ኣብ ሕሉፍ ን“ሓድሽ ስትራተጅካዊ ውጥን ኢሳያስ” ዝገልጽ ሓበሬታ ዝሓዘት ጽሕፈቲ ኣቐዲማ ምውጽኣ ይዝከር፡፡ እዛ ትስዕብ ዓንቀጽ’ውን ምስኣ ዝተኣሳሰረት ኮይና ትሕዝቶኣ 1ይ. ብኣላይነት ተኽለ ማንጁስ ዝምራሕ ሓድሽ ዕጡቕ (“ህዝባዊ ሰራዊት”) ኣብ ምዝገባ ህዝቢ ምውፋሩ ድሮ’ውን ኣብ ኣውራጃታት ኣከለጉዛይ፡ ሰራየ፡ ሓማሴንን ካልኦት ከባቢታትን ምዝገባ ምጅማሩ፣ 2 ካብ ውሽጢ’ዚ ሓዱሽ ዕጡቕ “ህዝባዊ ሰራዊት” ካብ 18- 40 ዝዕድሚኦም ተተመምዮም ይፍለዩ ከምዘለው ዝገልጽ ትሕዝቶ ዘለዋ’ያ፡፡ እዘን ኣብዛ ዓንቀጽ ዝግለጻ ክልተ ትሕዝቶታት ንስትራተጅካዊ ውጥን ኢሳያስ ንምትግባር ዝዓለመ ፍጻመ ምዃኑ ከኣ ተወሳኺ መርትዖ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ህዝቢ ኢሳያስ ብዝፈጠሮም ማእለያ ዘይብሎም ጸገማት መልክዑ ዝለወጠ ካልእ ጸገም ኣጓኒፉ ከምዘሎ ንምሕባር’ዩ፡፡

ጸገማት ህዝቢ ኤርትራ መወዳእታ የብሎምን፡፡ “ጽባሕ ክሓልፍ’ዩ ተጸመሙ!”፡ “እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ!” ዝበሃላ ካብ ጸረ ለውጥን ደለይቲ ለውጥን ዝግለጻ መዳህለልቲ ቃላት ክትሰምዕ ቅጭ ይብለካ፡፡ “ተጸመሞ ክሓልፍ’ዩ” እንዳበሉ ዘደንቁሩና ጸረ ለውጢ ሓይልታት፡ ዕድመ ግዝኣቶም ምእንተ ከናውሑ እንተበሉና ካብኡ ሓሊፎም ዝብሉዎ ስለ ዘይብሎም እንተደጋገምዎ ኣይገርምን፡፡ ብህግደፍ ትመጽእ ጥር ትብል ካልእ ናትና ጽባሕ ከምዘየላ ግን ፍጹም ክዝንጋዕ ዘይግባእ ጉዳይ’ዩ፡፡ ብመገዲ ኢሳያስ ትጽልምት ጽባሕ ደኣ’ምበር ትወግሕ ጽባሕ ከምዘየላ ንክልተ ዓሰርታት ዓመት ዘረጋገጽናዮ ኩነት’ዩ፡፡

እቶም “እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ” ዝብሉና ደለይቲ ለውጢ’ውን በቢዕለቱ ብኣእላፍ እንዳሕለፈ፡ እንተሓለፍና’ሞ እንታ’ዩ ክነድሕን!? ስለምንታይ ከ ኣብ ትንቢት ተቖሪና  ንነበር? ኣእላፍ ንዘሕልፍ ሕላፎት ዘይነሕጽሮ? ንመን ኢና ንጽበ? ኣድላይ ብዘይኮነ ትንቢት እንኸፍሎ ዋጋ ኸ ምእንተ’ምንታይ? መዓስ ክንትክኦ? ክምልሶም ዘይከኣልኩ ኣብ ሓንጎለይ ዝመላለሱ ሕቶታት’ዮም፡፡

ትማሊ፡ ሕድሕድ ኤርትራዊት ስድራቤት ንናጽነት ዝተሓተቶ ረዘን ዋጋ ከፊላ፡ እንተኾነ ዕድላ/ልና ሓሲሙ ኩሎም ባህግታትና ማይንማይ ኮይኖም ተሪፎም፡፡ ተጠሊምና፡፡ መሬታዊ ናጽነት ጥራይ ሒዝና ተሪፍና፡፡ ንህዝባ መስተርሆት ዘይብላ ሃገር ኮይና ተሪፋ፡፡

