Eritrean Democratic Public Forum of Greater Boston
ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ መኣዲ ዘተ ቦስቶንን ከባብን
Eritrean Democratic Public Forum of Greater Boston
590 Shawmut avenue
Boston, massachusetts, 02118
Mailing Adress: EDPF-BOSTON
P.O.BOX 230385
BOSTON, MA 02123
E-mail: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.



መደብ በብእምነትና ብናይ ሕልና ጸሎትን ዝኽሪ ሰማእታትን ክጅመር ድሕሪ ምሕባር፣ ኣወሃሃዲ መደብ (ዑቝባይ ገብረመድህን) ኣኼባ በዚ ዝስዕብ መእተዊ ቃል ከፊቱዎ፥

ብሰሪ ዓመጽ ሓያላን ዓለም ዝሰዓበና በደል: ናጽነትና ንምጭባጥ ናይ ሳላሳ ዓመታት መሪር ቃልስን መስዋእትን ከፊልና ረኺብናዮ። ብፍቕሪ ሃገሮምን ህዝቦምን ተደሪኾም ክቡር ህይወቶም ንዘወፈዩ ጅጋኑ ስዉእትና ብሕልና እንዝክረላ ዕለት ከኣ 20 ሰነ ተመዲባ። ታሪኽ ዘሰከመና ግድነታዊ መስዋእቲ ኢዩ ኔሩ። ….እዚ ሎሚ እንዝክሮ ዘለና ግን ድሕሪ ናጽነት ናይ ዝተጋህደ ጥልመት ዘስዓቦ ናይ ታሪኽ ግርምቢጥ ኢዩ ኪበሃል ይከኣል።

ከምቲ መስቲያት ኣብ ገጽካ ምስ እተጸግዖ ኣነጺሩ ከርእየካ ዘይኽእልን ከተርሕቖ ዘድልን፣ ኣብ ውሽጡ ንዘለኻዮ ፍጻሜታት እውን ርትዒ ዘይኮነ ስምዒት ስለ ዝዕብልሎ፣ ብምሉእ ተረዲእካ ገምጋም ክትገብረሉ የጸግም ኢዩ። ግድነት ብግዜ ፍንትት ኢልካ ብናውቲ ታሪኽ ክትግምግሞ ይሓትት። ብመረረት ህልው ግዜ ዘይትንከፍ ግን ኣዚዩ ውሑድ ኢዩ። እዚ ኢዩ ኸኣ ሎሚ ኣኪቡና ዘሎ። -

ቀጺሉ ቃል ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ መኣዲ ዘተ ቦስቶንን ከባብን ብኣቦ መምበር  ኤ.ደ.መ.ዘ. ኣቶ ዮውሃንስ ፍረ ቀሪቡ። ትሕዝቶ መልእኽቲ ብሓጺር፥

