“ጎደፋ”ን ጉዳይ ጀበርትን። ማዓርን ስ’ምን ኣብ ሓደ ኩላሶ።                                       ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ።

ኣቶ ኣወልኼር፡ ብመጀመርታ እንዃዕ ነቲ ክንበሃሃል ምእንቲ ንዝቐረበ ግን ድማ “መእተዊኡን መውጽኢኡን ዘይፈለጥ” ዝበልካዮ ጽሑ ፍ ክትምልሰሉ ኣብቃዓካ። ብወገነይ ክላዘብ ጥራይ’ዃ እንተሓለንኩ ሰሪ ኣራኽቦ’ምበር ብዙሕ ንምባል ነገራት ክቐራርም ከምዘይቀነኹ መጠን ሕጂ’ውን ንምትዕምማጽ ኣይዓለምኩን።

ኣብላዓሊ ተጠቒሱ ብዘሎ ኣርእስቲ ኣርባዕተ ክፋላት ኣስፊልካ። ንምንታይ ነታ ስም “ጎደፋ”  ኣብ ጥቕሲን ኣብ ሓጹር ድማ (ምስቲ ተ ቓላሳይ ጸሓፊ ዝጽብጸቡ) ብዝብል ሽምጠጣ ከምዘእተኻያ ነብሰ-ፍሉጥ እንድዩ፡ ቀጺልካ “ከምጸሓፋይ መጠን ክሳብ ክንደይ ተጠንቂ ቂቕካ ክትጽሕፍ ከምዘለካ፡ ካብ ዘይትፈልጦ ኸአ ክሳብ ጽዒርካ ትፈልጦ ፍንትት ኢልካ ክትጸንሕ ከምዝግባእ ንምዝኽኻርካ ዝኣክል” ብማለት ካብቲ ዝጸየርካዮ ተሳታፍነተይ ከተደስክለኒ፡ ድሒርካ’ሞ ከኣ ብገበን ‘ናይ ብርዒ ስም’ ጭራሽ ኢደይ ክስሕብ ኢኻ ፈሪድካኒ።

ኦይ! ኣይኣዝዝ’ምበር ንግዚኡስ ኣበይ ብእወሓስ አግብእ ክንጫበጥ ኢልና። ብዝኾነ ጸሓፋይ ብቀዳምነት ብርግጽ ነብስኻ ምስ ሓደ ዓቢ ፖለቲከኛ ተናቝታ ዓወት ከምዝሓፈሰት ከተምስል ዝተጠቐምካሉ ውሕሉል ቃላት ግብዝና ርኢናዮ። ከም ሓደ ርኢቶኡ ዝገለጽ ተራ ሃ ገራዊ ዘይጸብጸብካኒ ሰብ ንምንታይ ንዘይተራእየካ ጸላኢ ክንድኡ ጠያይት? ንርእስኻ ንዘይቀጨጨካ ነገር ጸሓፋይነት ኮነ ተቓላሳይነት ሰባት፡ ምጥቃሱ’ውን ሓንቲ’ዃ ኣይመድለየካን። ማለተይ ጎደፋ ኮነ ኣወልኼር ኣስማት ውልቀ-ሰባት እንድዩ፡ ንተዓዛቢስ ትሕዝቶና ጥራ ይ ምኣኸሎ። ኣወልኼር ስለዝተባሃልካ ተርባጽ ኣወልነት ኣሽረቕሪቕካ እንተድኣ ገንፊልካ ድማ ደጊመ ካብ ንመሬትካስ ናብ መሽረቕረቕ እምነየልካ። እንተኣነ ግደፍ ብእምነት፡ ብትምኒት ናይ ማዕዶ መንነቱ ዝሕሰም ወዲትግርኛ ከምዘሎ ስለዝፈልጥ ኢየ ‘ከይንጋገ’ ክብል ዝ ተላበኹ። ”ቢሄረ-ትግርኛ ዝበሃል የለን” ካብበልካ ግን ጥፍኣት ህዝብኻ ተጸበዮ ኢኻ። ትጽቢት እንታይ በሃላይ ጽንሕ ጥራይ’ንዶ!

