ብቐዳምነት፡"እንቋዕ ናብቲ ኣብዚ ቅንያት ዘኽበርናዮ ዓበይቲ በዓላት ናይ ክልተ እምነታትና ኣብቅዓና"ንብል። ወርሒ መስከረም ኣብ ታሪኽና፡ ኣደ መኸተን ኣደ ጽንዓትን ስለዝኾነት፡ ክብርቲ ኢያ። እቲ ክሰዓር ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ሓይሊ ዝሰዓርና፡ ሳላ እምነትናን ተስፋናን ኢዩ። ሕጂ’ውን ኣብ ገዛእ ነፍስና ተመርኲስና ብተስፋን ብኒሕን ቃልስና ክንቕጽል፡ ነፍስወከፍ ዜጋ ኣብ ወርሒ መስከረም ክኣትዎ ዘለዎ መብጻዓ ኢዩ። በዚመሰረት ከኣ ብወገንና፡ ነዚ መብጽዓ ዓበይትን ንኣሽቱን ተኣኪብና ደጊምናዮን ዘኪርናዮን።

ብዕለት 27 መስከረም ኣብ ከተማ ዙሪክ ኣብዝተኻየደ ኣኼባ፡ ንእጃም ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን፤ ንህልው ኩነታት መንእሰያት ኣብ ኤርትራን ኣብ ስደትን፡ ዝምልከት ሰፊሕ ገምጋም ተገይሩ። ኣብቲ ንኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ብግቡእ ንምርዳእ ዝተገብረ ውድዓዊ ትንተናታት፡ ተሳተፍቲ መንእሰያት ኣብ ህዝብና ብዛዕባ ወሪዱ ዘሎ ኣደራዕ ፋሺስታዊ መግዛእቲ ህግደፍ ብዕምቆትን ብትብዓትን ገሊጾም። ኣብ ናይ ገዛእርእሶም ተሞክሮታት ተሞርኪሶም ሽግር መንእሰያት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ባርነትን ጥሜትን ማእሰርትን፡ ውግእን ወረውግእን ከምዝኾነን፡ ኣብ ሰደት ድማ ካብኡ ዘይውሕድ ሓደጋታት ኣጻምእ ምድረበዳ ግብጽን ሊቢያን፡ ማእሰርትን ከርተትን ካብኡ ቀጺሉ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምጥፋእን ሰጊሮም ከምዝመጹን ገሊጾም። ጠንቂ'ዚ ኹሉ ዘስካሕክሕ ኩነታት መንእሰያትን ህዝቢን ብሓፈሻ ኣብ ኤርትራ ሱር ሰዲዱ ዝርከብ ፋሺስታዊ ስርዓት ውልቀመላኺ ምኻኑ ኣስሚሮምሉ።

ኣብ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ሽግራትን መንቀሊኡን ብንጹር ድሕሪ ምዝርዛር፡  ኣኼበኛታት፡ "ናይዚ ገዚፍ ሃገራዊ ህልቀትን ፍሽለትን ፍታሕ ንምርካብ እንታይ ክግበር ኣለዎ፧" ኣብ ዝበል ብሰፊሕ ተመያይጦም። እቲ ቀንዲን ቀዳማይን ክግበር ዘለዎ፡ ኤርትራዊ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ኣብዘዘለዎ ምጥርናፍን ምውዳብን ምኻኑ ድማ ተገሊጹ። እዚ ዝትግበረሉ ዝተፈላለየ መንገዲ እኳ እንተሎ፡ መንእሰይ ብዝጥዕሞን ብመጀመርያ ኣብ ዘዝነብረሉ ሃገር ክጠራነፍ፡ ካብኡ ሓሊፉ ከኣ ንፍትሓውን ደሞክራሲያውን ለውጢ ኣብዝካየድ ሃገራዊ ቃልሲ፡ መሪሕ ግዲኡ ከበርክት ዘኽእሎ ውዳበን ምጥርናፋትን ወሳኒ ከምዝኾነ ኣኼበኛታት ኣስሚረሙሉ።

