ምልክታ ብዛዕባ ሃገራዊ ኮምሽን ኣብ ለንደን ዘካየዶ ዘተ
1. መበገሲ ጻውዒትና ኩሉ ኤርትራዊ ሓይሊ (ህዝብና) ብሓባር ተጋቢኡ ብደሞክራስያዊ መንገዲ ተዋሲኡ፡ ብልዑል ድሌት ህዝቢ ተማእዚዙ ክነብር ከምዝግብኦ መሰረታዊ እምነትና ምዃኑ ገሊጽና
2. ንጽቡቕ ድሌታት ክልቲኡ ሸነኻት ኣመልኪትና ወሲድናዮ ዘሎና ታሪኻዊ ተበግሶ ጠቒስና ኣመስጊና
3. ዕማምን ሸቶን ነጻነትን ጊዜያውነትን ተለኣኽነትን ተማእዛዝነትን ናይ’ዚ ኮምሽን ኣብሪህና
4. ዝመጽእ ዘሎ ጉባኤ ዝጠልቦ ናይ ሰፊሕ ሕብረተሰብና ሓድነትን ብዙሕነትን ምስ ዘሎ ኩነታት ሃገርና ከኣ ህጹጽነትን ኣድላይነትን ናይ ተልእኾና ገሊጽና
5. ንዝቐረበልና ሕቶታት ብጽሞና ድሕሪ ምስማዕ ዘድሊ መልስታትን መብርህታትን ሂብና
6. ካብ ዝቐረቡልና ብዙሓት ርእይቶታን ትንተናታትን መሰረትን ሓቅታትን ከምዘይብሎም ኣስሚርና
7. ብዘይካ እቲ ንኹሉ ውልቀሰባትን ውድባትን ዝግባእ ናይ ምስታፍ መሰል ምግላጽ ካልእ ናይ ሕሉፍ ታሪኽ ተንታን ኣዎንታዊ ከምዘይከውንን፡ እንተተደልዩ ግን ሰነዳትና ከነቕርብ ድሉዋት ምዃናን ሓቢርና።
ዝርዝር ውጽኢት ዘተና ብመደብ ወይ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚታት ንህዝቢ ከነብርህ ድሉዋት ምዃናን፡ ዕላማ ኮምሽን ከኣ ህዝቢ ምጥርናፍን ምሕብሓብን ደኣ’ምበር ምግላልን ምውጋንን ከምዘይኮነ ኣናገልጽና፡ ዘተና ባህጊ ህዝብና ዘርዊ፡ ንያት ደላይ ሰላምን ስኒትን ዘዕግብ ክኸውን ብዙሕ ጻዕርን ጊዜን ከምዘድልየና ብምእማን ንቀጻሊ ርኽባት ማዕጾ ክፉት ገዲፍና ኣኼባና ደምዲምና።
ልኡኽ ዘተ ኤሃኮደለ
ለንደን ሰነ 15, 2011