ኣቶ ኣወልኼር ብሓውሲ ምዕዶ፡ እቲ ጁርዓ (ዓቐን) ዝበልካዮ ክሳብ ዘድምዕ ‘ከም ጸሓፋይ መጠን’ ክሳብ ክንደይ ተጠንቂቐ ክጽሕፍ ከ ምዘለንን፡ ነቲ ዘይፈለጥኩዎ / ዘይብሄረ-ትግርኛነት ጀበርቲ/ ጽዒረ ክሳብ ዝፈልጦ ፍንትት ኢለ ክጸንሕ ከምዝግባእን ኣዘኻኺርካኒ። ብ ተወሳኺ”ኣንታ ሓውና!” ብዝብል ትዕቢት፡ ህዝቢ ሓበሻ ብዘይገለ ጎነጽ እስልምና ከምዝተቀበለ ጥራይ ዘይኮነ ንድሕነትን ምስፍሕፋሕን እስልምና ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝገበረ ኣይትፈልጥን ማለት ዲዩ? እሞ ኻአ ጸሓፋይ! ክትብል ተዓጂብካለይ።

መን ኢዮም’ቶም ህዝቢ ሓበሻ ዝበልካዮም?እታ ዝጓነኻያ ብሄረ-ትግርኛኸ ኣብኡ ኣላ ዲያ? መልስኻ ‘እወ’ እንተኾይኑ ታሪኽና’ሞ ከምቲ  ኣበሃህላኻ ብሓደ ጎድኑ ጥራይ ኣይኮንኩን ዝፈልጦ። ንኣብነት ሃገር ናይሓባር፡ ሃይማኖት ግና ውልቀ ምርጫ ምዃኑ እንተጠቐስኩ ብወ ገንካ መቑነን እስልምና ክቕበሉ ጥራይ ዝተሰርዑ ህዝቢ ሓበሻ ተር ኢሎም እንተተራእዮሙኻ ኣይተረዳዳእናን ወይ ብጭቡጥ ካልእ ነገር ኣሎ። ንዓይ’ሞ እቲ ንስደተኛታት ዝተቐበለ፡ እስልምና ዝዓቀበ ህዝቢ ሓበሻ ብዘይምምስላሙ ክሳውዱ ብጎዘሞ ከምዝተኸረተ፡ ኣድባራ ቱ፡ ኣቕሽሽቱን ቅዱስ መጻሕፍቱን ብእሳት ከምዝተደኩዐ ኢዩ ዝረኣየኒ። ቸድ ቸድ ቸድ ቸድ!

ክቡር ጎደፋ! ዕንደብሌንቶ ብቋንቋ ሳሆ ምዃኑ ጠፊእካ ዲዩ? ዋላስ እቲ ምንቛት ኣብክንዲ ምስ ሓደ ምስ ብዙሓት ክከውን ኢልካ ኢኻ? ክትብል ተወኪስካኒ ኣቶ ኣወልኼር። ብተወሳኺ ከምዘመኑ ኣብክንዲ ንእሽቶ ክስታን፡ ንእሽቶ ትግርኛ ገይረ ከምዘቕረብኩዋ ጠቒስካ።

ኣይጠፋኣንን። ንስኻኸ ኣበየናይ መዝገበ-ቃላት ቋንቋ ሳሆ ኢኻ ኣብሞንጎ ንእሽቶ ክስታንን ንእሽቶ ትግርኛን ፍልልይ ከምዘሎ ዝገልጽ ሓበሬታ ረኺብካ? ዶስ ከምቲ ናይ ዓረብ ዝሃብካዮ ትርጉማት ከተምስሎ ደሊኻ? ጠፊእኒ እንተኾይኑ’ውን ንድኽመተይ ብ’ምንቛት’ ተ ምይንካ ከተናቑተኒ ከምትሕልን ኣግሂድካዮ ኣለኻ። ንነገሩ ንመነመን ከናቑት ኢኻኸ ርኢኻኒ? ህዝቢ ጀበርቲ ‘በይኑ ዓይነት’ ክበሃል ኣዕ ጊብዎ ብፋምጣጥ እንተተጨንዲሑ እኒጎደፋ ድማ ትርፎ ታሕጓስ ህዝቢ ጀበርቲ ኣእዳውና ንድሕሪት ጠጠዊና ብብኽያት ክንንኽነኽ ኣሕሊምካ ከክንድኡ ትምድር እንተሊኻ ካብ በሃሊኡስ ደጋሚኡ ጥራይ’ውን ክውሕደካ።