ሰማእታትና ብሓደ ገጽ ሃገር ኣረኪቦምና፡ ብካልእ ገጽ ከኣ ሓደራ ሰማእታት ዝበልዑ ብጾቶም ዝነበሩ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ጠላማት ሓዲጎምልና ሓሊፎም፡፡ ኣብዚ እዋን ቅንዕ ኢሎም ንህዝቦም እንተዝርኡዎስ እንታይኮን ምበሉ!!? ሓደራ ሰማእታትና ከንቱ ንዘይምትራፍ “ክሓልፍ’ዩ!፡ “ክወግሕ’ዩ!” ዝብሉ ትንቢታት ኣወጊድና፡ ሕጂ’ውን ክንከፍሎ ዝግበኣና ኩሉ እንተታት ከፊልና  ህዝብና ሓራ ነውጽእ፡፡ ኣብ ዘይጭበጥ ናይ ትንቢት ተስፋ ንህዝቢ ቆሪኑ ነቲ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ህዝቢ ከደናግር ከይደቀሰ ዝሓድር ጉጅለ ዘገልግል ጭርሖ ካብ ምዃን ሓሊፉ ንህዝብና ፍጹም ፋይዳ የብሉን፡፡ ሓደ ገጽና እንዳተሃረምና ንካልኣይ ገጽና ኣሕሊፍና እንደሃብና ምንባር የብቅዕ፡፡ ብውሽጥን ብደገን ኣብ ሓደ ተዛማዲ ኣረኣእያ ተጠሚርና ተወዲብና ስሙር ሓይሊ ፈጢርና ነቲ ሕላፎት ነሕጽሮ፡፡ ንውዳበታትናን ንስምረትናን ዘበርዕን ኣብ ውሽጥና ዝልሑኽ ተንኮላት ብጽንዓትን ትብዓትን ንመክቶ፡፡ ኣይኮነን ግን እዚ ኩነታት ሕጂ’ውን ናብ ሕማቕ ኣንፈት የምርሕ ከምዘሎ ኩሉ ዜጋ ብኣንክሮ ከቋምቶ ኣለዎ፡፡

ኢሳይያስ በትረ ስልጣን ድሕሪ ምጭባጡ ኣብ ሃገርና ስሩዕ ቆጸራ ህዝቢ ዝበሃል ኣካይዱ ኣይፈልጥን፡፡ ቆጸራ ህዝቢ ብሃበ ተረኽበ ዝፍጸም ቀሊል ዕማም ከምዘይኮነ ንኹሉ ርዱእ እዩ፡፡ እንተወሓደ ነዚ ክትዓምም ቀዳምነት ንጹር ፖሊሲ፡ ነዚ ዕማም ዝመርሕ ትካል (Institution) ብወግዒ ምቋም፡ ዶባቱ ንጹር ዝኾነ ትካላዊ ኣሰራርሓ ክህልዎ ምግባር፡ ብስነ ህዝቢ ዝተምሃሩ ብቑዓትን ስልጡናትን ሰብ ሞያ ምውዳብ፡ ማላዊን ማተርያላዊን በጀት ምስላዕን ዝፍጸመሉ ግዜ ምውሳን ዘድልዮ፡ ናይ መንግስትን ዘይመንግስታዊያን ማሕበራትን ተሳትፎ ዝሓትት፡ ብምውህሃድ መራኸቢ ብዙሃንን ሓያል ምውዕዋዕን ዝጠልብ ዕማም ምዃኑ ዝኾነ ሰብ ዝዝንግዖ ኣይኮነን፡፡

ነዚ ጉዳይ ኢሳያስ ስለዘንቀሎ ክዛረበሉ ተገዲደ’ምበር ኣብ ሃገርና ቀዳምነት ክዕመም ዘለዎ እዋናዊ ጠለብ እዩ ኢለ ስለዝኣምን ግን ኣይኮነን፡፡ ቀንዲ ሕቶ’ዚ እዋን ቀዳምነት ከዛርብ ዘለዎ ዛዕባ ምድሓን ህዝብን ሃገርን’ዩ፡፡ እቲ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዘይዋኒኑ ጉጅለ ኣብዚ ኣጀንዳ ክንህውትት፡ ዜጋታት እዋናዊ ኣብዘይኮነ ዕማም አለሽ ክብሉ እንተገበረ ንሱ ዕላምኡ’ዩ፡፡ እንተንሕና ግን ምውሓስ ህልውና ህዝብና ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ዕማም ምዃኑ ኣሚና ነዚ ንምርግጋጽ መሰረታዊ ለውጢ ምፍጣር ጥራይ ምዃኑ ብሕታዊ ምርጫና ክንርዳእ ይግባእ፡፡

