ኣብ መደበር ስደተኛታት ኤርትራውያን ዓዲ-ሓርሽ፡ ብ05 ሰነ 2011 ናይ ህዝቢ ኣኼባ ተኻይዱ። ኣብ’ዚ ንካልኣይ ጊዜ ዝተኻየደ ኣኼባ ህዝቢ፡ ከም ቀንዲ መደብ ዝተታሓዘ፡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ መዓስከር ዓዲ-ሓርሽ፡ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምዕዋት ሰፊሕን ንቑሕ ተሳትፎ ከረጋግጹ ኣብ ምብቃዕ፡ ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ዝተሓባበር ናይ ህዝቢ ሽማግለ ንምምራጽ ዝዓለመ ምንባሩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን፡ ኣብ መእተዊ  ኣኼባ፡ ካብ 31-ሓምለ ክሳብ 09-ነሓሰ 2010 ዝተሰላስለ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዘመሓላለፎም ታሪኻዊ ውሳኔታትን፡ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምግባእ ተጀሚሩ ዘሎ ቅድመ ምድላውን ጽሟቕ መብርሂ ምቕራቦም ተፈሊጡ።

ኣባላት ሃገራዊ ኮምሽን መግለጺኦም ብምቕጻል፡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዓዲ-ሓርሽ፡ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምዕዋት እጃሞም ከበርክቱ ከምዝግበኦም ብምዝኽኻር፡ ካብ ውሽጦም ንሃገራዊ ኮምሽን ዝተሓባበሩ ኣባላት ናይ ህዝቢ ሽማግለ፡ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ክመርጹ መዘኻኸሪ ኣቕረቡ። ተሳተፍቲ ኣኼባ ድማ መብርሂ ዝደልዩሎም ዝተፈላለዩ ሕቶታት ድሕሪ ምቕራቦም ብኣባላት ሃገራዊ ኮምሽን ድማ መብርሂታት ከምዝተዋሃቦም ካብ’ቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ዜና ኣመልኪቱ ። ብምቕጻል ናይ ህዝቢ ሽማግለ ዝኾኑ ኣባላት 21 ሰባት ብምሕጻይ፡ ካብ’ቶም ብሕጸ ዝቐረቡ ብዝለዓለ ድምጺ 15 ሰባት ከምዝተመረጹ ተፈሊጡ። ኣብ መደምደምታ ኣባላት ሃገራዊ ኮምሽን፡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዓዲ ሓርሽ ንሽማግለ ህዝቢ ኩሉ መዳያዊ ምትሕብባር ክገብሩላን፡ ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ እጃሞም ከበርክቱ መዘኻኸሪ ከምዘቕረቡሎም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን፡ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ምስ ኣጠቓለሉ፡ ምስ’ቶም ብህዝቢ ዝተመረጹ ኣባላት ሽማግለ ኮፍ ብምባል፡ ስራሕን ሓላፍነትን ናይ ህዝቢ ሽማግለ ብምንጻር፡ ካብ ውሽጦም ብምስጢራውን ደሞክራስያውን ኣገባብ ሸውዓተ ኣባላት ዝሓዘ ፈጻሚት ክመርጹ ብምዝኽኻር፡ መስርሕ መረጻ ኣባላት ፈጻሚት ብዓወት ከምዝተዛዘመ ካብ’ቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ዜና ኣረጋጊጹ።  


ዓወት ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ!!
ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!
ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ስርዓት ኤሳይያስ!!
ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን - ዞባ ኣፍሪቓ
ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ
07 ሰነ 2011
www.encdc.com


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...