ኣብ ሳልሳይ ክፋል ጽሑፍካ ካብዘሎ ትሕዝቶኻ ንእምነትካ ዝውክል ከምዘይኮነ፡ እንተኾይኑ ግና መጥቃዕቲ መሲልኒ ኣሎ። ንበል ንራ ሻይዳ ብዓይኒ ትሕትና ከምዝጠመትኩ ኣምሲልካ ንእምባነት ጀበርቲ ከተድምቕ ሓሊንካ። ናይ ብሄራት ልዕሎን ትሕቶን ዲያ ትገልጽ ነይ ራ’ታ ጽሕፈተይ ዶስ ጽብቕቲ  ሰታሪት ሕቕፎ ትምኒትካ ኮይናትልካ? ብምቕጻል ብወገነይ ጉዳይ ሃገር ንኩላትና ሃገራውያን ስለዝምልከት ኩልና ክንዋሳኣሉ ክላቦ ንዝጠቐስኩዋ ኣብነት መዝሒቕካ ንደገፍትኻ ዝሓሰብካዮም ተሳተፍቲ ዝዓለመ መዓርግ ንሻናት ክትዕድል፡ ንዝቃ ወሙ ድማ ኣፍንጫኦም ከተኹርፍ ዝተተለመ  ጭርጭር ዓበደ ኢኻ ዓቢድካ። ኣነን ዝጠቐስካዮም ተገደስትን  እንተድኣ  ኣብ ትርጉም ወ ይ ብሄርነት ጀበርቲ ዘይተቓደና፡ ህዝባዊ መንግስቲ ከምዝዓርቀና ኣይተኸሰተልካን ዲዩ ዶስ ብምንቛት እናጠቀንካኒ ከተናቑተና ክትብል ከ ምዘይንሳነ ኣምሲልካዮ? በል ነገርካ ካብ ክዉንነት ድኣ’ምበር ካብ ዘይስምምዕ ዜጋታት ኣይትድለዮ ከይስበለካ።

“ትግርኛ ዝበሃል ቋንቋ እምበር ትግርኛ ዝበሃል ህዝቢ የለን። ስለ’ዚ ዓቕምኻ ንዘይኮነ ጉዳይ ጀበርቲ ኣልዒልካ ኮለል ካብ ትብል፡ ነቲ ካብ ሳሕል ተተኸሺኑ ዝመጸካ ብመንቆርቆር ትኽ ኢሉ ናብ ከርስኻ ተእትዎስ በቲ ፈጣሪ ዝሃበካ መልሓስ ኣስተማቒርካ ብኾራርምትኻ ሓይኽካ እንተትውሕጦ ምበለጸካ”

ብዛዕባ ትርጉም ቢሄርን ኣመጻጽኣ ሃገራውነትን ዝቐረብካዮ ጉንዲ ሓሳብ ኣይጸራረብካዮን ኣቶ ኣወልኬር። ምናልባሽ ኣብግዜ ር-ማልነት  ሃገር ማለት ከምታ ኣብነት እትጥቀስ ዓዲ እንግሊዝ ከምዝመሰለኒ እንተመሲልካ፡ ኣይትሰከፈለይ። ማለተይ ውሽጦም እንታአቲኻ “ዩናይ ትድ ኪንግደም እንታይ ማለት ኢዩ? ንምንታይከ ሓደ ወዲ ኢንግላንድ ነብሱ ከምወዲ ዩ/ኪንግደም ክገልጻ ዘይደሊ እንተድኣ እንግሊዝ ብሓንቲ ቢሄር ትኹን ዓሌት ህዝቢ ቆይማ ኮይና? ንምንታይከኒ እቲ ንዕዑ ዝመስል ህዝቢ ኣየርላንድ ካልእ ሃገር ተባሂሉ? ማለት’ውን ኣ ሎ። ንስኻኸ ገዛእ ፍልጠትካን እምነትካን ምስ ኣመሪካዊ ሃገራውነት ይቃዶ ዲዩ? እንተንሳቶም ኣብ ብዓለሙ ኣብ መስፍነ-ርእሰማልነት ኮነ ግዙኣት ኣህዛብ፡ ሃገራትን ሃገራውነትን ከምዘየለ እናገለጹ ባዕላቶም ብዝጠፋጠፍዎ ዞባዊ ቅርጽታት ኣሕቢሮም ክገዝኡ ኢና ኣርኪብ ናሎም። ንሳቶምስ ኩሉ ገይሮምን ኢሎምን ንሕናኸ? ብጉልባብ ሰላም ጻዕዳ ባንዴራ ጥራይ ንዘርኣየኒ ሰብ ነታ ጸላም ሓቢኡዋ ከይህሉ ክርዳእ ክንዲ ተጉራሓኒስ፡ ክትጓንየኒ ክትብል ክሳብ ኣብ ሃገርና ህዝብታት’ምበር ብሄራት ከምዘየለዋ ዝዓይነታ ኣወልኼራዊት ሓዳስ ኤርትራ ኮሊዕካያ። ኦይ! እዚ’ሞ ካብቶም ሃገራውነትና ዘይቅበሉ ገዛእቲ ዝፍለ ዓላማ ኣይኮነን። ይኽደን!

