01 ግንቦት 2012
ምልክነት ኢሳይያስ ኣብ ትራክ ቢ ሒደት ሰባት ዝፈልጥዋ
ናይ ጠለፋ ማእከል ኣቒሙ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ኣብ ውሽጢ ዝርከቡ ምንጭታት ወጋሕታ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ከምዘረጋገጾ ብዙሓት ኤርትራውያን ተሓይሮም ሓሳረ መከራ ዝርኣየሉ ቤት ማእሰርቲ  ተራክቢ ብሚስጥር ክሕደስ ብምግባር ሓደስቲ ዘበናዊ መሳርሕታት ብምእታው ናይ ላዕለዎት ሓለፍትን ካልኦት ዜጋታትን ርክባት ዝጥለፈሉ ማእከል ክኸውን ተጌሩ’ሎ።

ትራክ ቢ ነዚ ዕማም እዚ ተባሂሉ ብሚስጥር ክሕደስ ከሎ ኮነ ተባሂሉ ንኣገልግሎት ሚኒስትሪ ዜና  ክውዕልዩ ዝብልን ካሊእ ወረን ክመሃዘሉ ጸኒሑ’ዩ ዝበለ እቲ ሓበሬታ እቲ ሓቂ ግን ትራክ ቢ ኣብ ክልተ  ተኸፊሉ በቲ ሓደ ወገን ናይ ሓለዋ ኮይኑ በቲ ካሊእ ገጹ ከኣ ኣብ ውሽጡ 4 ዓበይቲ ገዛውቲ ተሃኒጹ ከቢድ ሚስጢራዊ ጠለፋ ዝካየደሉ ከምዝኾነ ኣነጺሩ።

እቲ ናይ ጠለፋ ቦታ ካብ ፍሉይ ኣሃዱ እንዳ 84 በብ6 ወርሒ ብዝቀያየራ ቦጦሎታት ዝሕሎ ኮይኑ ኣዛዚ’ታ ክፍለ ሰራዊት ኮነሬል ወልደማርያም ጸጋይ’ውን ተኾነ ኣሃዱ ኣላትኒ ክሓትት ብምባል ናብ ጥቃ’ቲ ቦታ ክጽጋዕ ከምዘይፍቀደሉን ኣባላት ሓለዋ ‘ውን ኣብዚ ኣለና ኢሎም ንስድርኦም ክሕብሩ ኮነ ምስኦም ክረኸቡ ፍጹም ከምዘይፍቀድ ጥቡቅ መምርሒ ከምዝተወሃቦም ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ዙርያ እታ ናይ ጠለፋ ቦታ 16 ናይ ሓለዋ ናቑጣታት ኣለዋ ዝበሉ ምንጭታት ወጋሕታ ናብታ ቦታ ምስ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ስጡም ርክበ ዘለዎ ኮነሬል ተሰፋልደት ተስፋስላሴን ካብኡ ዘይፍለ ሌተናል ኮነሬል ሻውሽን ዝርከቡዎም 3 ወይ 4 ሰባት ተዘይኮይኑ ዝኣቱ ከምዘየለ ‘ውን ሓቢሮም’ዮም።

ኢሳይያስ ባዕሉ’ውን ብንእሽተይ ናይ ገዛ መኪና ብዘይ ዓጃቢ ምስ ተስፋልደት ናብታ ቦታ ከምዝመጽእ ሓበሬታ ምንጭታት ወጋሕታ ብተወሳኺ ኣረጋጊጹልና’ሎ።

------------------------------------------/////////////------------------------------

01 ግንቦት 2012
ኤርትራ ኣብ ዓለም እታ ዝብኣሰ ጭቆና ዜጋታት ዝርኣየላ
ሃገር ከምዝኾነት  ተረጋጊጹ።

ካንሳስ ሲቲ ዝተበሃለት መርበብ ሓበሬታ ዕላዊ ኣብ ዝገበረቶ ሪፖረት ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስን ጉጅለ ፈረንሳን ዘሰላሰሉዎ መጽናዕቲ ዝረዳድኣሉ ነጥቢ ኤርትራ ኣብ ዓለም እታ ዝብኣሰ ጭቆና ዜጋታት ተርኢ ዘላ ሃገር ከምዝኾነት ዘነጸረ ኾይኑ ኣሎ።

ንኢራን ሰሜን ኮርያን ቤላሩስን ምስ ሕሱም ጭቆና ኣዛሚዱ ቅድሚት ንዝስርዑ ሰባት ክገርሞም ዝኽእል’ኳ ተኾነ እቲ ሓቂ ግን ኤርትራ ካብ ናታተን ዝብእስ ጭቆና ምሕደራ ዘለዋ ምዃና ዘረጋግጽ’ዩ ድማ ኢሉ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግናይ ምሕደራን ክፉእ ሃዋህውን ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ጥራይ ካብ ሓፈሻዊ ህዝባ እቲ 25 ሚእታዊት ሃገሩ ገዲፉ ክስደድ ዝቐሰበ’ዩ ዝበለ እቲ ሪፖርት ኤርትራውያን መንእሰያት መንግስቲ ዶብ ክሰግር ዝተረኸበ ክርሸን ኣዚዙ እናሃለወ’ውን ክትነብር ተደሊኻ ካብ ሃገር ውጻእ ዝብል መትከል  የቃልሑ ከምዘለው ከኣ ኣረጋጊጹ።