እዚ እንዝክሮ ዘለና ዕለት: እቲ ህዝቢ ኤርትራ ሕድሪ ስዉኣት ደቁ ተጠሊሙ ካብ ዕለተ ናጽነት ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ከኻፍዮ ዝጸንሐን ዘሎን ሓሳረ መከራን፣ ግፍዕን መቕተልትን፣ ማእሰርትን ምስዋርን፣ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብዝለዓለ ደረጃ ዕርቃኑ ዝተቓልዓላ ዕለት መሰከረም 18: 2001 ትኹን እምበር፣ ኩነታት ማእሰርትን ምስዋርን ንጹሃት ዜጋታት ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናኸፍአ ኪኸይድ ምጽንሑን ምህላውን ናይ ዕዳጋ ምስጢር ስለ ዝኾነ፣ ብዙሕ ሓተታ ዘድልዮ ኣይመስለናን። እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተወሳኺ ሓዘን ንሃገርን ንህዝብን ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ኸኣ እቲ ኣብ ምድረበዳታትን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ማእከላይ ባሕርን ብቐጻሊ ዝጠፍእ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ህይወት መንእሰያት እውን ኢዩ። ስለዚ: ኣብ ወጻኢ እንርከብ ኤርትራውያን ዜጋታት ብዝወሓደ ደረጃ ክንገብሮ እንኽእል ነዞም ሃለዋቶም ዘይተፈለጠ ናይ ሕልና እሱራትን፣ ነቶም ኣብ ፈቐድኡ ዝጠፍኡ ዘለዉ ደቅናን: ኣሕዋትናን ኣሓትናን ድምጺ ክንኰኖምን ብሕልና ክንዝክሮምን ይግብኣና።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን፥ ሕሰም ሃገርና ዘርዚርካ ዝውዳእ ከም ዘይኮነ ኩላትና ብሕልና እንፈልጦ ኢዩ። እንተ ኾነ ግን: አዚ ሕሰም’ዚ ክንብድሆን ክንኣልዮን እንተ ድኣ ኴንና፣ ኣብ መንጎና ምርድዳእን: ምክብባርን ስኒትን ምስ ዝሰፍንን ሓቢርና ምስ እንምክቶን ኢዩ’ሞ፣ ፍቕርን ስኒት ከውርደልና ልባዊ ትምኒትና ንገልጽ። ሰናይ ምሸት መኣዲ ዘተ ይግበረልና።

ቀጺሉ እቲ ዝተሰርዐ መደብ ብኸምዚ ስዒቡ።

  1. ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሽመልባ ብቪድዮ፥
    ነዚ መደብ’ዚ ዘዳለወ ተቐማጢ ኣብ ቦስቶን ዝኾነ መንእሰይ ሱራፌል ወልዳይ ኪኸውን ከሎ፣ ነቲ ከም ሞያ ዘጽንዖ ኣለዓዕላ ናይ ተንቀሳቓሲ ፊልም: “ዝገብር ነዲኡ ነይነግር” ከም ዝብሃል፣ ጽቡቕ ሕልሚ ሓሊሙ: ረኣዩኒ ከይበለ ምስ ማሕበር መንእሰያት ተሓባቢሩ ተባዕ ስጉምቲ ብምውሳድ፣ ናብ ኣብ ሽመልባ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከይዱ ኣብ ቃሎም ዝስማዕ፣ ኣብ ገጾም ዝረአ ኩነታቶም ብቪድዮ ብሰፊሕ ቀሪጹ ከም ዘምጸአ ክገልጽ ከሎ፣ ምስቲ ሕጽረት ግዜ ዚኸይድ ክልተ ክፋል ዝሓዘ መደብ ኣቕሪቡ። ብትሕዝቶኡን ጽፈት ኣቀራርባኡን ዝበቅዕ መግለጺ ክትረኽበሉ ብሓቂ ኣጸጋሚ ኢዩ። እቲ ቀዳማይ ናይ ፍርቂ ሰዓት ምርኢት ንሓፈሻዊ ኩነታት ሰደተኛታት ዝገልጽ ንሕልና ሰባት ዝቕስቅስ ኪኸውን ከሎ፤ እቲ ካልኣይ ክፋል ግን ህጹጽ ቆላሕታ ዝሓትት ፍሉይ ኩነታት ጥዕና ተመስገን ገብረሚካኤል ዝተባህለ  መናእሰይ ዘተኮረ ኢዩ ኔሩ። እዚ መንእሰይ’ዚ ናይ ዓባይ ሰዓል ሕማም ዘጥቅዓቶን፣ ኣቐዲሙ ዝተዋህቦ መድሃኒት ክፍውሶ ስለ ዘይከኣለ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ህይወት ምንባሩ ዝሕብር ኢዩ ኔሩ። በዚ ምኽንያት፣ ኣብ ተሳተፍቲ ፍሉይ ናይ ምድንጋጽ ኣቓልቦ ፈጢሩ ንምሕጋዙ ህጹጽ ግብራዊ ስጕምቲ ንምውሳድ ገንዘብ ብተሎ ክዋጻእ ምርድዳእ ንቕጽበት ሰፊኑ።