ናብ ሃገርና ድማ ንመለስ። ኣብ መስፍናዊ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መግዛእቲ ንዘሎ ህዝቢ ዝኸውን መግለጺ ካብደረቐካ ኣይተዓደልካዮን ትኸ ውን’ምበር ካብቲ ምንጪ ሃገራውነት ዘውሕዝ ሓቒቕ ሳሕላዊ ፖለቲካ ባሕሪ ክትቀድሕ ትኽእል ኔርካ። ትግርኛ ዝዛረብ ህዝቢ ከምዘሎ ካብኣመንካሉ ንርእስኻ በቲ ሓደ ክሳብ ንፍሉይ መሰል ክፋሉ /ጀበርቲ/ እናተጣበቕካ በቲ ካልእ ከምህዝቢ መንነቱ ኮነ መበቆሉ ክትገል ጽ ካብዘይከኣልካ ወይ ዘይደለኻ ኣብውልቀ-ሰባት እንተዘይኮይኑ ከምኡ ዓይነት ናይ መንነትት ቅልውላው የብላን ሃገርና።

ኣወልኼር እንተደሊኻ ነቲ ዝተሓሰምካዮ ሕውነት ብናይ ኣሰር ዳህሰስቲ ከተናድዮ ኢዩ ኣወናዊንካ። ” …….ንድሕሪት ገጽና እንተንጓዓዝ  ናብ ሓደ ኣደም/ኣዳም/ ዝተባህለ ናይ ኩልና ኣቦ መብጸሔና ። ስለዚ ኩልና ኣሕዋት ኢና ” ብማለት። ብምቕጻል “…..እንተትደሊ ሓደ ዝ ሕብርና ሓደ ዝእምነትና ሓደ ዓሌት ጌርካ ክትፈጥረና ትኽእል ከምዝነበርካ ዝኣምኑ ኣንብረኒ። ኣሚን “ ኢልካ ን4ይ ጽሑፍ ተቛጺርካ።

ከምኡ ኢና ደቂ-ሰባት ክቡር ጸሓፊ። ኣምላኽ ድማ ኣብ በቦታናን ከምቲ ክንኮኖ ዝደለየናን ገይሩ ፈጢርና ኣሎ። ግደፍ’ቶም ብተምሳሉ ዝተፈጠርና ሰባትሲ፡ እንስሳታት’ውን መሬት ዓደቦኦም ኣለዎም። ንመሬቶም ዝጥርሩ እንስሳታትዶ ኣይራአኻን ኢኻ? ኣብውሽጢ ሓደ ዓይነት እንስሳ፡/ንኣብነት ከምህበይ/ ገሊኡ ምጩው፡ ገለ ድማ ደፍጫጭ ዝዓይነቱ ዓሌት ዘሎ ይመስለኒ። ግን ድማ ግደፍ ከክንድኡስ ደቂ ሓንቲ ማህጸን’ውን እኮ ሓደ ኮንካ ኣይትፍጠርን ኢኻ። ኣሕዋት ከኣ ገገዝኦም ሒዞም ኢዮም ዝያዳ ኣሕዋት ክኾኑ ዝኽእሉ። ሽግርና እምባአር ኣጠቓቕማ ናይቲ ኣምላኽ ዝሃበና ጸጋ ብዘይምፍላጥና ኢዩ ሃይማኖታውን ዓለማውን ሕግታት ኣገዳስነት ዝህልዎ። ብዝኾነ ኣ ሕዋት ኢና ክትብል’ምበር ልቦና ሕውነት ዘለካስ ኣይትመስለንን። እንተዝህልወካ ኣነ ንምርጫኻ ከምዘይዳፈሮ ኩሉ፡ ንስኻ’ውን ስግር እናተመነኻ ኣይምነጸልካንን። ግናኸ ካልእ ጥጁዕ ጉዳይ እንተዘይሃልዩ ሽግራትና እዋናውን ዘይፖለቲካዊን ጥራይ ከምዝኾነ እኣምን።

