ህዝባዊ ዘተ ኒው ዮርክን ከባቢኣን              

ERITREAN AMERICAN PUBLIC FORUM OF GREATER NEW YORK
ህዝባዊ ዘተ ኒው ዮርክን ከባቢኣን
P.O. Box 249 New York, NY 10462
E-Mail This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 

“You failed our youth……Eritrean youngster told the foreign minister at the meeting”

ትማሊ ሰንበት 27 መስከረም 2009 ዓ.ም. ብናይ ወጻኢ ሚኒስተር ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተዳለወ  ፍረ-ኣልቦ  ኣኼባ ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ ተኻይዱ።

ሚኒስተር ዑስማን ብድሕሪ መእተዊ ዘረብኡ ከም’ቲ ልሙድ ኣኼባኡ “ወያነ ካብ’ቶም ንሉዑላውነትና ክትንክፉ ዝፈተኑ ሓይልታት ሓደ ኢዩ” ብምባል መደርኡ ጀመረ። ብምቕጻል መንግስቲ ኤርትራ ነቲ  ውሳኔ ሙሉእ-ብሙሉእ ክትቅበሎ እንከላ “ወያነ” ግን ነጺጎሞ ጥራይ ዘይኮነስ መሬትና’ውን ሒዞም ኮፍ ኢሎም ኣሎው ብድሕሪ ምባሉ፣ ብዓል መን ምዃነን እኳ ኣይገለጸንን እምበር ፡ “ኣብ’ዚ እዋን እዚ ግን ጉዳዩ ዘስደመምን ሃገራት ኣፍና መሊእና ክንዘረብ ኢና ዝበላ ኣሎዋ” ኢሉ።

ኣቶ ዑስማን “ምስ’ተን ፓለቲካውን ጸጥታውን ኩነታተን ክጸልወና ይኽእል እዩ እንብለን ጎረባብቲ ሃገራት ብቐረባ ንሰርሕ ኢና” ብድሕሪ ምባሉ ዝጠቐሰን ሃገራት፡- ሱዳን፣ጫድ፣ግብጺ፣ሊብያ፣ ቀጠር ከማኡ’ውን እታ መንግስቲ ኤርትራ ወግሐ-ጸብሐ ኢድ የብለይን ዝብላ ሃገረ-ሶማል ከይተረፈት ጠቒሱወን። ቀጺሉ   ኣቶ ዑስማን ብቓላቱ “ንሰላማዊት ሓንቲ ሶማል ንእንገብሮ ጻዕርታት፡ ኤርትራ ኢዳ ከተውጽእ፡ እንተዘይኮነ ድማ ክትኩነን ተጻዒሩ ኢዩ። እንተኾነ እተን ኢጋድ ዝባሃላ ሃገራት ጌጋታት ከም ዘሎወን ዘይሰሓት ኢዩ” ክብል ተሰሚዑ።

ነቲ ወግሐ-ጸብሐ ብኣማእታት ንስግረ-ዶብ ዝጓረት ዘሎ መንእሰይ ኤርትራ ክገልጾ እንከሎ ድማ ካብ’ቲ ዲክተይተር ኢሰያስ ዝህቦ መግለጺ ከይወጸ ከም’ዚ ይብል። “ብምዕራባውያን ተመዊሉ ብወያነ ዝነጥፍ ናይ “human trafficking” ጉዳይ እዩ” ብድሕሪ ምባሉ፤ ነዚ ዘካይድዎ Agents ድማ ናይ ሶማል፣ ሱዳን፣ ግብጺ፣ኬንያ፣ ከምኡ’ውን ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ፓስፖርትታት ዝውንኑ ኮይኖም ንመንእሰያትና ብናይ ኤውሮጳን ኣመሪካን ምድራዊ ገነት ኣታሊሎም ፈቐዶ ሃገራት ዘኾብልሉ ዘሎው እዮም ይብል። ንሱ ጥራይ ከይኣኽሎ፡ ህዝብና ደቁ ከም ቀተልቲ ሰብ ብመቑሕ-ሰንሰለት ተኣሲሮም ካብ ሃገራት ማልታ፣ ግብጽን ሊብያን ብነፋሪት ናብ ኣስመራ ብድሕሪ ምምላሶም ኣብ ቤት-ማእሰርትታት ዓዲ-ኣበይቶን ናዂራን ክዳጎኑ ከምዘይተዓዘበ፡ “መንግስትና ንዓድና ምለሱና ንዝበሉ ጥራይ እያ እትመልስ” ክብል ጻዕዳ ሓሶት ነጊሩ። እቲ ኩነታት ስለ ዘይፈቐደ ድኣ እምበር “ኣብ ሓደ እዋን እቶም ተገዲዶም ዝምለሱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ነታ ሒዛቶም ትኸይድ ዝነበረት ናይ ሊብያ ነፋሪት ጨውዮም ኣብ ካርቱም ሱዳን ዘዕለብዋን ነብሶም ሓራ ዝገበሩን ጀጋኑከ እንታይ መግለጺ ትህበሉ?” ምተባህለ ።