ንመእተዊ ዝኣክል እዚ ካብ በልኩ፡ እዚ ሕጂ ብ“ህዝባዊ ሰራዊት” ክካየድ ተጀሚሩ ዘሎ ምዝገባ ህዝቢ ንስውር ባህግታት እቲ ጉጅለ እንተዘይ ኮይኑ ኮን ዶኾን ውዒሉ ሓዲሩ ንህዝብን ሃገርን ይጠቅም ይኸውን? ክበሃል ዝከኣል ጥብ ዝብል ቁምነገር የብሉን፡፡

ሓሓሊፉ ዕላምኡ ዘይፍሉጥ፡ ብዕሊ ዘይግለጽ፡ ካብ ወለንታ ኢሳያስ ዝብገስ፡ ብገለ ገለ ኣሃዱታት ሰራዊት ዝፍጸም፡ ንጹል ዝኾነ ምዝገባታት ህዝቢ ክካየድ ጸኒሑ እዩ፡፡ ሎሚ ከኣ ከም መቐጸልትኡ ብህዝባዊ ሰራዊት ክዕመም ብዘይወግዓዊ ተኣዚዙ ኣሎ፡፡

ተኽለ ማንጁስ ብዝመርሖ “ህዝባዊ ሰራዊት” ዝፍጸም ምዝገባ ህዝቢ፡ ኣብ ልዕሊ መሳኪን ብኣስገዳድ ዝዓጠቑ ወለድና፡ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ወዲቑ ዘሎ ዕማም’ዩ፡፡ እዚ ዕማም’ዚ ኣይ ንሃገር ኣይ ነቶም መዝገብቲ ቅንጣብ ረብሓ ዘይብሉ፡ እኳደኣስ መዝገብቲ ኣብ ክንዲ ኣብ ውልቃዊ ዋኒኖም ዝውዕሉ ኣብ ታዕሊም፡ ኣብ ወፍሪ ማእቶት፡ ሕጂ ከኣ ብጸሓይን ብቑርን ፋሕ ኣብ ዝበለ ኣሰፋፍራ ዘለወን ስድራ ቤታት ካብ ቤት ናብ ቤት እንዳዞሩ ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ድጋፍ (መጓዓዝያን ካልእን) ንሕድሕድ ሰብ 4 ገጽ ብዘለዎ ቅጥዒ (መጠይቕ) ክመልኡ ጨንቆር ክብሉ ይውዕሉ ኣለው፡፡

ንመዝገብትን ተመዝገብትን ዕላማ’ቲ ምዝገባ ኣይተገልጸሎምን፡፡ “ዝተብሃለኩም ጥራይ ትገበሩ!” ‘ዮም ተባሂሎም፡፡ ገለ ካብ ትሕዝቶታት እቲ ቅጥዒታት ግን፡- ሰብኣይን ሰበይትን ነናይ ባዕሎም ታሪኽ ክሳብ ራብዓይ ወለዶኦም ይሕተቱ፡ ልዕሊ ዕድመ ግን ዘይምርዑው ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ደገን ዘሎ ሕድሕድ ውላዶምን ስራሕቱን ይምዝገብ፡ ኣብ ደገ ዝርከብ ውላድ እንታይ፡ ክንደይ፡ ኣብ ክንደይ ግዜ፡ በየን መገዲ ሰልዲ ይልእኽ? ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ውላድ ተኾይኑ ስርሑ፡ ኣድራሽኡ፡ ዕድሚኡ፡ ኩነታቱ፡ መሃያ እንተለዎ በዝሒ ደሞዝ 680፡ 950፡ 1200፡ 1500፡ ይምዝገብ፡ ሓረስታይ ተኾይኑ፡ ስፍሓት መሬቱ ብሄክታር፡ ዓመታዊ እቶቱ (2፡ 4 ፡6 ፡ 8፡ 10፡ ኩንታልን ልዕሊኡን ተባሂሉ ብመሰረት’ተን ኣሃዛት የኽብቡ፡ መንበሪ መስርሒ ገዝኡ (ግምታዊ) ብሜትር ካሬ ክንደይ ብዛዕባ ምዃኑ ሪከርድ ይግበር፡ ካብ ደርሆ ንላዕሊ ኩለን ዓይነት ጥሪታት (እንስሳት)ን በዝሕን ይምዝገባ፡ ካልእ ኣብ ባንኪ ዘሎ ጥረ ገንዘብን ካልእ ቋዋሚ ማልን፡….ይምዝገብ፡፡

