ብሓባራዊት ኣካየዲት ሽማግለ ሽቱጋርትን ከባቢኡን ዝተጸውዐ ሰላማዊ ሰልፊ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሽቱትጋርት ተኻይዱ። እቲ ብዕለት 19/09/09 ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት ዝተኻየደ ሰላማዊሰልፊ፡ ውልቀምልካዊን ብልሽውን ምሕደራ ህግደፍ፡ ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ዘውረዶን ዘውርዶዘሎን ሰፍዘይብል ግፍዒ መከራን በደልን ንምቅዋም፤ ብኣውርኡ ከኣ ነቲ ባህርይ መለኽቲ ህግደፋውያን ተሰዊርዎ ዝጸንሐ ሓፋሽ ህዝብና ብፍላይ፡ ንሕብረተሰብዓለም ከኣ ብሓፈሻ፡ ንመንነትን ባህርያትን ህግደፍ ዘቃልዐት፡ ኢሰያስን መጋበርያታቱን ንኣባላት ካቢኔኡን ባይቶኡን ናይ ምትዕርራይን ነብሰግምገማን ኣኼባ ክግበረሎም ብምጥላቦም፡ ብጸረሃገርነትን ክሕደትን ኣጸሊሙ ዝሓየረላ ዕለት 18 መስከረም 2001 ንምዝካርን ኢዩ ተኻይዱ።

እቲ ሰልፊ፡ ብመሰረት መደቡ ልክዕ ሰዓት ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጎደና ተበጊሱ። ሰልፈኛታት ኣብ ጉዕዞም ንጀርመናውያንን ካልኦት ነበርቲ ናይታ ከተማን ብቛንቋ ጀርመን ዝተዳለወ፡ ንባህርያት ዲክታቶርያዊ ጭፍራ ህግደፍ ዝገልጽ ጽሑፋት እናዓደሉ፡ ብልዑል ድምጺ "ውድቀት ንዲክታቶር እንቢ ንምልኪ፤ ሕራይ ንሰላም እወ ንደሞክራሲ" እናጨርሑን ተእጓዒዞም። ነበርቲ ከተማ ሽቱትጋርት ድማ ብጨብጨባ ሶሊዳሪቲ ብምርኣይ ነቲ ሰልፊ ድምቀት ሂቦሞ።

እቲ ብብርክት ዝበሉ ፖሊስ ዝተዓጀበ ሰልፊ ኣብዝተመደበሉ ናይ ቫድንቩርተንበርግ ናይ ውሽጢ ሚንስተርዩም ቤት ጽሕፈት ብምብጻሕ፡ ብኣካያዲት ሽማግለ ዝተዳለወ ነቲ ዕላማ ናይቲ ሰልፊ ዘንጻባርቕን ዝገልጽን ጽሑፋት ብትግርኛን ጀርመንን ድሕሪ ምንባቡ፡ ብፍሉጣት ናይ ግጥሚ ኣዳለውቲ ደረስቲ ዝተዳለወ ግጥምታት ድሕሪ ቀሪቡ። ንህዝብን መንግስቲን ጀርመን ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ንምምሕዳር ቫድንቩርተንበርግ ንዝገበረልና ምትሕብባርን ስሉጥ ፍቓድን ብምምስጋን፡ እቲ ሰልፊ ብዓወትን ፍናን ዝመላኦን ኮይኑ ብሰላም ተፈጺሙ።

እቲ ሰልፊ ምስ ተወደአ ነቲ መዓልቲ ዝተዳለወ ናይ መበል 48 ዓመት ምጅማር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምኽባርን ንምዝካርን እቲ ድርብ ወፍሪ ናይቲ መዕልቲ ማለት ብሓንቲ እምኒ ክልተ ዑፍ ምህራም ስለ ዝነበረ ነቲ መዓልቲ ዘንጻባርቕ ብኣካያዲት ሽማግለ ዝተዳለወ ጽሑፍ ድሕሪ ምንባብ ንዝወዓልናዮ መኸተ ንምግምጋምን  ንመጻኢ ክምደቡ ዘለዎም ንጸረ ህዝብን ጸረ ደሞልራስን ጭፍራ ህግደፍ ንምእላይን ጠርሹ ካብ ህዝቢ ክንጸልን ክፍንፈንን መሊእና ክንስዕሮን ብኒሕን ሓቦን ሓድሕድ ምክብባርን ሰጢምና ክንሰርሕን ዝብሉ ብልዑል ሓላፍነት ዝመልኦ ልዝብ ብምክያድ እቲ ብዓል ብዓወትን ንቕድሚት ዓቢ ተስፋ ዝህብ ኮይኑ ብሰላም ተዛዚሙ።

ሓደ መስከረም ኣብ ህዝብና ክትዝከር ክትነብር እያ!!!

ውድቀት ንጨቆንትን ገበነኛታትን።

ክብርን ዝኽረን ንጀጋኑ ስዉኣትና።

ካሕሳይ ይሕደጎ።

20/09/09

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...