ከጅምር፡ ምጥያስ ሰራዊት ክትግበር ዝብል ከምዝነበረ ተፈሊጡ።

ተመሳሳሊ ጽሑፋት ብዕለት 8/09/2009 ተበቲኑ ከምዝነበረውን ተፋሊጡ አሎ።ዛጊት ስርዓት ህግደፍ ነዚ ንምጽራይ 3 ተመሃሮን ሓደ ናይ ምምሕዳራ ሰራሕተኛን አብ ምርመራ ከምዝረከቡን ከምኡ ድማ ተመሃሮ አብ ምልዕዓል ኢድ አሎዎም ዝበሃሉ መምሃራን ምጽራይ አብ ምክያድ ከምዝርከብ ከምኡ ድማ አብ አስመራ አብ ናይ ሓደ መምህር ናይቲ ኮሌጅ መንበሪ ገዛ ብምእታው አብ ገዝኡ ዝጥቀመላ ዝነበረ ኮምፒተር ብናይ ጸጥታ ሰራሕተኛታት ከምዝተወሰደት እቶም ምንጭታት ይሕብሩ። ናይ ጸጥታ ሰራሕተኛታት እቲ ኩነታት ናብ ናዕቢ ከይቅየር አብ ከቢድ ምጽራይ ይርከቡ።

ከምድዝከር ስርዓት ህግደፍ አብ መፋርቕ 2001 አብ አስመራ ዩኒቨርስቲ መሰሎም ንዝሓተቱ አስታት 300 ተመሃሮ ናብ ዊዓ ብምውሳድ አብ ብርቱዓ ምቑት ዘለዎ ቦታ ብምሕያሮም ናይ ሞትን ሕማማትን ግዳይ ድሕሪ ምግባሩ ነታ ዩኒቨርሲቲ ብምዕጻው ንምቁጽጻር ንኽጥዕሙ ካብ ከተማታት ብምርሓቕ ብትሕቲ ወተሃደራዊ ምቁጽጻር ዝካየዳ ብቤት ትምህርቲ ሳዋ ዓመታዊ ተምሃሮ ዘቕርበለን ኮሌጃት አብ ሃመልማሎ፡ ባጽዕን ዓዲ ቐይሕ ከምዝኸፈተ ይፍለጥ። አብዘን ኮሌጃት ዝርከቡ ተምሃሩ ናይ አካዳምያዊ ነጻነት ዘየብሎምን አብ ሙሉእ ወተሃደራዊ ምቁጽጻር ዝርከቡን ቅድሚ ናብ ኮሌጃት ምእታዎም አብ ሳዋ ታዕሊም ወዲኦም ዝመጹ ወተሃደራት ኮይኖም ካብዚአም ብዙሓት ትሕቲ 18 ዕድመ ከምዝርከብዎ ይፍለጥ።

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...