ኣባላት “ህዝባዊ ሰራዊት” ብመሰረት ትእዛዞም ስራሕ ምስጀመሩ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሰራየን ኣከለጉዛይን ካብ ተመዝገብቲ (ስድራቤታት) ተቓውሞታት ኣጋጢምዎም፡፡ ትሕዝቶ’ቲ ተቓውሞ፡- ምዝገባ ስለምንታይ? መን ኢኹም ንስኹም? መን ሊእኹኩም? ንዓና ብወግዒ ዝተገልጸልና የልቦን፡ ከምዚ ዝበሃል ካብ በዓል ሞያን ወግዓዊን ወጻኢ ምዝገባ ህዝቢ ክካየድ ርእይናን ሰሚዕናን ኣይንፈልጥን፡ ስለዚ  ንዘይንፈልጦ ምዝገባ ፍቓደኛታት ኣይኮናን … ዝብሉ ነይሮም፡፡ ተኣዚዞም ደኣ’ምበር ብዛዕባ’ቲ ምዝገባ ክገልጹ ከምዘይክእሉ፡ ንባዕላቶም’ውን ከምዘይፈለጥዎ ዝመለሱ መዝገብቲ፡ ንዝተውሃቦም ትእዛዝ ክፍጽሙ ከምዘይከኣሉ ንሓለፍቶም ጸብጻቦም ኣቕሪቦም፡፡

ድሕሪ’ዚ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት ንህዝቢ ኣኪቦም እዚ መንግስቲ ዝፈልጦ ቆጸራ ህዝቢ’ዩ፡፡ ነዚ ዘይቕበል ጸረ መንግስቲ እዩ ብዝብሉ ልሙዳት ታህዲዳቶም ንህዝቢ ገሊጾም፡፡ ኣብ ግዜ እቲ ኣኼባ ካብ ህዝቢ ዝቐረቡ ሓድሓደ ሪእይቶታት ምዝገባ ህዝቢ ዝኣክል መደብ ኣብ ሞንጎ ኣማሓደርትን መዝገብቲ ዕጡቋት ሰራዊትን ምውህሃድ ከይተገብሮን ኣቐዲሙ ንተመዝጋቢ ህዝቢ ከይተገልጸን ምጅማሩ፡ እዚ መንግስቲ ብሃሳሰ ለባም ይጓዓዝ ከምዘሎ የረድእ ዝብል ነይሩ፡፡

ድሕሪ እዚ እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ደሓን‘ሞ ሰሚዕናኩም ኣለና ፈቲና ጸሊእና ዝበልኩምና ክንገብር ኢና ኢሉ ተበቲኑ፡፡ ሕጂ’ውን ግን ዝመጸ ይምጻእ’ምበር ዕላምኡ ከይተገልጸልና ኣይንምዝገብን ኢሎም ዝሓንገዱ ውሕዳት ካብ ህዝቢ ከምዘለው ተፈሊጡ፡፡ ነዞም ዝሓንገዱ እንታይ ከምዝስዕቦም ዛጊት ኣይተፈልጠን ኣሎ፡፡

ንምዝገባ ዝተዋፈሩ ኣባላት “ህዝባዊ ሰራዊት” ልዕሊ 8ይ ክፍሊ ዝተምሃሩ፡ ካብ ኩለን ኣሃዱታት “ህዝባዊ ሰራዊት” ዝተውጻጽኡ፡ ንሰለስተ መዓልታት ጥራይ ብኣዘዝቲ ብርጌዳቶም ክልሰ-ሓሳባዊ ስልጠና (ኦረንተሽን) ዝወሰዱ እዮም፡፡ ናይ ተግባር ልምምድ ግን ኣይተገብረሎምን፡፡

