ብመስዋእቲ ባዓል ቤተይ ሓርበኛ ተጋዳላይ ዶክተር በየነ ኪዳነ ካብ ዝተፋላለያ ከተማታት  ጀርመንን ካብ ዝተፋላለያ ሃገራት  ኤዉሮጳን ኣመሪካን ተጓዒዝኩም ናይ ሓዘና ተኻፈልቲ ዝኾንኩም ኩልኹም  ኣዚና ነመስግን ሕሰም ኣይትርከቡ።

 

ንተጋዳላይ ሓርበኛ ዶክተር በየነ ኪዳነ ኣብ’ቲ  ብኸቢድ ሓሚምሉ ዝነበረ እዋን ብዙሓት ፈተዉቱን ብጾቱን ፡ኣብ ሆስፒታልን ገዛን ከይተሓለልኩም ን9 ኣዋርሕ  ዝኣክል እናተመላለስኩም ዝገበርኩምልና ምትብባዕን ምጽንናዕን  ብልቢ ነመስግን።

 

ንግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ምስ ስድራቤት ጅግና ስዉእ ዶክተር በየነ ብምርድዳእ ዝገበርኩምልና ብጻያዊ  ሞራላዊ  ንዋታዊ ን ሓገዝኩም ብልቢ ነመስግን።

 

ንኻህናትን ድያቖናትን ቑምስና ቅ.ሚካኤል ኦርቶዶግሳዊት ቤተክርስትያን ኮለን ሎንገሪሽ ዝገበሩዎ ቅዳሴን ጸሎትን ፍትሓትን ከምኡ’ዉን ነቦና ቀሺ ኣሮን ንኹሎም ብልቢ ነመስግኖም ጸሎትኩም ሰማይ ዓሪጉ  ንነፍስሄር መንግስተ ሰማይ  የዋርሶ።

 

ንኹሎም ቀባሮ ፖለቲካዉያን ዉድባትን ሰልፍታትን ሲቪክ ማሕበራትን መራኸቢ ብዙሓን ማሕበር ስመር መንእሰያትን ከምኡ’ዉን ኩልኹም ብቴለፎን ብፋክሳትን ደብዳቤታትን ዘጻናናዕኩምና ብልቢ ነመስግን ሕሰም ኣይትርከቡ

 

ብፍላይ ካኣ ማሕበረሰብ ኮሎንን ከባቢኣን፡ ሓላፍነት ወሲድኩም ኩሉ መደባትኩም ሰሪዕኩም፡ ካብ መጀመርያ ክሳብ መዎዳእታ፡ ነቲ ድኻምን ተወፋይነትን ዝሓት ስርሓት ብጽፉፍ ኣጋባብ ዛዚምኩሞዎ ክብረት ይሃበልና ሕሰም ኣይትርከቡ።

 

ጅግና ይመዉት ኢዩ ፡ ታሪኹ ግን ኣይመዉትን ኢዩ።

 

ካብ ሎሚ ንድሓር ሓዘና ከምዝዓጸና ንሕብር

ካብ ስድራቤት

ወይዘሮ ኣለም ጸሃይ መድሃኔ

ወጋሕታ በየነ

ወይዘሮ ኣብርሄት ኪዳነ ምሰ ኩለን ኣሕዋታ

ዕለት 24 .04.2013


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...