ክፉት ማዕጾ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ማሕበር፣ እንተወሓደ ሸውዓተ ዝኾኑ ብክርስትና እምነቶም ዝተኣሰሩ ኤርትራውያን፣ ብሰንኪ ሕማም መነንጃይተስ ሞይቶም ክብል ሎሚ 9/17/09 ኣብ ዘውጽኦ ዜና ሓቢሩ።

እዚ ዜና ቐጺሉ መንግስቲ ኤርትራ ነዞም ብሕማም ዝተጠቕዑ እሱራትን ናይ ቤት ጽሕፈት ሰራሕተኛታትን ካብ ዊዓ ናብ መጠረ ወተሃደራዊ መዓስከር ክሳብ ዘግዕዞም፣ ካብኣታቶም ሓደ መስፍን ገብረክርስቶስ ዝተባህለ ብሰንኪ ስእነት ክንክንን እቲ ሕማም ዘስዓቦ ድኻምን ብሞት ካብዛ ዓለም ተፈልዩ። መስፍን ሓደ ካብቶም ብእምነቱ ዝተኣሰረ ዜጋ ኔሩ።

መስፍን ገብረክርስቶስ ብዕለት መስከረም 3 ክመውት እንከሎ በዓል ሓዳርን ክልተ ቆልዑን እዩ ገዲፉ። እዚ ሞት እዚ ካብቶም ዛጊት ብእምነቶም ዝሞቱ ክርስትያን 10ይ እዩ ብማለት ጸብጻባት ይሕብሩ። ናይ መስፍን ገብረክርስቶስ እምነት ካብቲ ብመንግስቲ ብወግዒ ዝፍለጣ ሰለስተ ማለት ሉተራን፣ ካቶሊክን፣ ኦርቶዶክስ እምነታት ወጻኢ ስለዝኾነ እዩ ኣብ ማእሰርቲ ክርከብ ኪኢሉ።

ክልተ ሰሙን ይገብር መንግስቲ ኤርትራ ንኹሎም ዜጋታቱ፣ ኣብ ጎረባብቶም ዝኾነ ዘይሕጋዊ ኣኼባ ናይ ክርስትያን እንተድኣ ተኻይዱ፣ ንመንግስቲ ክሕብሩ ጻውዒት ጌሩ ክብል ክፉት ማዕጾ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ጸብጻባት ናይ ክፉት ማዕጾ ከምዝሕብሩዎ እቲ ጻውዒት ኣብ ሓደ “ገበን ንምክልኻል ምስ ፖሊስ ምተሕብባር” ኣብ ዝብል ኣኼባ እዩ ተነጊሩ። ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ብዘይተምዝገባ እምነታት ዝግበር ዘይሕጋዊ ኣኼባ ገበን ከምዝኾነን፣ ዜጋታት ድማ ነዚ ብኸምኡ ክርድእዎን ካብ ምሕባር ሓሊፎም፣ እዚ ገበን እዚ ከምዘቕጽዕ ነቶም ኣኼበኛታት ነጊሮምዎም።

ኣባላት ናይ ዘይተመዝገባ ናይ ክርስትያን እምነታት ኣብ ስግኣት ይርከቡ። ክፉት ማዕጾ መራሕቲ ናይ እዚኣተን እምነታት ነቶም ኣባላቶም ክተባብዑን እግዚኣብሔር ሓይሊ ክህቦም ምእንቲ ጸሎት ክገብሩ ይነግርዎም ኣለዉ። ተስፋ ኢየሱስ ኣብ ክንዲ እቶም ንባዕሎም ክዛረቡ ዘይክእሉ ዓው ኢሉ ክስማዕ ምእንቲ ጸሎት ይቐጽል ክብል እቲ ዜና ደምዲሙ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...