እቲ ካልኣይ ኣብ ውሽጢ ሓዱሽ ዕጡቕ “ህዝባዊ ሰራዊት” ዝፍጸም ዘሎ እዋናዊ መደብ ብዕድመ ካብ 18- 40 ናይ ዝኾኑ ዕጡቋት ምፍላይ’ዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ብኣንጻር ዕድመ ንምፍላይ ካብ ላዕሊ መደብ ወሪዱ ምንባሩ ሓቢረ ነይረ፡፡ ሕጂ ብተግባር ካብ 18- 40 ዝዕድሚኦም ዕጡቋት፡ ብዕድሚኦም ብኣካላዊ ኩነታቶምን ኣያ ዘይብሎምን ጥራይ ብመሰረት ኦርኒክ እንዳተመልመሉ ካብ ኩለን ብርጌዳት ንበይኖም ተፈልዮም ይእከቡ ኣለው፡፡ ንኣብነት ኣብ ትሕቲ ክ/ሰራዊት 55 ካብ ዝርከባ 11 ብርጌዳት ካብ 5ይ ብርጌድ ደቂምሓረ፡ 7ይ ብርጌድ ሰገነይቲ፡ 9ይ ብርጌድ ዓዲቀይሕ፡ መበል 11 ብርጌድ ሰንዓፈ፡ ኣብ ማይዓይንን ጾሮናን ዝርከባ 8ይን 10ይን ብርጌዳት ዝተዋጽኡ ዕጡቋት ከካብ ኣሃዱታቶም ተፈልዮም ኣብ ማይሰራው ይእከቡ ኣለው፡፡ ብመሰረት እቲ ረቛሓ ተተመምዮም ዝወጹ ዘለው ዕጡቋት ብሓደ ገጽ ዓሊሞም ናብ ፍሉይ ሓይልታትን ክ/ሰ 525ን ንምውዛዕ ዝብል ክከውን ከሎ፡ ብካልእ ገጽ ከኣ ናብ ዝጎደላን ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝርከባ ኣሃዱታት (ናብ ምብራቓዊ ግንባር ዓሰብ) ክለኣኹ መደብ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡

ነዚ ኩነታት ዘስተብሃለ መብዛሕትኡ ኣባል ሓዱሽ ዕጡቕ “ዘይሃድሙ ፈትዮም ጸሊኦም መሰረቶም ዘይለቁ” ብዝብል መንግስቲ ናይ ዝወጠኖ ውጥን መጋበርያ ኣይንኾውንን ብምባል፡ 1. ንሰሙን ፍቓድ ነናብ ዓዶም ምስ ከዱ ክልተ ወርሒ ይገብሩ ተታሒዞም ይምለሱ ሰሙን ክልተ ሰሙን ይእሰሩ፡ እንደገና ጠፊኦም ይኸዱ ተታሒዞም ይምለሱ በዚ “ደቀይ ካብ ዝደፍን ክልተ ወርሒ ጠፊአ ስርሐይ ኣሳሊጠ ክልተ ሰሙን ምእሳር” ዝብል ከም ምርጫ ክወስዱ ተገዲዶም ኣለው፡፡ 2. ከምቲ ንኣሃዱታት ምዱብ ሰራዊት (መሳርዕ፡ ጋንታትን ሓይልታትን) ጋህ ኣቢሉ ካብ ሃገር ዝወጽእ ዘሎ ወተሃደር፡ እዚ ሓዱሽ ዕጡቕ’ውን ንስደት ከምርሕ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ ብምኽንያት’ዚ ድማ ዓቕሚ ሰብ ሓይልታት ህዝባዊ ሰራዊት ምንቁልቋል ጀሚሩ ኣሎ፡፡ ንኣብነት ኣብ ክ/ሰ 55 ኣስታት 35 ዓቕሚ ሰብ ዝነበራ ሓንቲ ሓይሊ ኣብ ቀረባ 12 ዓቕሚ ሰብ ሒዛ ምትራፋ ጸብጻባት እታ ኣሃዱ የረጋግጽ፡፡

ህግደፍ ብሓሳብ ክምክቶ ንዘይከኣለ በዳሂ ሕቶታት፡ ዝምክተላ ነዊሕ ዕድመ ዘቑጸረት ሜላ ኣላቶ፡ “መንግስቲ ሰለም ከየበለ ይሰርሕ ኣሎ፡፡ እዚ እዋን ናይ መኸተ እዋን’ዩ፡፡ ጸላእትና በዓል ወያነን ማ.ወ.ስን ጸረ ኤርትራ ኣብ ምስራሕ ይርከቡ፡፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተሃዋጺ እዋን፡ ምርጫ ዘይገበረ፡ ቅዋም ዘየጽደቐ፡ ዘየጣየሰ፡ ብዘይፍርዲ ኣሰረ፡ መነባብሮ ሓሰመ፡ ደሞዝ ዘይወሰኸ፡ ትካላዊ ኣሰራርሓታት ዘየተኣታተወ፡ ገጂፍ ልምዓት ዘየንጸፈ… ኢልካ ንመንግስቲ ምሕማይ ሕማም ትሕቲ ሃገራዊነት፡ መሳርሒ ወያነ ምዃን’ዩ፡፡ ብምኽንያት’ዚ ቅድሚ ቀዳድም ምውሓስ ሃገር ንዝብል ዕላማ ሓንጺጹ ለይትን ቀትርን ንዝቃለስ መንግስቲ ዘዕንቅፍ ወይልኡ” ብምባል የፈራርሕዎ ኣለው፡፡

ሰናይ ቅነ !!

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...