ኤርትራውያን ስደተኛታት ተመሃሮ ኣኽሱም ዩኒቨርስቲ ሃገርዊ ጉባኤ ኣብ ምዕዋት ምስ ኮምሽን ክሰርሑ ሙካኖም አረጋጊጾም።
ኣባላት ሃገራዊ ኮምሽን፡ ምስ ኤርትራውያን ተመሃሮ ኣኽሱም ዩኒቨርስቲ፡ ድሕሪ ምልላይ፡ ብቐዳምነት ውጽኢት ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጥን፡ ብመሰረት ዋዕላ ዘመሓላለፎም ፖሎቲካዊ ውሳኔታት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ ህዝብና ወሳኒ ተሳትፎ ዘረጋገጸሉ ሃገራዊ ጉባኤ ንምስልሳል ተጀሚሩ ዘሎ ቅድሚ ምድላው ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሪቦም። ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕዋት፡ ካብ ምይይጥ ንድፍታት ጀሚሩ ኣብ መስርሕ ሕጸን መረጻን፡ ህዝብና ክህልዎ ዝግባእ ወሳኒ ተሳትፎን ሃገራዊ ጉባኤና ኣብ ምዕዋት ናይ ህዝብና ኣበርክቶ ክዓዝዝ ዘሎ ተደላይነትን ገሊጾም። ኤርትራውያን ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም፡ ከም መንእሰያትን ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዝከታተሉ ዘለዉ ብምዃኖም፡ ህዝብና ዓቢይ ትጽቢት ስለ ዝገብሩሎም፡ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምዕዋት፡ ካብ ቅድመ-ምድላው ጀሚሮም ተሳትፎኦም ከዕዝዙ ጻውዒት ቀሪቡሎም።
ኤርትራውያን ተመሃሮ ኣኽሱም ዩኒቨርስቲ፡ ዝቐረበሎም መብርሂ ብጽሞና ድሕሪ ምክትታል፡ ዝተወሃቦም ዕድል ብምምስጋን መብርሂታት ዝደልዩሎም ኣገደስትን እዋናውያንን ሕቶታት ኣቕሪቦም ግቡእ መልሲ ተዋሂቡዎም። ኣብ’ዚ ኣኼባ ዝተሳተፈ ኤርትራዊ ተማሃራይ ዝሃቦ ኣገዳሲ ርእይቶ፡- ‘’ኣነ ኣብ ሃገረይ ሰላም ረኺበ ተማሂረ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ በጺሐ፡ ንባዕለይን ንህዝበይን ክጠቅም ምደለኹ፡፡ እንተኾነ ግን ብሰንኪ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ካብ ሃገረይን ዝፈትዎም ስድራይ ተፈልየ ንስደት ተቓሊዐ ኣሎኹ። ሎሚ ጽቡቕ ዕድል ረኺበ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝሃበና ዕድል ትምህርተይ እቕጽል ኣሎኹ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለዉ በዝሒ ውድባት፡ ዝረአዩ ፍልልያትን ኣብ ልዕሊ ውልቀ መራሕቲ ዝበሃልን እናዘከርኩ ከስቆንቁን ኣይደልን። እዚ ተታሒዙ ዘሎ መደብ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ከሰጋግረና ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ፡፡ ስለዚ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምስልሳል ተጀሚሩ ዘሎ ምንቅስቓስ ንምዕዋት፡ ብኩሉ ዝከኣለና ክንጽዕር ኣሎና በሃሊ እየ። ኩሉ ኤርትራዊ ድማ፡ ነዚ ጀሚርናዮ ዘሎ ትምህርቲ ተዓዊትናሉ ክንወጽእ ዝከኣሎ ምትሕግጋዝ ክገብረልና እጽውዕ’’ ክብል ሓሳቡ ደምዲሙ። እዚ ርእይቶ’ዚ ናይ ኩሎም ተሳተፍቲ ኣኼባ ምዃኑ ብዘቕረቡዎ ተወሳኺ ሓሳባት ኣረጋጊጾም እዮም።
ኣባላት ሃገራዊ ኮምሽን፡ ናብ ካልኣይ ኣጀንዳ ብምስግጋር፡ ኤርትራውያን ተመሃሮ ኣኽሱም ዩኒቨርስቲ፡ ነዚ ረኺቦሞ ዘሎዉ ናይ ትምህርቲ ዕድል ብዓወት ኣብ ምዝዛም ዓበይቲ ጸገማት ኮይኖምና ኣሎዉ ዝብሉዎም፡ ብኩሎም ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ብሰብ ሃብቲ፣ ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ፖሎቲካዊ ሓይልታትን ደገፍ ክገብሩልና ይግባእ ኢሎም ዝርእዩዎም ክሕብሩ ዝዓለመ እዩ። ኤርትራውያን ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም፡ ብፌደራላዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናይ ትምህርቲ ዕድል ክረኽቡን ብዓቕሙ ዝገብረሎም ዘሎ ምድግጋፍ ዘለዎም ምስጋና ድሕሪ ምቕራብ፡ ካብ ኤርትራውያን ወገናቶም ዝጠልቡዎ ምትሕብባር ብዝርዝር ኣቕሪቦም። ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን፡ ብተመሃሮ ዝቐረቡሎም ናይ ምትሕግጋዝ ሕቶታት ብግቡእ ብምምዝጋብ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝርራብ ዘድሊ ምትሕብባር ክግበረሎም ጻዕርታት ከካይዱ ምዃኖም ኣረጋገጹሎም። ኣብ መደምደምታ፡ ኤርትራውያን ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም፡ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕዋት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ቅድመ-ምድላው ንጡፍ ተሳትፎኦም ከረጋግጹ ተተሓባብር ሰለስተ ኣባላት ዝሓዘት ሽማግለ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ብምምራጽ ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።
ዓወት ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ!!
ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!
ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ስርዓት ኤሳይያስ!!
ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!
ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን - ዞባ ኣፍሪቓ
ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ
31 ግንቦት 2011
www.encdc.com