ወያ ጎደፋ ብዙሕ ከይሃልል ብልጓም ክትቅፍዶ ዝሓለነት 3ይቲ ክፋል፡ ኣብ ዘስዓበቶ 4ይ ክፋላ ንርእሳ ሃውቲታ ከምዛ ብዓልቲ ድሓን ብ”ጎደፋ” ድሓን ቀኒ’ ኢያ ተሰናቢታትኒ። እወ፡ ከምኡ እንተበልኩኹም ብሰላም ከይመስለኩም። “ብፍላይ’ቶም መንነት ታሪኽ ውልቀ-ሰባት ይኹን ብዙሓት ኣልዒሎም ዝዛረቡ ባእታታት መንነቶም ኣነጺሮም ክጽሕፉ ኣለዎም፤ ወይ ኢዶም ክእክቡ ኣለዎም ”ዝብል ተሪር መጠንቀቕታ ድማ ኣለዎ።

‘ተወገን” ዲኻ ዝበልካኒ! ሓቅኻ ኣብ ዓለም ልክዕ ከምቲ ናይ ዘመነ ናዚ፡ ሎሚ ድማ ብዛዕባ ጽዮን፡ ጽዮናውነት ወይ ኣይሁድነት ኣል ዒሉ ዝዛረብ ወይልኡ! ኮይንሉ ዘሎ እዋን፡ ቅሩብነት ስጋኻ እንድዕሉ መንፈስካ ግን ብመሰል ህዝቢ ጀበርቲ ተኸዊሉ ስላዕ ሃይማኖት ከ ወጣውጠለይ ተራእዩኒ። ኪኖ’ቲ ሃይማኖታዊ ትረኻኻ ህዝቢ ጀበርቲ ብፖለቲካዊ መንነቱ ከምዘይዛረብ ኣኾርኒዕካ፡ ኣይሃገር፡ ኣይቢሄር ኮነ ዓሌት፡ ጥራይ ፍኑው ህዝቢ ጌርካ ገሊጽካዮ ከይኣክል፡ ሃይማኖታዊ ሃገራውነት ስዒርካ። ኣቶ ኣወልኼር ኣነ መሰል ዝህብን ዝኸል እን ስለዘይኮንኩ ምሳይ ኣይትጻረድ። እንተብወገነይ ንሰላም ጥራይ ይግበሮ’ምበር ብታሕጓስ ህዝቢ ጀበርቲ ደም ኣይነብዕን ኢየ።

ንምዃኑ ጎደፋ ኣብምንታይ ውዒለ ኢየ ከም ጸሓፊ ኣሉታ ደቂጀበርቲ ዝገለጽካኒ? ብዛዕባ ትርጉምን ፍረ-ነገርን ድላይካ ክትኣምን እንተደ ሊኻ ብወገንካኸ ካልእ እምነት ክህሉ ተፍቅድ ዲኻ? ጥሪት ከይዓደግና ኣብ መእሰሪኣ ክንዲ ንዋጠጥ፡ ጉዳይ ህዝብና ብሃገራውያን ስለዝ ፍታሕ፡ ቅድም ሃገር ንሓዝ” እንድዩ ነይሩ ጽሑፈይ። ዘይተባህለ ዘይነበረዶ ኣጋጭየ ኢየ? ንስኻከ ብዛዕባ ቅድሚኡ ዝጸሓፍኩዎ ናይኣው ራጃታትና ጸገም ክጥቀስ ዘይዓጠጠካስ ኮልዒ ፖለቲካ ገዛእትና ከምዝጨለጥካ ብዝተገደስካሉ ነገር ቱልቱላ ዘራፈ-ቱታታት ክትነፍሕ  ኣ ይግድን! እምበር ህግደፍሲ እንተንውዕሎ ሰልፊ ‘ቢሄረ-ትግርኛ’ መስሪትና ምስተን ድሮ ምስሩታት ክንናቖት ክንደይ ዘይጸዓረ!