ኣብ ነሻተል፣ ፍሪቡርግ፣ በርን፣ ዙሪክን ጀነቭን ዝተራእየ ተሞክሮታት በብከባቢኡ ተገሊጹ። ተሞክሮ ማሕበር ኤርትራውያን ሰደተኛታት ኣብ ፍሪቡርግ ከምኡውን ማሕበር ኤርትራውያን ንሰላምን ንደሞክራስን ተገሊጹ። ብሓቂ ድማ ሰባት እንተተወዲቦምን ተጠርኒፎርምን ዋላ’ውን ብቁጽሪ ውሑዳት ይኹኑ፡ ዓቢ ስራሕ ክዓሙ ከምዝኽእሉ ብኣብነታት ዝተሰነየ መግለጺታት ተዋሂቡ። ኤርትራውን መንእሰያት ኣብ ስዊስ ብዝመስሎም ኣገባብን መንገድን ንክጥርነፉን፡ እተን ድሮ ተመስሪተን ዘለዋ ማሕበራት፤ ማለት ማሕበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ፍሪቡርግ ከምኡውን ማሕበር ኤርትራውያን ንሰላምን ንደሞክራስን ክሕግዛ ድልዋት ምዃነን ገሊጸን።

ኣብቲ ብ27 መስከረም ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ድሕሪ ዘተ ክትዕን ለበዋን ክልተ መደብ ስራሕ ተሓንጺጹ። ቀዳማይ፡ ነፍሲወከፍ በቲ ዝደልዮ ኣገባብ ክጥርነፍን፡ ገዛእ ርእሱ ክመርሕን፡ ካልኣይ ድማ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብሰንኪ ዝተሓላለኸ መንገዲ ንዝወርድ ዘሎ ጸገማት ንምቅላል፡ ሰላማዊ ሰልፊ ክግበር ዝብል ነይሩ። ብድሕሪ’ዚ ምስ ናይ ዙሪክ ማሕበር ኤርትራውያን ንሰላምን ደሞክራስን ተሓባቢሮም ንህዝቢ ክጽዉዑ፤ ሾብዓተ መንእሰያት ብድልየቶም ንክሰርሑ ኣኼበኛታት ኣጽዲቖም። ዕማም ሰላማዊ ሰልፊ ከኣ ድሕሪ ምጥርናፍና ኪኸውን ድማ ተወሲኑ።

ፖለቲካውያን ናይ ሕልና እሱራትና ብርሃን ክርእዩ፡ ህዝብና ብሓፈሻ ክርህዎ፡ ቓልሲ ዝተዓጻጸፈ ስራሕ ዝሓትት ከምዝኾነ ተረዲእና፡ ብሓድነትን ብተወፋይነትን ከምቶም ቀዳሞት ተጋደልትና ብተስፋን እምነትን ንበገስ።

እቲ ናይ ኣኼባ መደብ ክዉን ንኽኸውን ንዝጸዓሩ ኩላቶም ምስጋና ይብጻሓዮም። ነታ ሓዳስ ኮሚቴ ድማ ዓወትን ኣሳልጦን ንምነየላ።

እቲ ዝተገብረ ኣኼባ ብማሕበር ኤርትራውያን ንሰላምን ንደሞክራስን ዝተጸወዐን ዝተመርሔን እዩ ኔሩ። በቲ ኣጋጣሚቲ ጨንፈር ማሕበር ኤርትራውያን ንሰላምን ንደሞክራስን ኣብ ዙሪክ፣ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ድማ ካልእ ስፍሕ ዝበለ ኣኼባ ኣብ ከባቢ ዙሪክ ክግበር መደብ ወጺኡ ኣሎ። እቲ ዝመጽእ ኣኼባ ቀንዲ ብሓልዮት መንእሰያት ኣብ ከባቢ ዙሪክ ዝውደብ እዩ።

ማሕበር ኤርትራውያን ንሰላምን ንደሞክራስን ኣብ ስዊስ

ጀኔቭ፣30/09/2009

Eritreans for Peace and Democracy
Code postale 402
1214 Vernier, Genève
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...