ሚኒስተር ዑስማን ብዛዕባ ቁጠባውን ማሕበራውን ጉዳይ ክምድር እንከሎ፡ “ኤርትራ ከም’ተን ብኤውሮጳን ኣመሪካን ዘወጸለን ፕላን ዝሰርሓ ሃገራት ኣይኮነትን” ። ግን ግዳ “ብhome grown program” ኢያ እትሰርሕ” ብድሕሪ ምባሉ፤ “ፈኸራ ኣይኮነን!  ካብ ሙሉእ ኣፍሪቃ ከማና ብዝሒ machinery ዘሎዋ ሃገር የላን” ክብል ደርጒሑዎ። ኣብ’ዚ ንሱ ድዩ ነተን ሙዕቡላት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘይፈልጠን ኮይኑ? ወይ ክኣ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣኼበኛ እንታይ ኣፍሊጡዎ እዩ? ኢሉ እዩ  ነዚ መስደመም ዘረባ ዝደርጎሖ ንተዓዛባይ ዝገደፍ ሓደገኛ ዘረባ እዩ። እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ ግን ናይ መግቢ ውሕስነት ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ከነረጋግጽ ኢና ኢሉ።

መድረኽ ናብ ሕቶን መልስን ምስ ተሰጋገረ ከኣ ገለ ካብ ዝተሓተቱን መልሶምን ከም’ዚ ዝስዕብ ነይሩ። ሓደ ካብ ኣኼበኛታት “ጉዳይ ናይቶም ወግሐ-ጸብሐ ናብ ስግረ-ዶብ ዝኸዱ ዘሎው መንእሰያትና የሰክፈኒ እዩ፡ መፍቲሒኡ’ኸ እንታይ እዩ ትብሉ? ክብል ምስ ሓተተ………..ተወሳኺ ሕቶ ክሓትት ዕድል ዝተዋህቦ መንእሰይ ተንሲኡ ብዓውታ ከም’ዚ ክብል ተሰምዐ። “ኣነ ሓደ ካብ’ቶም ጸጊቦም ንስደት መሪጾም ዝበልካዮም ክንደይ ሃገራት ኣቛሪጾም ኣብ’ዚ ዝኣተው  መንእሰያት ኤርትራ  እየ። ከም’ቲ ዝበልካዮ ጸጊብና ዘይኮነስ፡ ኩሉ ዕድል ምስ ተዓጸወና ኣብ ዓድና ብዘይካ ሞት ካልእ ኣማራጺ ምስ ሰኣንና ንወስዶ ዘሎና ምርጫ እዩ። ንኽትፈልጥ ከኣ ብድሕሪ 2000 ዓ.ም. መንእሰይ ኤርትራ ካባኻ ይኹን ካብ መንግስትኻ ተስፋ ቆሪጹ እዩ። እዚ ርእይቶ እዚ ናተይ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ኩሉ መንእሰይ ኤርትራ ርእይቶ እዩ። “You failed our youth” ንህዝቢ ኤርትራ ሰፍ ዘይብል ይቕሬታ ክትሓትዎ ኣሎኩም። ንውሉድ ወለዶ ዘይርሳዕ ገበን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትገብሩ ኣሎኹም ብድሕሪ ምባሉ ብመራሕ መደብ ሕቶ እንተሎዎ ክሓትት እንተዘይኮነ ክኣ ክቋርጽ መጠንቀቕታ ምስ ተዋህቦ፡ “ ሕቶ የብለይን….ንዓኻትኩም ድ ኣ እንታይ ክሓተልኩም ብድሕሪ ምባሉ ኮፍ በለ”።  ብድሕሪኡ  ዝሰዓበ ሓታቲ’ውን ካብ’ታ ሃልሃል እትብል ዝነበረት ሕቶ ከይወጸ “ኣብ መንእሰያትና ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ይቕረ ዘይባሃሎ ገበን እዩ። መንእሰያትና ኣብ ፈቐዶ ዶባት ከም ደቂ ዛግራ ይህደኑ ኣሎዉ። ኣብ መንእሰያት ወዲቕኩም ኢኹም። ኣብ መንእሰያት ዝወደቐ ከኣ ከም መንግስቲ ውዱቕ እዩ” ምስ በለ ብመራሕ መደብ ክቋረጽ ተገዲዱ። ቅድሚ ኮፍ ምባሉ ግን “ካብ ናትኩም ፍልይ ዝበለ ሓሳብ ንዘሎዎም ክትጻወሩ ከም ዘይትኽእሉ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ” ኢሉ።

ሚኒስተር ዑስማን ንኽምልስ መጉልሕ ድምጺ ምስ ጨበጠ ዝበሎ እንተሎ፡ መእሰሪ ዘየብሉ ዘለፋ ብዝመልኦ ቃላት  ኣብ ኢትዮጵያ ዝመላለስዶ…..ምስ ወያነ ዝዝቲዶ ….ምስ  ኣመሪካ ዝተሓባበርዶ   ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ክኣቱ ኣይነበሮን” ብድሕሪ ምባሉ ከም ሰባር ባዚቃ ካብ’ቲ ወግሐ ጸብሐ ፕረሲደንት ኢሰያስ ዝህቦ ፍረ-ኣልቦ መደረታት ከይወጸ ዝጭበጥ ዘየብሉ ናይ ሃለውለው ኣኼባኡ ኣብቀዐ።  

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...