  2. ቀጺሉ: “ህግደፍ ክጎሓፍ፡ ክብረትና ክንመልስ:  ብሓባር ዘገስግስ: ኣገባብ ዝቐይስ ጎደና ዓወት” ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ምሸት ዕዱምና ክቡር ሓው ተስፋልደት ኣለም መሓረና ንልቢ ተሳተፍቲ ብዓሚቝ ዝተንከፈ መደረ ኣቕሪቡ። ትሕዝቶ ናይዚ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ንምጽማቝ መሸገረ ኔሩ። እንተ ኾነ ግን፣ ሓው ተስፋልደት ብምሉኡ ብድምጺ (audio) መሊኡ ኣብ ኣዝማሪኖ.ኮም ከውጽኦ ምዃኑ ሓቢሩ ስለ ዘሎ ንኽትከታተሉ ንሕብር፤ ኹሉ ብጽሞና ሰሚዑ ምሉእ መራዳእታ ከም ዝረክብ ከኣ ንተኣማመን።
    ብድሕር’ዚ ኣብቲ ዝቐረበ መጽናዕትን ምርኢት ቪድዮን ዝተመስረተ ኣብ  ግብራውነት ዘድሃበ፣ ደኺምና ዝብል ስምዒት ዘይተራእዮ፣ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ምርድዳእ ዝሰፈኖ ዘተ ተኻዪዱ ብሕጉስ መንፈስ ኣኼባ ተዛዚሙ። ብዝሒ ተሳተፍቲ 75 ኔሩ።

ሓበሬታ ናይ ዝተበጽሐ ኣሳልጦ፣ ምስ ለበዋ ንኹሉ ኤርትራዊ፥

እቲ መንእሰይ ሱራፌል ሒዙዎ ዝመጸ ሓበሬታ ንተመስገን ገብረሚካኤል መድሃኒት ንኽለኣኸሉ ኢዩ ዝነበረ። መንእሰይ ዳኒኤል መብራህቱ (ተመሃራይ Harvard University Public Health ) ብዝገበሮ ዳህሳስ፣ ካብዚ መድሃኒት ንምልኣኽ ጸገማት ከም ዝነበረ ግን ዝሓሸ ኣማራጺ ከኣ ክርከብ ተኻኢሉ። ምስ  Anne Goldfeld, Researcher at Harvard University, President and Co-founder of Cambodian Health Committee/ Global Health Committee(CHC/GHC) ተዛራሪቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀረባ ግዜ ናይ ዓባይ ሰዓል ክሊኒክ ተኸፊቱ ከም ዘሎን ብዝቐልጠፈ ኪኸይድ ከም ዝኽእል ብዝሓበረቶ መሰረት፣ ተመስገን ገብረሚካኤል ምስ በዓልቲ ቤቱ ንኣዲስ ኣበባ ኪሓልፍ ተሓቢሩዎስ ዛጊት በጺሑ ኪኸውን ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ። ሕክምና ክሳብ ክልተ ዓመታት ኪወስደሉ ከም ዝኽእል ዛጊት Ms. Anne Goldfeld ሓቢራ ኣላ። ብወገን ማ.ም.ኤ. ቦስቶን ብዓቕምና ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንምቅልጣፍ ኣብ ምንቅስቓስ ንርከብ ምህላውና ክንሕብር ንፍቱ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፣ ኤርትራ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ደቃ ንኸንቱ ኲናት ከፊላ ድሕሪ ምዝኽታማ፣ ገና’ውን መንእሰያት ደቃ ብዝተፈላለየ ሓደጋታት ኣጥፊኣ ትደክን ትባድምን ስለ ዘላ፣ ሃየ ብዝወሓደ ህይወት ዝሓመሙ ንምድሓን ብዓይኒ ፖለቲካ ዘይኮነ ብሰብኣውነት ክርአ ስለ ዝግባእ፣ ብልግሲ ወስ ክንብል ንኹሉ ኤርትራዊ ነማሕጽን።

ኤ.ደ.መ.ዘ.- ቦስቶንን ከባብን

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...