ሂውማንስ ራይትስ ዎች ኤርትራ ሰበ-ስልጣናት ነበር መራሕቲ ሃይማኖትን ጋዜጠኛታት ዝርከቡዎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታትን ኣብ 314 ኣብያተ ማእሰርቲ ተሓይሮም ዝሳቀየላ ኣብ  ዓለም እታ ዝብኣሰ ጭቆና ተርኢ ሃገር እያ ክብል ምግላጹ’ውን ጠቂሱ’ዩ እቲ ሪፖርት።

ገሊኦም ካብቶም ኣብ ኤርትራ ትሕቲ ምድሪ ዝርከቡ ኣብያተ ማእሰርቲ 229 ጫማ ትሕቲ ጽፍሒ ባሕሪ ዝርከቡን 140 ዲግሪ ዝበጽሕ ዋዒ ዘለዎም ከምዝኾኑን ብስሪ ሕሱም ድርቀትን ወቅዒ ልብን ሂወት ሰባት ክጠፍእ ምርኣይ ልሙድ ምዃኑን’ዩ ሂውማን ራይትስ ዎች ዘነጽር።

-----------------------------------------//////////----------------------------------

01 ግንቦት 2012

ምድረበዳ ሲናይ ስቃይ ኤርትራውያን ተተኣናግደሉ ህሞት
ሕጂ’ውን ይቕጽል ኣሎ።

ኤቭሪ ዋን ግሩፕ ዝተበሃለ ንመሰል ዜጋታት ዝሕለቅ ጉጅለ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ሓበሬታ- ሳሚኤል ዝተብሃለ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ምድረበዳ ሲናይ  ብጉጅለ ገበነኛታት ተታሒዙ ዝብኣሰ ስቃይ ይወርዶ ከምዘሎ ተስፋይ ካብ ዝተበሃለ ዘመዱ ንዝበጽሖ ለበዋ ብምጥቃስ ኣረጋጊጹ’ሎ።

እቲ ኣብ ኢድ  በዳዊን ወዲቁ ዝሳቀ ዘሎ ኤርትራዊ ብነጻ ክስደድ ዝኽእል 33 ሺሕ ዶላር እንተተኸፊሉሉ ጥራይ ከምዝኾነ ብግልጺ ከምዝተነገሮ እቲ ዜጋ ምግላጹ’ውን እቲ ሓበሬታ ገሊጹ።

እቲ ዜጋ ነዚ ጸገም’ዚ መፍትሒ ኣብ ምድላይ ኤቭሪ ዋን ግሩፕ ኩሉ ዝከኣሎ ድጋፍ ክገብር ተማሕጺኑ’ዩ።
እቲ ንመሰል ዜጋታት ዝሕለቅ ጉጅለ እቲ ዜጋ ኣደዳ መጥባሕቲ በዳዊን መታን ከይኸውን ምስ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳዊ ሕብረትን ሰብ መዚ ግብጽን ኣብቲ ጉዳይ ኣተኩሩ ክዘራረብ ከምዝኾነ’ውን ጠቂሱ’ዩ።

ከምኡ’ውን ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ኣብ ዝሰላሰል ዝውውር ደቂ ሰባት ዘተኮረ ኮንፈረንስ ኣብ ግብጺ መራኸብቲ ሓፋሽ ሰበ-ስልጣን መንግስትን ኣካላትን መንግስትን ኣብ ዘለውሉ ዝካየደሉ ባይታ ክፍጠር ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎ ኤቭሪ ዋን ግሩፕ ኣፍሊጡ’ዩ።

------------------------------------------/////////////------------------------------

02 ግንቦት 2012

ኣብ መሳርዕ ሰራዊት ተፈጢሩ ዘሎ ስግረ ዶብ ዘኸሰቶ ዋሕዲ ሰብ
ዋርድያ  ለይቲ ንምስራዕ ክሳብ  ምጽጋም በጺሑ።

ኣብ ውሽጢ ዝርከቡ ምንጭታት ወጋሕታ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ንዓመታት ብዘይምቁራጽ ወተሃደራት ዶብ ሰጊሮም ስደት ብምኻድ ክወስድዎ ዝጸንሑ ምርጫ ኣብዚ ሕጂ እዋን መሳርዕ ሰራዊት ጥርሐን ተሪፈን ዋርድያ ለይቲ ንምስራዕ ክሳብ ምጽጋም በጺሑ ከምዘሎ ኣረጋጊጾሙልና ኣለው።