ዕድመይን ወለደይ ዘጠመቑኒ ስምን ክትፈልጥ ዝተሃንጠኻ ወቓሲ ኣነ’ውን ኣብጥምቀት ኮነ ምስሊ ኣወልኼር ኣይወዓልኩን። ኣመዓባብ ላ ናይቲ ብመንቆርቆር ዝገሰምኩዎ ሃገራውነት ሳሕል’ሞ እሺ ኢልካ ጨሊጠዮ ኣለኹ። ኣብኡ ኣሎ ሌላን ጉሌላን ዘይደረተ ጋህሲ። ኣብ ኡ ድማ ኣላ’ታ ከምዚ ትብሎ ሳባላቃ ዘይተዕጀጁ ልቢ ተጋዳላይ! ንሳ ደቂ ጀበርቲ ምእንቲ መሬቶም ማዕረ ኣሕዋቶም ከምዝወደቑ ከም ትኣምን ናይዓይኒ ምስክር ኢየ። ሎሚ ድማ በጺሕና። ግዜ ውራውራ ነብስኻ ንዘይምዕባር ክበሃል ንጥቕሉል መስዋእቲ ብዙርዙር ሞት ብዝጅልሕ ሕልናኻ ኣርዒድኒ ኣብቲ ጽምዶ ከምሰገን ርእሰይ ቀቢረ ምስጸናሕኩ ክትስሕቀኒ ተተስፊኻ እንተኾንካ ምስናይ ዕጥቅኻ ኣድ ቢኻ ተኾድጭካ ሕደር! እንተኾነ እንታይሲ ገዲስካ ነይሩ! ጎደፋ’ኮ ሓሳብ ጥራይ ኢየ ኣቕሪበ። ሓሳብ ህዝባውነት። ብስም መሰል ኢድ ካ ይዝርጋሕ እንተኾይኑ ኣዒንቲ ሰብ ምስተኑቅር ከኣ ሳዕቤን ኣለዎ። ስለንሱ “ህዝቢ ጀበርቲ እንታይ ኢያ ድልየቱ”? ኢየ ኢለ። ኣብቲ ህዝባዊ እምባ ፍትሒ ኣሎ። ፍትሒ፡ ፖለቲካዊ ስነ-ምግባርካ ክውከስ ኢዩ። ፖለቲካዊ ምርጫ ሰባት ካብ ፖለቲካዊ መሰል ክብዕድ ስለ ዝኽእል ጥርዓንካ ተኾልዂልካ ቴኖ ሰንኬሎ እናረሃጽካ ክትድይቦ ኣለካ። ሽዑ መንኢኻ? እንታይ ኢዩ ጥርዓንካ ክትሕተት ግድን ኢዩ። ፍትሒ ከምስዑር ርእስኻ ኣየድንንን፡ ኣየህልልን ምዃኑ ፍለጥ ክንዲ ከይተበገስካ ከቦሮ ሓምሓም ምድሳቕ። እሞ ኣቶ ኣወልኼር፡ እታ ሕቶ ኣይመለስካያን። ትጽቢትካን እንግዶት ጎደፋን ከም መዓርን ስምን ብሓደ ክትኩልሶስ ይትረፍ ምጥቕላሉ’ውን ዕጭ ምስበለካ ‘ጥሬ’ ከተብስል ጌና ማይን ሓውን እናተጠለብካ ንሓዊ ብነዳዲ ክትድብሶ ስለዘየዋጽእ ኣጀንዳና ብውንዙፉ ልቢ ህዝቢ ጀበርቲ ንምስላብ ናብ ሃይማኖታዊ ኣስተምህሮ ተጨሊጥካ። አእ፡ መቸም ንስኻ ኣኹዲድካ ካብዘይኣስቢርካስ ኣይሳዕሳዕካን። ኣነ ድማ ምሰገዚፍ ነባሪ በሰላ ሓለንጊ ኣሽሙርካ ተሪፈ ኣለኹ። በል ድሕሪ ሕጂ ብጽጽ ትብል ቃል ከየምሉቕ ኣፈይ ሓቲመ ከስቅጥ ምዃነይ ተበሰር።

ዝኸበርካ ህዝቢ ጀበርቲ፡ ዓላማይ ብዘይዝኾነ ዕበጦዕበጦ ሓቀኛን ነባርን ፍታሕ ሽግርና ከምዝኾነ፡ነቐፌታይ ድማ ነቲ ተጻሪፉ ዘጻርፍ ጽሑፍ’ምበር ምሳኻ ምስክቡር ህዝቢ ወይ ምስ ኣወልኼር ደጋጊመ ከምዘይተሃላለኽ ክትርዳኣለይ ምስናይ ይቕሬታኡ ክገልጽ እፈቱ።

የቐንየለይ!

ጎደፋ፡


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...