ስነ ስርዓት ቀብሪ ሓርበኛ ዶር. በየነ ኪዳን ብሰሉስ ዕለት 16 ሚያዝያ 2013 ኣብ ከተማ ከለን ብክብ ዝበለ ስነ ስርዓት ተፈጺሙ። ልክዕ ሰዓት 13.30 ድ.ቐ ጸሎት ፍትሓት ኣብቲ ቀጽሪ’ቲ መካነ መቓብር ዝርከብ ቤት ክርስትያን ጀመረ። ኣዳራሽ ቤት ክርስትያን ነቲ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ብኣማእት ዝቝጸር ህዝቢ ምእካል ስኢኑ ብዙሓት ኣብ ቀጽሪ ናይ’ቲ ቤት ክርስትያን ክጽበዩ ተገደዱ። ካብ’ቶም ኣብ’ዚ ናይ ቀብሪ ሰነ ስርዓት ዝተሳተፉ፡ ኣቦ መንበር መሪሕነት ባይቶን ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ባይትን መራሕትን ኣብላትን ናይ ዝተፈላለዩ ማሓዙት ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ነበሩ።

ካብ ቤተ ሰቡን ጨናፍር ግ.ሃ.ድ.ኤን ኤርትራዊ ማሕበረ ሰብ ከለንን  ናይ ፓልቶክ ሩም ስመርን ካልኦት ፈተውቱን ዝቐረበ ጕንጕን ዕምባባታት በብሓደ ኣብ ዙራያ ናይ’ቲ ብባንዴራ ኤርትራ ተጕልቢቡ ዝነበረ ሬሳ ሓርበኛ  ስዉእ ዶር. በየነ ኪዳን ተነቢሮም ነቲ ኣዳራሽ ኣመዕረግዎ።  ከም’ዚ ኢሉ ድማ ሓርበኛ ዶር. በየነ ብዕምባባታትን ብስድራ ቤቱን ብመቓልስቱን ብኹሎም ፈተውቱን ተኸቢቡ፡ ንኣስታት ሓደ ሰዓት ዝኸውን ጸሎተ ፍትሓት ተኻይደሉ።

ካብ’ዚ ቐጺሉ ዲሲፕሊን ብዝመልኦ ኣገባብ፡ ቅድም ካህናትን ከምኡ’ውን ስእሊ ስዉእ ዶር. በየነን ዕማባባትትን ዝሓዙ ናይ ቃልሲ ብጾቱ፡ ቀጺሉ ድማ ናይ ቀረባ ቤተ ሰቡን ፈተውቱን ንክብሩ ኢሎም ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ኣፋነውቱን ተዓጂቡ ናብ ናይ መውዳእታ መዕረፈኡ ምስ በጽሐ፡ በቶም ክቡራት ካህናት ጸሎት ተገብረ። ቅድሚ ግብኣተ መሬት ብብጻይ ነጋሽ ዑስማን ምክትል ኣቦ መንበር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ቃል ውድብን ካብ ንእሰነቱ ዝጀመረ ሓጺር ታሪኽ ህይወትን ቀሪቡ። ቀጺሉ  ናይ ቃልሲ ብጾቱ መዝሙር ስውኣት ብሓባር ዘመሩ።

 

ድሕሪ ሓመድ ድበ፡ ቀባሮ ድማ ናብ’ቲ ተዳሊዮ ዝነበረ ኣዳራሽ ከዱ። ኣብቲ ኣዳራሽ ዝጸንሐ እኽለማይ ምስ ለኸፉ፡ ብጾቱን ፈተውቱን፡ ሓርበኛ ዶር. በየነ ብሞት ካባና ምፍላዩ ዝተሰመዖም ሓዘንን ኣብ ቃልሲ ህዝብን ሃገርን ዝገበሮ ዝነኣድ ኣበርክቶን ብሓበን ብምግላጽ ብግጥምታትን ብጽሑፋትን ስምዒቶም ነቲ ኣዳራሽ መሊኡ ዝነበረ ህዝቢ ኣስሚዖም። ካብ’ቲ ዝቐረበ

መግለጺታት፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክርደኦ ዝኽእል፡ ሓርበኛ ስዉእ ዶር. በየነ ኣብ ቃልሲ ጽኑዑን ውፉይን፡ ምስ ህዝቢ ዝነብሮ ዝምድና ድማ ኣብ ሓድሕድ ምክብባርን ምትሕልላይን ዝተሞርኮሰ ምንባሩ ኢዩ።


 

ስዒቡ  ቀባራይ ብመስርዕ ንስድራ ቤትን ንመሪሕነት ግ.ሃ.ድ.ኤን ጽንዓት ይሃብኩም እናበለ ተፋንዩ።

ኣብ መደምደታ፡ ብጻይ ፍሻለ ገብረየሱስ ብስም በዓልቲ ቤት ሓርበኛ ዶር. በየነ ኪዳንን ጓሉ ወጋሕታን ክብርቲ ሓፍቱ ወ/ሮ ኣብረሀት ኪዳነን ከምኡ’ውን ብስም ኩሎም ስድራ ቤትን ንኹሎም ካብ ሕማሙ ጀሚሩም ካስብ ሎሚ ካብ ጐድኒ ስድራ ቤት ከይተፈልዩ ንስድራ ቤት ክጽናንዑን ብኹሉ መገዲ ክትሓጋገዙን ዝጸንሑ ኣሕዋትን ኣሓትን ዓሚቝ ምስጋና ኣቕሪቡ።

ንኣባላት ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ከለንን ካባቢኣን ከምኡ’ውን ኣብ ኩሉ ከተማታት ጀርመን ዝነብሩ ሃገራውያንን  ናይ ቀብሪ ሰነ ስርዓት ብጻይናን መራሒናን ዶር. በየነ ኪዳነ ብክብ ዝበለ ደረጃ ንኽካየድ ዝገበርዎ ኣስተዋጽኦ ኣመስጊንና ንኣመስገንቲ ነመሓላልፍ።

 

 

ዘላኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስዉእትና !!

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግ.ሃ.ድ.ኤ

17/04/2013


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...