ሓንቲ መስርዕ ፡- ሓደ መራሒ መስርዕን 3 መራሕቲ ጉጅለን ዘለውዎም 14 ሰባት ክነብሩዋ ዝግባእ’ኳ ተኾነ ሕጂ ሙሉእ ብሙሉእ ፈሪሳ።

ሓንቲ ጋንታ፡-    44 ወይ 45 ትሕዝ ኮይና ሎሚ ኣብ ብርክት ዝበላ ኣሃዱታት ጋንታ ፈሪሳ ኣብ እንዳ ሓይሊ ተጠርኒፉ ኣብ ገለ ገለ ድማ 2 ክሳብ 4 ዓቕሚ ሰብ ሒዘን ተሪፈን ኣለዋ።

ሓንቲ ሓይሊ፡-     ካብ 145-150 ዓቕሚ ሰብ ዝሕዛ ኮይነን ሕጂ ምስ ኣዘዝተን 9ተ ወይ 10ተ ሰብ ሒዘን ተሪፈን ከምዘለዋ እቲ ሓበሬታ ብኣብነት ገሊጹ’ዩ።

እዚ ሓይሊ ዓቕሚ መስርዕ ቦጦሎኒ ዓቕሚ ጋንታ ሒዘን ዝተርፋሉ ኩነት ናይ መሳርዕን ጋንታን ቅርጺ ኣቃውማ እቲ ስም ከይፈርሰኩም ዝብል ትእዛዝ ካብ ላዕሊ ዝወረደሉ ኣዛዚ ቦጦሎኒ ኣነኮ ኣብዚ እዋን ኣዛዚ ቦጦሎኒ ድየ ኣዛዚ ጋንታ ኣይተረድኣንን ስም ቦጦሎኒ እምበር ዝእዝዞ  ኣብ ባይታ ዘሎ ዓቕሚ ሰብ እኮ ጋንታ’ዩ ክብል ከምዝተዛረበ ከኣ እቲ ሓበሬታ ኣነጺሩ።

በዚ መሰረት ነታ ዓቕሚ ሓንቲ መስርዕ ሒዛ ዝተረፈት ሓይሊ ኣዛዚኣን ምክትሉን ኣብ ክልተ ጉጅለ ከፊሎም ብሮንዳ ንዝተዓደሎም  ቦታታት ክሽፍኑ ይጽገሙ ከምዘለው።

ብሰንኪ ዋሕዲ ዓቕሚ ሰብ ናይ መሳርዕ ጋንታታት ኣጽዋር ብፍላይ ኣድማዕቲ ዝበሃሉ ከም በዓል ብሬን ኣርፒጂ ናብ ኤምዳዳት ተመሊሶም ተዓቑቦም ከምዘለው ሓበሬታ ምንጭታት ወጋሕታ ገሊጹ’ሎ።

------------------------------------------/////////////------------------------------

02 ግንቦት 2012

ኣዲስ ኣበባ ከም ባቅዳድ ንምግባር መደብ ተታሒዙ ከምዝነበረ
ብእንዳስለያ ኢሳይያስ ተመስኪሩ።

ንምልክነት ኢሳይያስ ራሕሪሑ ናብ ጎረቤት ኢትዮጵያ  ዝሰገረ ኣባል እንዳ 38 ስለያ  ምክልኻል ዝነበረ ሽሙ ክዕቀበሉ ዝመረጸ ዜጋ ንሉኡኽ ወጋሕታ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣብ ከባቢ ሳዋ ንዝዕለሙ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ኩለንተናዊ ድጋፍ ብምግባር ሰላምን ምርግጋእን እታ ሃገር ምዝራግ ከም ዕላማ  ተታሒዙ ይዕየየሉ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

መንግስቲ ኤርትራ ንሰራዊቱ እኹል መቁኑን ምሃብ ኣብ ዘይክእለሉ  ኩነት’ውን ተኾነ ነዞም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቓወሙ ዑጡቃት ጉጅለታት ሓለፋታት ክገብረሎም ከምዝረአ ድማ እቲ ዜጋ ኣብነት ብምዝርዛር ገሊጹ’ዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ንኣዲስ ኣበባ ከም ባቅዳድ ምግባር ዝብል ስርሒት ንክሰላሰል ዝተገበረ ፈተነ ኢድ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝነበሮን ንሱ ዝነበሮም ኣባላት ስለያ ዘድሊ ድጋፍ ከምዝገበረሎም ከኣ ገሊጹ’ዩ።

እቲ መስርሕ ከምቲ ዝድለ ፍረ ድኣ ኣይተረኸበሉን’ምበር ብእንዳስለያ ኩለንተናዊ ድጋፍ እንዳተገበረ ናብ  ተግባር ዝተኣተወን መንግስቲ ኤርትራ ልዑል ትጽቢት ጌሩሉ ዝነበረን ምዃኑ ከኣ እቲ ዜጋ ኣረዲኡ’ዩ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. : This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...